ምንጪ፡ Unsplash
ዓንቀጽ

ዘቤታዊ ዓመጽ እንተድኣ ኣጋጢሙ እንታይ ክትገብሩ ኣለኩም?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/8/2026 13:13

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ከባቢኻ ብዝርከብ ሰብ ዝፍጸም ዓመጽ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ፣ ዘቤታዊ ዓመጽ ክልኩል እዩ። ዘቤታዊ ዓመጽ እንታይ ምዃኑ፣ ብኸመይ ሓገዝ ከም እትሓቱ፣ ኣብ ገዛኹም ውሑስ እንተድኣ ዘይኮይኑ እንታይ ክትገብሩ ከም እትኽእሉ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ኣንብቡ።

ዘቤታዊ ዓመጽ እንታይ እዩ?

ዘቤታዊ ዓመጽ፣ ኣብ ከባቢኻ/ኺ ብዝርከብ ሰብ ዝፍጸም ዓመጽ እዩ። ንኣብነት መጻምድትኻ/ኺ፣ መጻምድትኻ/ኺ ነበር፣ ወላዲኻ/ኺ፣ ውላድካ/ኪ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ/ኪ፣ ዓርክኻ/ኺ ወይ መናብርቲ ገዛኻ/ኺ።

'ዘቤታዊ' ዝብል ቃል ምህላኡ፣ እቲ ዓመጽ ኩሉ ግዜ ኣብ ገዛ እዩ ዝፍጸም ማለት ኣይኮነን። ብቐንዱ ኣብ መንጎ እቲ ፈጻሚ ዓመጽን ግዳይን ንዘሎ ርክብ ዝምልከት እዩ። ስለዚ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ገዛ፣ ግን ድማ ካብ ገዛ ወጻኢ እውን ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ዘቤታዊ ዓመጽ ዝተፈላለየ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል። ምህራም፣ ብእግሪ ምቕላዕ፣ ምፍርራሕ፣ ምጽራፍ ወይ ንብረት ምዕናው ከጠቓልል ይኽእል። ይኹን እምበር ንሓደ ሰብ ምቁጽጻር፣ ምፍርራሕ፣ ምዕጻው ወይ ምግዳድ እውን ዓመጽ እዩ። ጾታዊ ዓመጽ፣

ን እውን ዓይነታት ናይ ዘቤታዊ ዓመጽ እዮም።

ዘቤታዊ ዓመጽ ኣብ ኩለን ሃገራትን ባህልታትን እዩ ዘጋጥም። ብፍጹም ድማ ንቡር ኣይኮነን። ፈጺሙ ድማ ብሰንኪ ናትካ/ኪ በደል ኣይኮነን።

ግዳይ እንተድኣ ኮይንካ እንታይ ክትገብር ትኽእል?

ሕጂ ኣብ ሓደጋ ዘለኻ/ኺ እንተድኣ ኮይንካ/ኪ፣ ብቐጥታ ናብ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ኔዘርላንድ ደውል/ሊ

ንስኻ ወይ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ሰብ ኣብ ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተሃልዩ ብቕልጡፍ ናብ 112 ደውል። ንኣብነት ሓደ ሰብ እንተድኣ ሃሪሙካ/ኪ፣ ብካራ እንተድኣ ኣፈራሪሑካ/ኪ፣ እንተድኣ ብመፍትሕ ዓጽዩካ/ኪ፣ ወይ ክጎድኣካ/ኪ እየ እንተድኣ ኢሉካ/ኪ፣ እዚ ግበር።

112 ኣብ ኔዘርላንድ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ህጹጽ ረድኤት እዩ። ስለዚ ምስቲ ናይ መሓበሪ ክፍሊ ክትራኸብ ኢኻ። ንሳቶም ብቕልጡፍ ፖሊስ፣ ኣምቡላንስ ወይ ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ክሰዱልካ ይኽእሉ እዮም።

ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተዘይሃልዩ ግን ድማ ካብ ፖሊስ ሓገዝ እንተድኣ ደሊኻ፣ ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 0900-8844 ደውል። ንኣብነት ጥርዓን ከተቕርብ፣ ምኽሪ ክትሓትት፣ ወይ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ውሑስ ከምዘይኮንካ ክትሕብር እንተድኣ ደሊኻ።

