
ንሓዋሩ ካብ ኔዘርላንድ ምውጻእ፡ እንታይ ከተዋድድ ኣለካ?
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ካብ ነዞርላንድ ብቐዋምነት ክትወጽእ እንተደሊኻ፡ ክትሰርዖም ዘለካ ውሑዳት ነገራት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ምብጋስካ እውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ጽሑፍ እዚ ንመገሻኹም ብኸመይ ከም እተዳልዉን ካብ ነዞርላንድ ንሓዋሩ ክትወጹ ምስ እትደልዩ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከም ዝህሉን ዝገልጽ እዩ።
ካብ ኔዘርላንድ ከም እትወጽእ ንምምሕዳር ከተማ ኣፍልጥ
ካብ ዞርላንድ ክትወጹ ምስ እትደልዩ፡ ነቲ እትነብረሉ ኮሙን ከተፍልጡ ኣለኩም። እዚ ኣብ ክፍሊ ሲቪል ጉዳያት ኮሙንካ ኢኻ ትገብር። ብድሕሪኡ እቲ ኮሙን ካብቲ
ከም እትወጽእ ናብ IND እውን ሓብር
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ሃልዩካን፣ ብፍቓድካ ካብ ኔዘርላንድ ለቂቕካ እንተድኣ ትወጽእ ኮይንካን፣ ምብጋስካ ናብ IND እውን ክትሕብር ኣለካ።
ምብጋስካ ብጽሑፍ ናብ IND ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ ምስቲ መንበሪ ፍቓድካ ዝሰማማዕ ቅጥዒ ክትመልእ ኣለካ።
ምብጋስካ ኣብ ግዚኡ ናብቲ ኮሙን እንተዘይሓቢርካዮ፡ ብኢንተርነት ናብ IND ክትሕብር ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ሓደ ግዜ ወግዓዊ ዓዳሚ ማለት ስፖንሰር እውን ነዚ ክገብረልካ ይኽእል እዩ። ወግዓዊ ዓዳሚ ማለት ስፖንሰር ንኣብነት መጻምድትኻ፣ ኣስራሒኻ ወይ ቤት-ትምህርትኻ እዩ።
ግብራዊ ጉዳያት ምውዳድ
ቅድሚ ምብጋስካ ሒደት ግብራዊ ነገራት ከተዋድድ ኣለካ። ንኣብነት ብዛዕባ ገዛኻ፣ ስራሕካ፣ ቤት-ትምህርትኻ፣ ፋይናንስካን ኣገደስቲ ሰነዳትካን ሕሰብ። ንኣብነት እዚ ዝስ ዕብ ክትገብር ትኽእል፡
ክራይ ገዛኻን ዘለዉኻ ውዕላትን ክትስርዝ፤
መድሕን ጥዕናኻ ደው ከተብሎ፤
ንኣስራሒኻ ከተፍልጦን ነቲ ናይ ስራሕ ውዕል ከተቋርጾን፤
ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፋትካ ወይ ኣበላትካ ደው ከተብሎም፤
ንቤት-ትምህርቲ ወይ ንመውዓሊ ሕጻናት ክትሕብር፤
ብዛዕባ ዕዳታት ወይ ናይ ክፍሊት ደንቢታት ክትመያየጥ፤
ናይ ባንክ ጉዳያትካ ከተዋድድ፤
ኣታዊኻ ንበዓል-መዚ ግብሪ ምፍላጥ
ቆልዑ እንተድኣ ሃልዮምኻ፣ ሰነዳት፣ ጸብጻባት ወይ ናይ ትምህርቲ መርትዖ ንኽወሃበካ ካብ ቤት-ትምህርቲ ሕተት። እዚ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብ እዋን ብወለንታ ምምላስ ዝግበር ሓገዝ
ሓገዝ ካብ ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (IOM)
ካብ ነዞርላንድ ወጺእካ ናብ መበቆል ሃገርካ ክትምለስ ትሓስብ እንተኾንካ፡ ካብ
መጀመርታ ምስ IOM ዕላል ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ምስ IOM እትዛተየሉ ኩሉ ነገር ብሚስጢር እዩ ዝሕዞ።
ንኣብነት IOM ኣብ ዝስዕብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡
ብዛዕባ ምምላስካን ዝርርባት ምክያድን ብቋንቋኻ ምኽሪ ምሃብን
መገሻኻ ኣብ እተዋድደሉ እዋን ሓገዝ ምሃብን፣ ናይ በረራ ትኬት ኣብ ምውዳድ ምሕጋዝን
ምኽሪ ብዛዕባ ናይ ጉዕዞ ሰነዳትን፣ ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንምምልካት ሓገዝ ምሃብን
ንናይ ጉዕዞ ሰነዳት ዝኸውን ዝተወሰኑ ወጻኢታት ምኽሓስ
ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣብ እዋን ምብጋስን ምዝውዋርን፣ ወይ ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ እዋን ብምብጻሕ ሓገዝ ምሃብን
ኣብኡ ድሕሪ ምብጻሕ ነቲ ቀዳማይ እዋን ዝኸውን ንእሽቶ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ምግባር
ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ናብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኻ ናይ እትገብሮ ጉዕዞ ምኽሓስ።
ሓደ ሓደ ግዜ፡ ተወሳኺ ሓገዝ ይግበር። ንኣብነት ን
ሓደ ሓደ ግዜ፡ IOM ምስቶም ኣብ መበቆል ሃገርካ ዘለዉ መሳርሕትኻ እውን ክራኸብ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኣብኡ ዘሎ ኩነታት ሓበሬታ ክህቡ ይኽእሉ እዮም። ካልእ ዓይነት ሓገዝ እንተድኣ ኣድልዩካ፡ IOM ሓደ ሓደ ግዜ ናብ ካልእ ትካል ክውከሰካ ይኽእል እዩ።
ሓገዝ ካብ ኣገልግሎት ምምላስን ምብጋስን (DT&V)
ናብ መበቆል ሃገርካ ብወለንታኻ ክትምለስ ትደሊ ዲኻ? ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ካብ
DT&V ንኣብነት ኣብዚ ክሕግዝ ይኽእል እዩ
ብዛዕባ ወለንታዊ ምምላስ ሓበሬታን ምኽርን ምሃብ
ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ምውዳድ
ናይ ጉዕዞ ሰነዳት ምክፋል
ናይ ነፋሪት ትኬት ምውዳድ
ድሕሪ ምምላስ ንዝህሉው ቀዳማይ ግዜ ዝኸውን ንእሽቶ መጠን ገንዘብ (ንሓደ በጽሒ ሰብ €200 ንሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ድማ €40)።
ሓደ ሓደ ግዜ ንተቓላዕቲ ማለት ተኣፈፍቲ ሰባት ዝኸውን ተወሳኺ ሓገዝ ኣሎ። ንኣብነት መሰነይታ ንዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት፣ ንግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት፣ ከምኡ እውን ሕክምናዊ ጸገማት ንዘለዎም ሰባት።
መደብ-REAN
መሰረታዊ ናይ ምብጋስ ደገፍ ኣካል መደብ REAN እዩ። REAN ማለት ካብ ነዞርላንድዝመጽእ ናይ ምምላስን ስደትን ሓገዝ ማለት እዩ። እዚ መደብ እዚ ነቶም ብወለንታኦም ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩን ናይ ምምላስ ገንዘብ ባዕሎም ዘዳልዉሎምን ስደተኛታት ዝዓለመ እዩ።
ኣብ እዋን ምምላስ ዝግበር ተወሳኺ ደገፍ
ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፣ ብወለንታኻ ናብ መበቆል ሃገርካ እንተድኣ ትምለስ ኮይንካ ተወሳኺ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ደገፍ ኣብዚ ዝስዕብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ፡
ንምብጋስካ ምድላው
ኣብኡ ድሕሪ ምብጻሕካ ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት
ድሕሪ ምምላስ ኣብ ዘሎ ቀዳማይ እዋን
ኣብ ርእሲ እቲ መሰረታዊ ናይ ምብጋስ ደገፍ፣ በጽሒታት ማለት ልዕሊ ዕድመ ሰባት ተወሳኺ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እዚ ንኣብነት ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል፡
ኣብታ መበቆል ሃገር ምስ በጻሕካ €630፤
ናይ ዳግመ-ውህደት ደገፍ €2,450 ዝዋግኡ።
እቲ ናይ ዳግመ-ውህደት ደገፍ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ከም ገንዘብ ኣይትቕበሎን ኢኻ። ብዓይነት ኢኻ ሓገዝ እትረክብ። እዚ ማለት እቲ ደገፍ ንግብራዊ ጉዳያት ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ማለት እዩ። ንኣብነት ንመንበሪ ገዛ፣ ንትምህርቲ፣ ወይ ድማ ንምጅማር ስራሕ።
እዞም መጠን ገንዘብ እዚኦም ንናይ ምምላስ ደገፍ ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ይምልከቱ። ብሓገዝ IOM፡ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ወይ ፕሮግራም ዳግመ ውህደት ኤውሮጳ (EURP) ትወጽእ ፍልልይ የብሉን።
ኣስተውዕል፡ ሕግታትን መጠን ገንዘብን ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ እንታይ ዓይነት ደገፍ ክትረክብ ተኽእሎ ከምዘለካ፣ ኩሉ ግዜ ናብ IOM፣ DT&V፣ ወይ ናይ ምምላስ ውድብ ሕተት።
እዘን ውድባት ክድግፋኻ ይኽእላ እየን፡
ደገፍ ክትረክብ ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ እንታይ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለካን ኣብ ውልቃዊ ኩነትካ ዝምርኮስ እዩ። ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ብዛዕባ እዚ ክድግፈካ ይኽእል እዩ።
ናይ መንበሪ ሰነድካ ናብ IND ምለስ
ናይ መንበሪ ሰነድካ ካብ IND ዝተቐበልካዮ ካርድ እዩ። እዚ ካርድ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንብረት እዩ።
ካብ ኔዘርላንድ ብቐዋምነት እንተድኣ ትወጽእ ኮይንካ፣ ነቲ ካርድ ናብ IND ክትመልሶ ኣለካ። ነዚ ብ2 ኣገባባት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡
ነቲ ካርድ ብፖስታ ናብ IND ትሰዶ
ነቲ ካርድ ኣብ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት IND ተረክቦ
ካርድ ብፖስታ ምልኣኽ
ነቲ ካርድ ቅድሚ ምልኣኽካ መጀመርታ ንኣገልግሎት ዘይብቚዕ ግበሮ። ነዚ ክትገብሮ እትኽእል ሓደ ኩርናዕ ናይቲ ካርድ ብምቑራጽ እዩ። ኣብኡ ነዃል ክትገብረሉ እውን ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ነቲ ካርድ ናብ
ብተወሳኺ ነቲ ካርድ ምስቲ
ካርድ ኣብ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት IND ምርካብ
ነቲ ካርድ ባዕልኻ ኣብ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት IND ከተረክቦ ትደሊ ዲኻ? ስለዚ መጀመርታ ምስ IND ቆጸራ ግበር።
ናብቲ ቆጸራ ነዚ ዝስዕብ ሒዝካ ኪድ፡
ናይ መንበሪ ሰነድካ
ዝተመልአ ናይ ወጻእተኛ መሓበሪ ቅጥዒ።
ብሓገዝ IOM ካብ ኔዘርላንድ እንተድኣ ትብገስ ኮይንካ፣ ናይ መንበሪ ሰነድካ ብኣካል ኣብ ቤት-ጽሕፈት IND ከተረክብ ኣለካ።
ንሓዋሩ ካብ ኔዘርላንድ ምውጻእ ሳዕቤናት ኣለዎ
ካብ ኔዘርላንድ ንሓዋሩ ክትወጽእ እንተድኣ ደሊኻ ቀልጢፍካ ውሳነ ኣይትውሰድ። ቀዋሚ ምውጻእ ኣብ መንበሪ ፍቓድካ፣ ስራሕካ፣ ገዛኻን ድሒርካ ናብ ኔዘርላንድ ናይ ምምላስ ተኽእሎኻን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ካብ IND፣ IOM፣ VluchtelingenWerk Nederland፣ ወይ ጠበቓ ምኽሪ ሕተት። እዚ ድማ ምርጫኻ እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ብዝበለጸ ንምርዳእን፣ ድሒሩ ጸገማት ንኸየጋጥመካ ንምክልኻልን ይሕግዘካ።
ብሓገዝ IOM እንተድኣ ትብገስ ኮይንካ፣ እዚ ሓገዝ ንሓዋሩ ክምለሱ ንዝደልዩን ናብ ኤውሮጳ ክምለሱ ዘይሓሰቡን ሰባት ዝዓለመ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እትብገሰሉ እዋን ናይ ምብጋስ መግለጺ ትፍርም። ከምኡ ብምግባርካ ድማ መሰል መንበሪኻ ክስረዝ ፍቓድ ትህብ።
ካብ ካልእ ሃገር ወይ ካብ መበቆል ሃገርካ ናብ ኔዘርላንድ ምምላስ
ድሒርካ ናብ ኔዘርላንድ ክትምለስ ምስ እትደሊ፣ እዚ ዝከኣል ከም ብሓድሽ ኣብ ኔዘርላንድ ክትኣቱው ወይ ክትነብር መሰል ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ። ንኣብነት ብቪዛ፣ ብሓድሽ መንበሪ ፍቓድ፣ ወይ ኣብ ገሊኡ ኩነታት ሓድሽ ናይ ዑቕባ መመልከቲ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ንሓዋሩ ምኻድካ ካብ ጠበቓ፣ VluchtelingenWerk Nederland፣ IOM ወይ IND ምኽሪ ሕተት።