ምንጪ፡ Pexels
ዓንቀጽ

ኣብኔዘርላንድ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮኻ ዝሕግዙኻ ውድባት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/25/2026 07:14

ናይ ኣእምሮ ደገፍ የድልየካ ድዩ? ኣእምሮኣዊ ደገፍን ስንባደ ዘስዕቡ ፍጻመታት ኣብ ምምስራሕን ሓገዝ ንምርካብ፣ ኣበይ ክትውከስ ከም እትኽእል ኣብዚ ገጽ እዚ ክትረኽቦ ኢኻ።

ብመንገዲ ሓኪምካ ሞያዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ

ምልክታትካ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እንተዘይሃሊዮም ወይ እንተገዲዶም ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ኣመልክት። ናብቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ወሃብቲ ክንክን ጥዕና፡ ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ክኢላ፡ ሓጋዚ ልምምድ፡ ወይ ኣብ ጉዳያት ጥዕና ኣእምሮ ዝነጥፍ ነርስ ክውከሱኻ ይኽእሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ንኣእምሮኣዊ ጥርዓናትካ ንምፍታሕ ባዕሉ ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ሓኪም ታሪኽካ ይሰምዕን፣ ኣየናይ ሓገዝ ብዝበለጸ ከም ዝሰማማዓካ ይውስንን። እቲ ሓኪም ብዛዕባ ድቃስን ኣመጋግባን ምኽሪ ይህበካ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ሓኪም ጽቡቕ ንኽትድቅስ ዝሕግዘካ ንገለ መዓልታት ዝኸውን መድሃኒት ይህበካ።

ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ክንክን ጥዕና ዝያዳ ከተንብብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ዝያዳ ኣብዚ ኣብ RefugeeHelp ኣንብብ።


ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ

ኣእምሮኣዊ ደገፍ የድልየካ ድዩ? ብዛዕባ ጸቕጢ፣ ጭንቀት፣ ወይ ስንባደ ዘስዕቡ ፍጻመታት ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ከተዛርቦም እትኽእል ዝተፈላለዩ ውድባት ኣለዉ።

Mind Hulplijn

ብመንገዲ መስመር ሓገዝ - MIND Hulplijn - ኣቢልካ ምስ ሞያውያን ኣማኸርቲ ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ንሳቶም ድማ ክሰምዑኻን ምኽሪ ክህቡኻን እዮም። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ MIND Hulplijn ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Wereld Psychologen

Wereld Psychologen ምስ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ብነጻ ብኢንተርነት ዝካየድ ምኽሪ የቕርብ። እቲ ደገፍ ንስደተኛታትን ምስ ስደተኛታት ንዝሰርሑ ሰባትን ዝዓለመ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ Wereld Psychologen

ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ሓካይም ዓለም (Dokters van de Wereld)

ስደተኛ ወይ ናይ ስደት ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ንምርካብ የጸግሞም እዩ። እዚ ሕጋዊ ወረቐት ንዘይብሎም ሰባትን፣ ቀዋሚ መንበሪ ቦታ ንዘይብሎም ሰባትን እውን ይምልከት።

ሓካይም ዓለም (Dokters van de Wereld)፣ ነቶም ክንክን ንምርካብ ዝጽገሙ ሰባት ይሕግዝ። ናይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ናይ ደገፍ ጉጅለታት የቕርቡ። ኣብዞም ጉጅለታት እዚኣቶም፣ ብዛዕባ ጸቕጢ፣ ራዕዲ ማለት ፍርሒ ወይ ስንባደ ኣእምሮ ብዛዕባ ዘስዕቡ ተመክሮታት ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

De Luisterlijn

ኣብ 'De Luisterlijn' ስም ብዘይምግላጽ ብዛዕባ ዘለካ ሻቕሎት፣ ጽምዋ፣ ጓሂ ወይ ጸቕጢ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ ንታሪኽካ ክሰምዕ እዩ። ክትድውል፣ ቻት ክትገብር፣ ወይ ኢ-መይል ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ።

Mentaal Vitaal

ኣብ 'Mentaal Vitaal' ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዝምልከቱ ሕቶታት ክትውከስ ትኽእል ኢኻ። ሓበሬታ፣ ምኽርን ደገፍን ክትረክብ ኢኻ። ብቻት፣ ብኢ-መይል ወይ ብተሌፎን ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

PsychoseNet

ኣብ 'PsychoseNet' ብዛዕባ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገም፣ ስሚዒት፡ ስንባደ ኣእምሮ ወይ ዳግመ-ሕውየት ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ቻት ክትገብር፣ ወይ ድማ ንክኢላታት ሕቶ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

KopOpOuders

'KopOpOuders' ኣእምሮኣዊ ጸገማት፣ ጸቕጢ ወይ ናይ ወልፊ ጸገማት ንዘለዎም ወለዲ ይሕግዝ። ብነጻ ብኢንተርነት ሓበሬታን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

113 ምክልኻል ነብሰ-ቅትለት

ብዛዕባ ነብሰ-ቅትለት ትሓስብ ዲኻ? ወይ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ትሻቐል ዲኻ? ብመንገዲ 113፣ ምስ ሓደ ወሃቢ ሓገዝ ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ክትድውል ወይ ክትዘራዘር ትኽእል ኢኻ። ቅጽበታዊ ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ናብ 112 ደውል።

Frisse Gedachtes

'Frisse Gedachtes' ንተማሃሮ እዩ። ምስ ናይ ስነ-ኣእምሮ ተማሃሮ ወይ ምስ ናይ መዛኑ ናይ ደገፍ መሓዙት ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ቻት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ንቆልዑትን መንእሰያትን ዝኸውን ኣእምሮኣዊ ደገፍ

ቆልዑት ብጸገማት ኣእምሮኣዊ ጥዕና ክሳቐዩ ይኽእሉ። ኲናት፣ ናብ ስደት ምህዳምን ሓድሽ ሃዋህውን ንኹሉ ሰብ ከቢድ እዩ፣ ብፍላይ ግን ንቆልዑት። ኣብ ታሕቲ ንቆልዑትን ወለዶምን ኣእምሮኣዊ ደገፍ፣ ግብራዊ ምኽርታትን ዘተኣማምን ሓበሬታን ብምሃብ ዝሕግዙ ውድባት ክትረክብ ኢኻ።

Alles Oké? መስመር ደገፍ፣ ካብ 18 ክሳብ 25 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ደገፍ ይህብ።መንእሰያት ብዛዕባ ጸቕጢ፣ ጭንቀት ወይ ካልእ ከቢድ ስምዒታት ክዛረቡ ናብኡ ክውከሱ ይኽእሉ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ Alles Oké? መስመር ደገፍ፣ ዝያዳ ኣንብብ

In je bol

ካብ 16 ክሳብ 27 ዓመት ዲኻ? ስለዚ ምስ 'In je bol' ብነጻን ስሞ ብዘይምግላጽን ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ክትድውል ወይ ቻት ክትገብር ትኽእል ኢኻ

@ease

ኣብ @ease ካብ 12 ክሳብ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብዛዕባ ጸገማቶም ብነጻ ክዛረቡ ይኽእሉ። ውከሳ ማለት ሪፈራል ወይ ቆጸራ ኣየድልየካን እዩ። ናብኡ ክትመጽእ ወይ ብኢንተርነት ቻት ክትገብር ድማ ትኽእል ኢኻ።

TEJO Nederland

'TEJO Nederland' ካብ 10 ክሳብ 20 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ይሕግዝ። ምስ ሞያዊ ኣማኻሪ ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ናይ መወከሲ ደብዳቤ ኣየድልየካን እዩ።

JouwGGD

ኣብ 'JouwGGD' መንእሰያት ብነጻን ስም ብዘይምግላጽን ምስ ሓኪም መንእሰያት ወይ ነርስ መንእሰያት ቻት ክገብሩ ይኽእሉ ይኽእሉ። ብዛዕባ ጸቕጢ፣ ጥዕና፣ ዝምድናታት ወይ ካልእ ኣርእስታት ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

PratenOnline

'PratenOnline' ራዕዲ ማለት ፍርሒ ወይ ጭንቀት ንዘለዎም መንእሰያት ዝዓለመ እዩ። ምስ ሞያዊ ኣማኻሪ ስም ብዘይምግላጽ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።

ንLHBTQIA+ ሰባት ኣእምሮኣዊ ደገፍ ዝህባ ውድባት

Switchboard

ንማሕበረሰብ LHBTQIA+ ኣብ ኔዘርላንድ ዝወሃብ ናይ ሓበሬታን ደገፍን ኣገልግሎት እዩ። ንሳቶም ዝሰምዕ እዝኒ፣ ሓበሬታ ብዛዕባ ምግሃድ ጾታዊ መንነትካ፣ ናይ ጾታዊነት መንነት፣ ጾታዊ መንነት፣ ናይ LHBTQIA+ ባህላዊ፣ ማሕበራዊን ስፖርታዊን ክለባትን ፍጻሜታትን የቕርቡ። ግን ድማ ከም ጠበቓታት፣ ሓካይምን ቴራፒስትን ዝኣመሰሉ ወሃብቲ ኣገልግሎት እውን የቕርቡ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር