
ካብ ምምሕዳር ከተማ እንታይ ዓይነት ገንዘባዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣታዊ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ወይ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ምምሕዳር ከተማ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ክትረኽቦ እትኽእል ዓይነት ሓገዝ ኣብ ኩነታትካን፣ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማን እዩ ዝምርኮስ። ብዛዕባ ካብ ምምሕዳር ከተማ ክትሓቶ እትኽእል ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ
ኣታዊ እንተድኣ ዘይብልካ ኮይኑ፣ ወይ ክትነብረሉ እትኽእል እኹል ኣታዊ ምስ ዘይህልወካ፣ ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ንኣድላዪ ወጻኢታት ዝዓለመ እዩ። ንኣብነት ክራይ ገዛ፣ መግቢ፣ ክዳውንቲ፣ ከምኡ እውን መድሕን ጥዕና።
ምምሕዳር ከተማ ንኣታዊኻ፣ ዘለካ ውህሉል ገንዘብን ኩነታት መነባብሮኻን ይርኢ። ምስ መጻምድቲ እትነብር እንተድኣ ኮይንካ ድማ፣ ምምሕዳር ከተማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣታዊን ውህሉል ገንዘብን ናይ መጻምድትኻ እውን ይርኢ።
ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ንምርካብ ቅድመ-ኩነታት ተፈጻምነት ዘለዎም ኣለዉ።
ፍሉይ ማሕበራዊ ደገፍ
ሓደ ሓደ ግዜ ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘይትኽእል ተወሳኺ ወጻኢታት የጋጥመካ እዩ። ኣብ ከምኡ ኩነታት ፍሉይ ማሕበራዊ ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ማሕበራዊ ደገፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝወሃብ ንኣድላዪ ወጻኢታት ዝኸውን ገንዘብ እዩ። ብሰንኪ ፍሉይ ኩነታት ንእትገብሮም ወጻኢታት ዝምልከት እዩ። ንኣብነት ተወሳኺ ወጻኢታት ክንክን ጥዕና ወይ ብሰንኪ ሕማም ዝመጽእ ወጻኢታት መገሻ ክትሓስብ ትኽእል። ምምሕዳር ከተማ ማሕበራዊ ደገፍ ክትረክብ መሰል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይውስን። እቲ ምምሕዳር ከተማ ውልቃዊ ኩነታትካ፣ ኣታዊኻን ዘለካ ውህሉል ገንዘብን ይርኢ። ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ምናልባት ማሕበራዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡
ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ
ዕድመኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝኸውን
ነቲ ወጻኢታት ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘኽእል እኹል ኣታዊ ወይ ውህሉል ገንዘብ ዘይብልካ እንተድኣ ኮይኑ
እቲ ወጻኢታት ኣድላዪ ወይ ዘይተጸበናዮ እንተኾይኑ
እቲ ወጻኢታት ብኻልእ መንገዲ እንተድኣ ዘይከሓስ ኮይኑ።
ሓደ ሓደ ግዜ ፍሉይ ማሕበራዊ ደገፍ ከም ህያብ ትቕበሎ። ኣብ ከምኡ ኩነታት፣ ነቲ ገንዘብ ክትመልሶ ኣየድልየካን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ከም ልቓሕ ትቕበሎ። ኣብ ከምኡ ኩነታት ድሒርካ ክትመልሶ ኣለካ። ኣየኖት ሕግታት ንዓኻ ከም ዝምልከቱ ንምምሕዳር ከተማ ሕተት።
ንትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ስድራ-ቤታት ሓገዝ
ቆልዑት ኣለዉኻ ድዮም፣ ከምኡ እውን ትሑት ኣታዊ ድዩ ዘለካ? ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ምምሕዳር ከተማ ተወሳኺ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ምምሕዳራት ከተማታት ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ንዘለዎም ስድራ-ቤታት ዝምልከት ደንቢታት ኣለወን። ንኣብነት
ብኸምዚ ዝኣመሰለ ደንቢ፣ ውላድካ ኣብ ቤት-ትምህርቲ፣ ስፖርትን ካልእ ንጥፈታትን ክሳተፍ ይኽእል። እቲ ሓገዝ ንኣብነት ንኽዳውንቲ ወይ ንትምህርቲ ምሕንባስ ክኸውን ይኽእል።
ሓደ ሓደ ግዜ ምምሕዳር ከተማ ምስ ውድባት ይተሓባበር። እቲ ሓገዝ ንኣብነት ንናይ ቤት-ትምህርቲ ናውቲ፣ ብሽክለታ፣ ትምህርቲ ምሕንባስ፣ ክዳውንቲ፣ ንልደት ወይ ንመገሻ ክኸውን ይኽእል።
ውልቃዊ መመላእታ ኣታዊ
ንነዊሕ እዋን ትሑት ኣታዊ እንተሃልዩካ፣ ውልቃዊ መመላእታ ኣታዊ ንምርካብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
እዚ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝወህሃብ ተወሳኺ ገንዘብ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዚ መጠን ገንዘብ ኣብ ዓመት 1 ግዜ ክትረኽቦ ትኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ገንዘብ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ክትውስን ናጻ ኢኻ።
ነቲ ውልቃዊ መመላእታ ኣታዊ ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከተማኻ ኢኻ እተመልክት። እቲ ምምሕዳር ከተማ ድማ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይውስን። ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ውልቃዊ መመላእታ ኣታዊ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡
ዕድሜኻ ልዕሊ 21 ዓመት እንተድኣ ኮይኑ
ገና ናይ እርጋን ጡረታ (AOW) ዘይትረክብ እንተድኣ ኮይንካ
ኣታዊን ውህሉል ገንዘብን እንተድኣ ዘይብልካ ኮይኑ፣ ወይ ሒደት ምስ ዝኸውን
ኣታዊኻ ብቕልጡፍ ናይ ምውሳኽ ዕድል ጸቢብ ምስ ዝኸውን።
ናይ ትምህርቲ ኣበል
ትመሃር እንተድኣ ኮይንካን ብሰንኪ ሕክምናዊ ጸገማት ጎኒ ጎኒ ትምህርትኻ ክትሰርሕ እንተድኣ ዘይክኢልካን፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ ናይ ተማሃሮ ኣበል ክትረክብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።
እቲ ናይ ትምህርቲ ኣበል፣ ብሰንኪ ስንክልና ናይ ክፊል-ግዜ ስራሕ ክህልዎም ንዘይክእሉ ተማሃሮ ዝዓለመ እዩ። እቲ ኣበል ኣብ ርእሲ እቲ
መጠን ናይቲ ናይ ትምህርቲ ኣበል ኣብ ዕድመኻ እዩ ዝምርኮስ። እቲ መጠን ገንዘብ ኣብ ነፍስወከፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክቕየር ይኽእል እዩ።
ናይ ስራሕ ልምምድ ትገብርን፣ ናቱ ካሕሳ ትረክብን እንተድኣ ኮይንካ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ገና ገለ ክፋል ናይቲ ናይ ትምህርቲ ኣበል ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ምምሕዳር ከተማ ሓባራዊ መድሕን ጥዕና
ኣብ ገለ ምምሕዳራት ከተማታት፣ ኣብ ሓባራዊ መድሕን ጥዕና ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ውዕል መድሕን ጥዕና ናይ ምምሕዳር ከተማ ይበሃል እዩ። እዚ መድሕን እዚ ንትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት ዝዓለመ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ናይ ውዕል ክፍሊት ጎደሎ ዋጋ ትረክብ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ እውን ኣበርክቶ ይገብር።
ደንቢ ተሳትፎ ንበጽሒታት
ገለ ምምሕዳራት ከተማታት፣ ንበጽሒታት ማለት ልዕሊ ዕድመ ዝኸውን ናይ ተሳትፎ ደንቢ [meedoenregeling] እውን ኣለወን። በዚ ደንቢ እዚ ኣብነት ንስፖርት፣ ባህሊ፣ ንጥፈታት፣ ወይ ንስልጠና ዝኸውን ጎደሎ ዋጋ ይግበረልካ፣ ወይ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።
ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ሓደ ዓይነት ስም ኣይጥቀምን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ተሳትፎ ደንቢ [participatieregeling]፣ ናይ ከተማ ፓስ [stadspas]፣ ሚኒማ ፓስ [minimapas] ወይ ማዕከን በጽሒታት [volwassenenfonds] እውን ይበሃል እዩ።
ናጻ ወይ ዝሓሰረ ህዝባዊ መጓዓዝያ
ገለ ምምሕዳራት ከተማታት ንነበርቲ ኣብ ወጻኢታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ይሕግዛ እየን። እዚ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ይፈላለ እዩ። ኣብ ገሊአን ምምሕዳራት ከተማታት፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣረጋውያን ብኣውቶቡስ፣ ትራም ወይ ሜትሮ ብነጻ ክጓዓዙ ይኽእሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ንህጻናት፣ ተማሃሮ ወይ ስንኩላን ዝኸውን ነጻ ህዝባዊ መጓዓዝያ እውን ኣሎ።
ስንክልና ስለዘለካ ብስሩዕ ህዝባዊ መጓዓዝያ ክትጓዓዝ ትጽገም ዲኻ? ድሕሪኡ ሓደ ሓደ ግዜ ብመንገዲ Wmo ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ ክልል ዘሎ መጓዓዝያ ወይ ዝተመጣጠነ መጓዓዝያ።
ኣብ ወጻኢታት ጸዓት ሓገዝ
ገሊአን ምምሕዳራት ከተማታት ኣብ ወጻኢታት ጸዓት ተወሳኺ ሓገዝ ይህባ እየን። ንኣብነት ናይ ጸዓት ኣሰልጣኒ፣ ናይ ጸዓት ሳንዱቕ፣ ወይ ድማ ኣብ መከላኸሊ ዛሕሊ ሓገዝ።
ሓደ ኣሰልጣኒ ጸዓት ውሑድ ጸዓት ንኽትጥቀም ምእንቲ ምኽርታት ክህበካ ይኽእል እዩ። ናይ ጸዓት ሳንዱቕ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ናይ ሌድ መብራህቲ ወይ ዝውተፍ መከልኸሊ ላሕኲ-ንፋስ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ፍርያት ዝሓዘ እዩ።
ሕደገት ካብ ግብሪታት ምምሕዳር ከተማ
ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ምምሕዳር ከተማ ግብሪ ክትከፍል ኣለካ። ንኣብነት ግብሪ ጎሓፍ ወይ ግብሪ ፈሳሲ ርስሓት። ትሑት ኣታዊን ውሑድ ምውህሉል ገንዘብን እንተሃልዩካ፣ ሕድገት ንምርካብ ብቑዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ግብሪ ክትከፍል ኣየድልየካን ማለት እዩ፣ ወይ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣይትኸፍልን ማለት እዩ።
ሕደግት ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከተማ፣ ወይ ናብቲ ናይ ምምሕዳር ከተማ ግብሪታት ዘዋድድ ውድብ ኢኻ እተመልክት።
ኣብ ግዚኡ ሓገዝ ሕተት
ገንዘባዊ ሓገዝ የድልየካ ድዩ? ስለዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ምምሕዳር ከተማኻ ርክብ ግበር። ሓገዝ ንምሕታት ብዙሕ ኣይትጸበይ። ቀልጢፍካ ሓገዝ ብዝሓተትካ መጠን፣ ጸገማትካ ናይ ዘይምግዳድ ዕድል ይዓቢ።
ዘሎ ሕግታት ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከተማ ይፈላለይ እዩ። ስለዚ እንታይ ሓገዝ ክትረክብ ዝከኣል ምዃኑ ኩሉ ግዜ ንምምሕዳር ከተማኻ ሕተት።