ምስ Veilig Thuis ርክብ ግበሩ

ቅጽበታዊ ሓደጋ እንተዘይሃልዩ፣ ግን ድማ ኣብ ገዛኹም ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑኩም፣ ምስ Veilig Thuis

ርክብ ግበሩ። ብቁጽሪ ተሌፎን 0800-2000 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ቁጽሪ ብነጻ ኮይኑ ለይትን መዓልትን ይርከብ።

ብዛዕባ ገዛእ-ርእስኻ/ኺ፣ ደቅኻ/ኺ፣ ወይ ካልእ ሰብ ክትድውል/ሊ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ። ጥርጣረ ኣብ ዝህልወኩም እዋን እውን ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። መጀመርታ ምኽሪ ክትሓትቱ ትኽእሉ ኢኹም። ብቕጽበት ወግዓዊ ጥርዓን ምግባር ኣየድልየካን/ኪን እዩ። ነዚ ስም ከይገለጽኩም እውን ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።

Veilig Thuis ንታሪኽኩም ይሰምዕ። ብድሕሪኡ እንታይ ሓገዝ ከም ዘድሊ ብሓባር ትርእዩ። እዚ ኣብ ገዛ ዝግበር ሓገዝ፡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝመጽእ ሓገዝ፣ ንህጻናት ዝግበር ሓገዝ፣ ምስ ፖሊስ ርክብ ወይ ውሑስ መዕቆቢ ክኸውን ይኽእል።

ዕድመኻ ካብ 8 ክሳብ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይኑ ናብ 'De Kindertelefoon' ደውል

ዕድመኻ ካብ 8 ክሳብ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይኑ፣ ናብ 'De Kindertelefoon' ማለት መስመር ሓገዝ ቆልዑት

ክትድውል ወይ ቻት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ኣብ ገዛኻ ዝፍጸም ዘሎ ነገራት፣ ዋላ ርግጸኛ እንተድኣ ዘይኮንካ ወይ ፈሪሕካ እንተኾንካ እውን ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።

ስምካ ክትነግር ኣየድልየካን እዩ። እቲ ናይ ቆልዑት መስመር ሓገዝ ክሰምዓካ እዩ፣ ከምኡ እውን ምሳኻ ብሓባር ኮይኑ ክሓስብ እዩ። እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን፣ መን ክሕግዘካ ከም ዝኽእልን ድማ ብሓባር ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም።

ብነጻ ናብ ቁጽሪ 0800-0432 ደውል፣ ወይ ድማ ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ 'De Kindertelefoon' ቻት ግበር።

ምስ ማእከል ጾታዊ ዓመጽ ርክብ ግበሩ

ጾታዊ ዓመጽ እንተድኣ ኣጋጢሙካ/ኪ፣ ካብ ማእከል ጾታዊ ዓመጽ

ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብኡ ድማ ኣብ 1 ቦታ ዝተፈላለየ ዓይነት ሓገዝ ትረኽቡ። ንኣብነት ሕክምናዊ ሓገዝ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓገዝ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣሰር ናይቲ ገበነኛ ኣለሊኻ ንምሓዙ ዝግበር መርመራ።

ብፍላይ ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዘለዋ እተን ቀዳሞት 7 መዓልታት ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ሓገዝ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ወሃብቲ ሓገዝ፣ ጥንሲ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ብዝበለጸ ክሕግዙ ይኽእሉ። መርትዖ ከለልዩን ከውሕሱን እውን ይኽእሉ። እዚ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርቡ ምስ እትደልዩ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ማእከል ጾታዊ ዓመጽ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ናይ ሓደ ሆስፒታል እ ዩዝርከብ። እቲ ንመርትዖ ዝግበር መርመራ ንዓኻ/ኺ ብነጻ እዩ። ይኹን እምበር፣ ካልእ ወጻኢታት ክንክን ጥዕና ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መድሕን ጥዕናኻ/ኺ ዝኽፈል ባዕላዊ ብጽሒት ዝምደብ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጾታዊ ዓመጽ እንተድኣ ተዓዚብኩም ወይ ሰሚዕኩም፣ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠሞ ሰብ ትፈልጡ እንተድኣ ኮይንኩምን ነቲ ሰብ ክትሕግዝዎ እንተድኣ ደሊኹምን እውን ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ማእከል ጾታዊ ዓመጽ ንታሪኽኩም ሰሚዑ ምሳኹም ብሓባር ብምዃን ክሓስብ እዩ። እንታይ ክትገብሩን፣ ኣበይ ሓገዝ ክትረኽቡን ከም እትኽእሉ ብዝምልከት ድማ ምኽሪ ክትረኽቡ ኢኹም። ናብ ቁጽሪ ተሌፎን 0800-0188 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ናይ ሓገዝ መስመር ኣብ ሰሙን ካብ ሰዓት 09:00 ክሳብ 17:00 ይርከብ።

ናብ ደገፍ ግዳያት ኔዘርላንድ 'Slachtofferhulp Nederland' ደውሉ

ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ፣ ምፍርራሕ ወይ ጾታዊ ዓመጽ እንተድኣ ኮይንኩም ናብ ናብ ደገፍ ግዳያት ኔዘርላንድ 'Slachtofferhulp Nederland'

ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ እውን ዝረኣኹም ወይ ዝሰማዕኩም እንተድኣ ኮይንኩም፣ ወይ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ሰብ ግዳይ እንተድኣ ኮይኑ እውን ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።

Slachtofferhulp Nederland ዛንታኻ ሰሚዓ ምኽሪ ትህብ። ኣብ ግብራዊ ጉዳያት፡ ከም ምስ ፖሊስ ርክብ ምግባር፡ ጸብጻብ ምቕራብ፡ ወይ ሓገዝ ምሕታት ክሕግዙኻ ይኽእሉ። ከም ግዳይ መሰልካ እውን ከረድኡ ይኽእሉ እዮም።

ናብ 0900-0101 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ግዳይ ዓመጽ እንተድኣ ኮይንካ/ኪ፣ ንዓኻ/ኺ ዝኾኑ ምኽርታት

ክትሓፍር/ሪ እየድልየካን/ኪን እዩ

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዘቤታዊ ዓመጽ ኣይዛረቡን እዮም። ይፈርሑ፣ ይሓፍሩ ወይ ዝኣምኖም ሰብ ዘየለ ይመስሎም። እቲ ዓመጽ ግን ብሰንኪ ናትካ/ኪ በደል ኣይኮነን።

ሒደት ቋንቋ ኔዘርላንድ ትዛረቡ ምስ እትኾኑ እውን፣ ሓገዝ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ክትብሉ ትኽእሉ፡

“Ik ben thuis niet veilig. Ik spreek weinig Nederlands. Ik heb hulp nodig.” ትርጉሙ ድማ "ኣብ ገዛይ ንዓይ ውሑስ ኣይኮነን። ሒደት ቋንቋ ኔዘርላንድ እየ ዝዛረብ። ሓገዝ የድልየኒ ኣሎ።"

እትኣምንዎ ሰብ እውን ክትማልኡ ትኽእሉ ኢኹም። ንኣብነት ጎረቤት፣ ዓርኪ፣ መሓዛ፤ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ወይ ኣብ

ዝርከብ ኣምኻሪኹም።

ውሕስነት ዝስምዓካ ሰብ ምረጽ። ነቲ ገበነኛ ዘይነግር ሰብ ምረጽ።

ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ግን ድማ መጀመርታ ምኽሪ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም

ናብ ፖሊስ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ድማ ፖሊስ እንታይ ከም ዘጋጠመ ክምርምሩ ይኽእሉ።

እንተተጎዲእካ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ወይ ናብ ሆስፒታል ኪድ። ነቲ ሓኪም መጉዳእትኻ ክጽሕፎ ሕተቶ። እዚ ድሒሩ ከም መርትዖ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ጸብጻብ ከተቕርብ ትደሊ ዲኻ ብቕጽበት ክትውስን ኣየድልየካን እዩ። መጀመርታ ምኽሪ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ካብ ፖሊስ፡ Veilig Thuis ወይ Slachtofferhulp ኔደርላንድ።

ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዕኩም ሓገዝ ሕተቱ

ዘቤታዊ ዓመጽ ዘጋጠመኩም እንተድኣ ኮይንኩም፣ ክሕግዝኹም ንዝኽእሉ ሰባት ኣካፍሉ። ሓገዝ ምሕታት ናይ ውሕስነት ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር