ምንጪ፡ Canva
ዓንቀጽ

እንተድኣ ሓሚምካን ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ምስ ዘይትኽእልን እንታይ ክትገብር ኣለካ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/30/2026 2:13 ድ.ቀ.

እንተድኣ ሓሚምካ፣ ምሕማምካ ንኣስራሒኻ ትሕብር። ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሕማምን ስራሕን ዝምልከት ሕግታት ኣሎ። መሰላት ኣለካ፣ ግን ድማ ግዴታታት እውን ኣለካ። ንነዊሕ እዋን እንተድኣ ሓሚምካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣብሪህናዮ ኣለና።

ምሕማምካ ብቕልጡፍ ናብ ኣስራሒኻ ሓብር

ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕካ ንምፍጻም ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ዓቕሚ እንተድኣ ስኢንካ፣ ምሕማምካ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ብሰንኪ ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ሕማም ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ብዛዕባ እዚ ንኣስራሒኻ ክትሕብር ኣለካ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ሓላፊኻ እዩ ዝግበር። ነዚ ብተሌፎን፣ ኣፕ ወይ ብኢ-መይል ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ብዙሓት ናይ ስራሕ ቦታታት ብዛዕባ ምሕባር ሕማም ዝምልከቱ ቀወምቲ ሕግታት ኣለዉ። እዞም ሕግታት ኣብ ነፍስወከፍ ትካል ይፈላለዩ እዮም። ነዚኦም ብጥንቃቐ ምቚጽጻር ኣገዳሲ እዩ፣ ንኣብነት ኣብ ውዕል ስራሕ፣ ኣብ

፣ ወይ ድማ ኣብ

ኣስራሒኻ ንኽትሓዊ ክንደይ ዝኣክል ግዜ የድልየኒ እዩ ኢልካ ከም እትሓስብ ክሓተካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣስራሒ ነዚ ዝሓተካ፣ ክሳብ ናብ ስራሕካ ክትምለስ እትኽእል ግዝያዊ መተካእታ ከዳልው ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምውሳን እዩ።

ኣብ እዋን ሕማምካ፣ ኣስራሒኻ ክረኽበካ ዝኽእል ክትከውን ኣለካ። ርክብ ብዝምልከት ብሓባር ስምምዓት ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣስራሒኻ ብዛዕባ ሕክምናዊ ኩነታትካ ክሓትት ኣይፍቀደሉን እዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ መሰል ብሕትና እዩ። ስለዚ ብልክዕ እንታይ ጸገም ከም ዘለካ፣ ወይ እንታይ ዓይነት ሕክምና ትረክብ ከም ዘለኻ ክሓትት ኣይፍቀደሉን እዩ።

ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ኪድ። ሓፈሻዊ ሓኪም ድማ ብሕክምናዊ መዳይ ይሕግዝ። ሓፈሻዊ ሓኪም መብዛሕትኡ ግዜ ክትሰርሕ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ኣይውስንን እዩ። ነዚ

እዩ ዝገብሮ።

ሓዊኻ ጽቡቕ ምስ ዝስምዓካ፣ ብዛዕባ እዚ ንኣስራሒኻ ትሕብር። ብኸምዚ ድማ ኣስራሒኻ ዳግማይ ክትሰርሕ ድሉው ምዃንካን፣ ደጊም መተካእታ ከም ዘየድልዮን ይፈልጥ።

ንነዊሕ እዋን ክትሰርሕ እንተድኣ ዘይክኢልካ ከምዚ ይኸውን

ድሕሪ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሕማምካ፣ ኣስራሒኻ ኣብ ውሽጢ 1 ሰሙን ንሓኪም ትካል ወይ

ከም ዝሓመምካ ከፍልጥ ኣለዎ። ብድሕሪኡ እቲ ሓኪም ትካል ወይ ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ፣ ቆጸራ ንምግባር ምሳኻ ርክብ ክገብር እዩ።

ኣብ እዋን እዚ ምስ ሓኪም ትካል ወይ ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ እትገብሮ ዝርርብ፣ ብዛዕባ ጥዕናዊ ጸገማትካን ኣብ ስራሕካ እንታይ ክትገብር ዓቕሚ ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ከዘራርቡኻ እዮም። ብድሕሪኡ እቲ ሓኪም ትካል ወይ ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ ናይቲ ጸገም ትንተና ከዳሉው እዩ። ኣብዚ ሰነድ ድማ እዚ ዝስዕብ ይርከብ፡

  • ጸገማትካ እንታይ እዩ (ሕክምናዊ ዝርዝር ብዘይብሉ)

  • ንሕውየትካ እንታይ የድልይ

  • ንዳግመ-ውህደትካ (ናብ ስራሕካ ንኽትምለስ) እንታይ የድልይ

እቲ ሓኪም ትካል፣ ንሕክምናዊ ሓበሬታኻ ኣብቲ 'ሕክምናዊ ሓበሬታ' ዝብል ቅጥዒ ከእትዎ እዩ። እዚ ቅጥዒ ድማ ናባኻ ጥራይ እዩ ዝለኣኽ። ኣስራሒኻ እዚ ቅጥዒ ኣይወሃቦን እዩ። ኣስራሒኻ ብዛዕባኻ ዝኾነ ሕክምናዊ ወይ ንብሕትና ተኣፋፊ ዝኾነ ሓበሬታ ክቕበል ኣይፍቀደሉን እዩ። እዚ ባዕልኻ ፍቓድ እንተድኣ ሂብካ ጥራይ እዩ ዝፍቀድ።

ምስ ኣስራሒኻ ውጥን ትግባረ ተዳሉው

ንስኻን ኣስራሒኻን ብሓባር ውጥን ትግባረ ከተዳልዉ ኢኹም። ብዛዕባ እዚ ውጥን፣ ነቲ ካብቲ ብሓኪም ትካል ወይ ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ ዝተገብረ ናይ ጸገም ትንታነ ዝተረኽበ ሓበሬታ ክትጥቀሙ ኢኹም። ነዚ ውጥን ትግባረ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መበል ከባቢ 8ይ ሰሙን ናይ ሕማምካ ኢኹም እተዳልውዎ። እቲ ውጥን ትግባረ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ስምምዓት የጠቓልል፡

  • ናብ ስራሕ ንኽትምለስ እንታይ ክትገብር ኢኻ

  • ብዛዕብኡ እንታይ ሓገዝ የድልየካ

ስምምዓት ኣብ ውጥን ትግባረ ምምዝጋብ

እቲ ውጥን ትግባረ ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ስምምዓት ከጠቓልል ይኽእል፡

  • ዝተፈላለየ ዕማማት ምፍጻም ወይ ሒደት ሰዓታት ምስራሕ ዝኣመሰሉ ናይ ስራሕ ምትዕርራያት

  • ናይ ስራሕ ቦታ ምትዕርራይ፣ ዝተፈለየ ወይ ህድእ ዝበለ ቦታ ዝኣመሰለ

  • ከም ፍወሳ ዝኣመሰለ ሓገዝን ምርሒትን (ንኣብነት ሕክምና ስንባደ ኣእምሮ ወይ ምኽሪ ብዛዕባ ጸቕጢ)

  • ወይ ድማ ስልጠና፣ ትምህርቲ ወይ ሞያዊ ምርሒት ምክትታል

ዝሰማማዕ ስራሕ ክትቅበል ኣለካ። ንስኻን ሰራሕተኛኻን እንተወሓደ ኣብ 6 ሳምንታት 1 ግዜ ብዛዕባ ምዕባለ መስርሕ ዳግመ-ውህደት ክትዘራረቡ ኢኹም። ድሕሪ እዚ ዝርርባት፣ ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ነቲ ውጥን ትግባረ ከተመዓራርይዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስቲ ውጥን ትግባረ ኣይትሰማማዕን ዲኻ

ንስኻን ኣስራሒኻን ብግቡእ ኣገባብ ክትረዳድኡ እንተድኣ ዘይክኢልኩም፣

ትሸሙ።

እቲ መስርሕ

ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ ድዩ፣ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሑ ድማ ኣይከኣልኩምን ዲኹም? ስለዚ ንስኻ ወይ ኣስራሒኻ፣
ካብ
ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም።

ገና ንነዊሕ እዋን እንተድኣ ሓሚምካ

ናይ ነዊሕ እዋን ኣብ ዝህልወሉ እዋን ናይ መበል 42 ሳምንታት ምልክታ

ድሕሪ 42 ሳምንታት ገና ሓሚምካ ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ ኣስራሒኻ ሕማምካ ናብ UWV ክሕብር ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ መበል 42 ሳምንታት ምልክታ ይበሃል። ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ሕጊ ሕማም ደገፍ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ንኣብነት ነፍሰጾራት ወይ ልዕሊ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰራሕተኛታት። ኣስራሒኻ ብዛዕባ እዚ ናብ UWV ከመልክት ኣለዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ኣስራሒኻ ብሓባር ብዛዕባ ዳግመ-ውህደትካ ክትሰርሕ ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ ሕጊ ሕማም ደገፍ ዝያዳ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ቀዳማይ ዓመት ገምጋም

ንኣስታት 1 ዓመት ሓሚምካ ዲኻ? ስለዚ ንስኻን ኣስራሒኻን ነቲ ናይ ቀዳማይ ዓመት ገምጋም ብሓባር ክትመልእዎ ኢኹም። ዳግመ-ውህደትካ ከመይ ይኸይድ ከምዘሎን፣ ናብ ስራሕ (ምሉእ ብምሉእ) ንኽትምለስ ኣብ ቅኑዕ መኣዝን ምህላውካን ዘይምህላውካን ብዝምልከት ድማ ክትዛተዩ ኢኹም ምስኡ ድማ ነቲ ውጥን ጥግባረ እውን ክትግምግምዎ ኢኹም።

ንዝመጽእ ዓመት እውን ንቕድሚት ክትጥምቱ ኢኹም። ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ብኸመይ ናብ ስራሕ ክትምለስ ከም እትኽእል ገና ንጹር ኣይኮነን ድዩ? ስለዚ ንስኻን ኣስራሒኻን ካልኦት ኣማራጺታት ብንጥፈት ክትድህስሱ ኣለኩም። እዚ ድማ ካልእ ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ዝርከብ ዝሰማማዕ ስራሕ፣ ወይ ካብቲ ትካል ወጻኢ ዝርከብ ስራሕ ከጠቓልል ይኽእል።

ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ፣ ናይ ዳግመ-ውህደት ትካል ወይ UWV ብዛዕባ እዚ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

ናይ WIA ደገፍ ንኸተመልክት ካብ ካብ UWV ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ

WIA ማለት ኣሕጽሮተ-ቃል ናይ 'Wet werk en inkomen naar arbeidsvermogen' ኮይኑ፣ ትርጒሙ ድማ ሕጊ ስራሕን ኣታዊን ብመሰረት ዓቕሚ ስራሕ ማለት እዩ። ናይ WIA ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ፣ ብሰንኪ ሕማም ንግዚኡ ወይ ንሓዋሩ (ምሉእ ብምሉእ) ክሰርሑ ንዘይክእሉ ሰባት ዝዓለመ እዩ።

ኣብ መበል 88 ሰሙን ናይ ሕማምካ፣ ካብ UWV ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ። እዚ ደብዳቤ እዚ፣ ናይ WIA ደገፍ ንምምልካት እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ዝገልጽ እዩ።

ናይ መወዳእታ ገምጋምን ህሉው ገምጋምን

ኣብ ሰሙን 91 ንስኻን ኣስራሒኻን ብሓባር ነቲ ናይ መወዳእታ ገምጋም ክትመልእዎ ኢኹም። ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ድማ ዳግመ-ውህደትካ ከመይ ከም ዝሓለፈ ክትገልጹ ኢኹም።

ናይ መወዳእታ ገምጋም ኣብ ዝግበረሉ እዋን፣ ነቲ ህሉው ብሓኪም ትካል ወይ ኣገልግሎት ጥዕናን ድሕነትን ዕዮ ዝተገብረ ገምጋም ክትጥቀሙ ኢኹም። እዚ ገምጋም፣ ኣብቲ እዋን እዚ ገና እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ዘይትኽእልን ዝገልጽ እዩ። ካብ ስራሕካ ትወጽእ እንተድኣ ኮይንካን፣ ኣብቲ እዋን ን10 ሳምንታት ወይ ልዕሊኡ እንተድኣ ሓሚምካን እውን ኣስራሒኻ ነቲ ናይ መወዳእታ ገምጋም ክመልኦ ኣለዎ።

ናይ WIA ደገፍ ምምልካት

ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ሕማም ሕጂ እውን ኣይሓወኻን ዲኻ? ስለዚ እንተደንጎየ ኣብ መበል 93 ሰሙን ናይ WIA ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ኣለካ።

ክሕሸካ ዳርጋ ቀሪቡ ኣሎ ድዩ፣ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናብ ስራሕ ክትምለስ ትኽእል ዲኻ? ስለዚ ደሞዝካ ምኽፋል ንኽቕጽል ምስ ኣስራሒኻ ክትሰማማዕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምኡ ኩነታት፣ ናይ WIA ደገፍ ምሕታት ኣየድልየካን እዩ።

ድሕሪ 2 ዓመት ሕማም ምቕጻል ክፍሊት ደሞዝ ደው ይብል

እንተድኣ ሓሚምካ፣ ኣስራሒኻ እንተበዝሐ ን2 ዓመት (104 ሳምንታት) ደሞዝካ ምኽፋል ክቕጽል እዩ። ድሕሪ ናይ 2 ዓመት ሕማም፣ ኣስራሒኻ ካብ ስራሕ ከባርረካ ይኽእል እዩ።

ናይ ሕጊ ሕማም ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ትረክብ ዲኻ? ስለዚ እዚ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ እውን ድሕሪ 2 (104 ሳምንታት) ደው ክብል እዩ። ድሕሪ ናይ 2 ዓመት ሕማም፣ ናይ WIA ደገፍ ንምርካብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። UWV ነዚ ናይ ምርካብ መሰለ ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክግምግም እዩ።

ስራሕ እንተሃልዩካን፣ እንተድኣ ሓሚምካን ብዛዕባ መሰላትካ ዝያዳ ኣብ RefugeeHelp ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር