
ኣብ መዕቆቢኻ ሰልፊ? ውሕስነት ዘይብሉ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ኣሎ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣንጻር መዕቆቢ ወይ ኣብ ጥቓ መዕቆቢ ቦታታት ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ውጥረት፣ ወይ ውሕስነት ዘይብልካ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብሰንኪ ጻዕቂ ሰባት፣ ናይ ድምጺ ረብሻታት፣ ፖሊስ ወይ ቁጥዐ ዝመልኦ ጭርሖታት። ሕቶታት ወይ ስክፍታታት ምስ ዝህልወካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ዝተቐበሊኻ ቦታ ሰልፊ ክህሉ ይኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኔዘርላንድ ሰባት ኣንጻር መዕቆቢ ሓተትቲ ዑቕባ ብተደጋጋሚ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ምምሕዳር ከተማኦም ክቕመጡ ስለዘይደልዩ እዩ። ኣብዚ ሰልፍታት ጎነጽ ምጥቃም እናበዝሐ ይኸይድ ኣሎ፣ ከምኡ እውን ናዕቢታት ይለዓል ኣሎ። እዚ ኣብ ከባቢ እቲ ንስኻ እትርከበሉ መዕቆቢ ከጋጥም እውን ይኽእል እዩ።
እዚ ዓይነት ሰልፍታት ኣብ ኩሉ ቦታታት ኔዘርላንድ ዝካየድ ኣይኮነን። ኣብ ኔዘርላንድ ዝበዝሑ ሰባት ሓተትቲ ዑቕባ መዕቆቢ ክረኽቡ ኣለዎም ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ ናይ ገዛእ-ርእሶም ምምሕዳር ከተማ እውን እነተኾነ።
እንተኾነ ግን ኣብቲ መዕቆቢ ቦታኻ ዝርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ሰልፊታት እንተሃልዩ፣ ምናልባት ብዛዕብኡ ገለ ከተስተብህል ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ከባቢ ዝያዳ ጻዕቂ ሰብ ክህሉው ይኽእል። ኣብ ጽርግያ ድማ ድምጺ፣ ምጭራሕ፣ ፖሊስ ወይ ኣባላት ጸጥታ እውን ክትዕዘብ ትኽእል። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ጽርግያታት ይዕጸዉ፣ ወይ ድማ ብኻልእ መንገዲ ክትከይድ ክትግደድ ትኽእል።
ማእከላይ ኤጀንሲ ኣቀባብላ ሓተቲ ዑቕባ (COA) ኣብቲ ቦታ ንዝርከቡ ነበርቲ ኣብቲ ህሞት እቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ይሕብር። እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ዘይትኽእልን ንCOA ሕተቶ። ንኣብነት፡ ናብ ደገ ክትወጽእ ትኽእል ዲኻ፡ በጻሕቲ ክትቅበል ትኽእል ዲኻ፡ ወይ ኣየናይ መንገዲ ክትከይድ ትኽእል።
ናብቲ ሰልፍታት ሰልፊታት ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ
ኣብቲ እትነብረሉ መዕቆቢ ኣብ ገዛ ዲኻ ዘለኻ? ስለዚ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ንምርኣይ ናብ ደገ ምውጻእ ኣየድልየካን እዩ። ውሕስነት ኣብ ዝስምዓካ ቦታ ምጽናሕ ይሓይሽ። ምስ ሰልፈኛታት ኣብ ዝርርብ ምእታው እውን ኣየድልየካን እዩ።
ኣብ ውሽጢ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ክፍሊ፣ ወይ ምስ ካልኦት ነበርቲ ወይ እትኣምኖም ሰባት ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ምስ ሰልፈኛታት ድማ ኣይትካታዕ።
ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ ሓገዝ ሕተት
ፍርሒ፣ ሕርቃን፣ ዘይርግጸኛ ወይ ውሕስነት ዘይብልካ ኮይኑ ተሰሚዑካ ድዩ? ስለዚ ኣብ ቦታኻ ምስ ሓደ ሰብ ተዘራረብ። ንኣብነት ናብ ሰራሕተኛ COA ወይ ጸጥታ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።
እንታይ እንተገበርካ ዝበለጸ ምዃኑ ድማ ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ኩነታት ሕቶታት እንተሃልዩካ እውን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ እዋን ቅጽበታዊ ሓደጋ ናብ 112 ደውል
ንስኻ ወይ ካልእ ሰብ ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተድኣ ኣለኹም ኮይንኩም፣ ብተሌፎንካ ናብ 112 ደውል። ንኣብነት ጎነጽ፣ ባርዕ ሓዊ፣ ከቢድ ምፍርራሕ ወይ ከቢድ ርችት ኣብ ጥቓ ሰባት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን። ግን ድማ ሓደ ሰብ እንተድኣ ተጎዲኡ ወይ ሓደ ኩነታት ካብ ቚጽጽር ወጻኢ ብምዃን ቀልጢፉ ሓደገኛ እንተድኣ ኮይኑ እውን ደውል። ብቋንቋ እንግሊዝ ወይ ኔዘርላንድ ናብ 112 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፣ ኣገልግሎት ኣተርጓሚ ከዋዱድልካ እውን ይኽእሉ እዮም።
ብተወሳኺ በዞም 18 ቋንቋታት 112NL ዝበሃል ኣፕ ኣሎ፣ ንሳቶም ድማ ቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ ዓረብ፣ ቡልጋርያ፣ ቻይና፣ ጀርመን፣ እንግሊዝ፣ ስጳኛ፣ ፋርሲ፣ ፈረንሳ፣ ሃንጋሪ፣ ጣልያን፣ ሊትዋንያ፣ ዩክሬን፣ ፖላንድ፣ ፖርቱጋል፣ ሮማንያ፣ ሩስያን ቱርኪን እዮም።
112NL ኣፕ ብኸመይ ይሰርሕ?
ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ዝርከብ ማእከል ህጹጽ ረድኤት ብመንገዲ 112NL ኣፕ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣፕ ምስ ኣውረድካዮ፣ ኣብኡ ውልቃዊ ዝርዝር ሓበሬታታትካ ክትመልኦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ እትሕብረሉ እዋን ማለት ሓገዝ ኣብ እትሓተሉ እዋን፣ እዞም ሓበሬታታት ምስኡ ናብቲ ማእከል ህጹጽ ረድኤት ይለኣኹ፣ እዚ ድማ ምእንቲ ብዝበለጸን ብዝቐልጠፈን ክሕግዙኻ እዩ። ዘለኻዮ ቦታ እውን ምስኡ ብቕጽበት ይለኣኽ እዩ።
ብመንገዲ እቲ ኣፕ ምስቲ ማእከል ህጹጽ ረድኤት ምዝርራብ እውን ይከኣል እዩ። እቲ ናይ ቻት መተግብሪ ነቲ ዝርርብ ናብ 109 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትርጉሞ ድማ ይኽእል እዩ።
እቲ 112NL ኣፕ ንመን እዩ?
112NL ኣፕ ኩሉ ሰብ ንኸውርዶ ዝዓለመ ኮይኑ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ህጹጽ ኣገልግሎት ብዝበለጸ ተበጸሒ ንምግባር ዘኽእል ተወሳኺ መንገዲ እዩ። እዚ ኣፕ ንኽትዛረብ ዘይትደፍረሉ፣ ወይ ንኽትዛረበሉ ዘይትኽእለሉ ኩነታት፣ ንጽሙማንን ናይ ምስማዕ ጸገም ንዘለዎምን ሰባት፣ ከምኡ እውን ቋንቋ ኔዘርላንድ ጽቡቕ ጌሮም ንዘይዛረቡ ሰባት ክኸውን ተባሂሉ ብፍሉይ ዝተዳለወ እዩ።
ኣፕ ኣውርድ
ነቲ ኣፕ ኣውርዶ፣ ከምኡ እውን ነቶም ዝተቱ ሓበሬታታት ምላእ። ነዚ ቅድሚ ኣብ ህጹጽ ኩነታት ምውዳቕካ ግበሮ። ብኸምዚ ድማ እቲ ኣፕ፣ ነፍስወከፍ ካልኢት ኣገዳሲት ኣብ እትኾነሉ እውን ንኽትጥቀመሉ ድሉው ይኸውን።
ቅጽበታዊ ሓደጋ የለን ድዩ፣ ግን ድማ ገና ገለ ነገር ናብ ፖሊስ ክትሕብር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቁጽሪ ተሌፎን 0900-8844 ደውል። ፖሊስ እውን ኣገልግሎት ኣተርጓሚ ይጥቀሙ እዮም።
ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር ይፍቀድ እዩ፣ ዓመጽን ምፍርራሕን ግን ኣይፍቀድን እዩ
ሰላማዊ ሰልፊ ኣዝዩ ውጥረት ክፈጥር ይኽእል እዩ። ብፍላይ ብዙሕ ጫውጫውታ እንተሃልዩ፣ ርችት እንተድኣ ተተኲሱ፣ ወይ ሰባት ዓው ኢሎም ዝጭድሩ እንተድኣ ኮይኖም። ኲናት፣ ዓመጽ ወይ ሓደጋ ንዘሕለፉ ሰባት፣ እዚ ብፍላይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ምፍርራሕ፡ ምሕራቕ ወይ ምሕዛን ንቡር ተርእዩ እዩ። ንድቃስ ክትጽገም፣ ኣብ ኣካልካ ብዙሕ ወጥሪ ክስምዓካ ወይ ድማ ደስ ዘይብል ተመክሮታት ተመሊስካ ክትዝክሮም እውን ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ እዚ ምስ COA ወይ ምስ
ሰልፈኛታት ብቪድዮ ወይ ስእሊ ኣይትስኣል
ንሰልፈኛታት ብቪድዮ ወይ ስእሊ ዘይምስኣል ይምረጽ። እዚ ወጥሪ ናብ ምውሳኽ ወይ ናብ ክትዕ ከምርሕ ይኽእል እዩ። ስእሊ ወይ ቪድዮ ንምውሳድ እውን ኣብ ጥቓ ሰልፈኛታት ደው ኣይትበል።
ከምኡ እውን ካልኦት ነበርቲ ዝልለዩሉ ምስሊታት ማለት ስእሊታትን ቪድዮታትን ብኢንተርነት ሱቕ ኢልካ ኣይተካፍል ወይ ኣይትዘርግሕ። ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ኢንተርነት ክልለይ ኣይደልን እዩ። ንገሊኦም ሰባት እዚ ዘይውሑስ ክኸውን ይክእልን እዩ።
እሙን ሓበሬታ ተኸታተል
እቲ ኩነታት ክቕየር ይኽእል እዩ። ስለዚ ካብ COA፣ ምምሕዳር ከተማን ፖሊስን ዝመጽእ ሓበሬታ ተኸታተል። ኣብቲ ቦታ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ኣገዳሲ ብዛዕባ ዝኾነ ነገራት ድማ ንCOA ወይ ንጸጥታ ሕተት።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መልእኽቲታት ትርእይ ዲኻ? ኩሉ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ሓበሬታ ቅኑዕ ኣይኮነን። ምስ እትጠራጠር፣ ካብ RefugeeHelp፣
ብዘይደገፍ በይንኻ ኣይትኸውንን ኢኻ
ውሕስነት ኣይተሰመዓካን ድዩ፣ ወይ ሻቕሎት ኣለካ ድዩ? ነዚ በይንኻ ክትፈትሖ ኣየድልየካን እዩ። ካብ COA፣ VluchtelingenWerk፣ ጸጥታ ወይ ካብ እትኣምኖ ሰብ ሓገዝ ሕተት።
ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተድኣ ጋጢሙ ድማ ኩሉ ግዜ ናብ 112 ደውል።