ምንጪ፡ Canva
ዓንቀጽ

ኣየኖት ሃገራት እየን ኣካል ናይ ንግስነት ኔዘርላንድ?

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 10/19/2026 19:42

ኔዘርላንድ ኣካል ናይ ንግስነት ኔዘርላንድ እያ። እዚ ንግስነት እዚ ኣብ ካሪብያን ንዝርከባ ዝተፈላለያ ደሴታት እውን የጠቓልል እዩ። ገሊአን ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት ርእሰን ዝኸኣላ ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ገሊአን ድማ ናይ ኔዘርላንድ ኣካል እየን። እዚ ከመይ ምዃኑ ኣብዚ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንግስነት ኔዘርላንድ 4 ሃገራት ዝሓቖፈት እያ

ንግስነት ኔዘርላንድ 4 ሃገራት ዝሓቖፈት ኮይና፣ ንሳተን ድማ ኔዘርላንድ፣ ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን እየን። ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ናይ መላእ እታ ንግስነት መራሒ ሃገር እዩ።

ኔርዘላንድ እታ ኣብ ካርታ ኣብ ጎኒ ጀርመንን ቤልጅዩምን እትርከብ ኤውሮጳዊ ክፋል ጥራይ ኣይኮነትን። ቦነረ፣ ሲንት ኤውስታቲየስን ሳባን እውን ናይ ኔዘርላንድ ኣካል እየን። እዘን 3 ደሴታት ኣብ ካሪብያን ዝርከባ ኮይነን ብሓባር ካሪብያናዊ ኔዘርላንድ ተባሂለን ይፍለጣ።

ሕጂ እተን ደሴታት ዝተፈላለየ ቦታታት ምሓዘን፣ ኔዘርላንዳዊት ኣንቲለስ ኣብ ዝፈረሰትሉ እዋን ብዝተገብረ ምርጫታት እዩ። ቦነረን ሳባን ምስ ኔዘርላንድ ቀጥታዊ ርክብ ክህልወን መሪጸን። ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት ናይ ገዛእ-ርእሰን ሃገራት ክኾና መሪጸን። ሲንት ኤውስታቲየስን ኣብ መጀመርታ ኣካል ኔዘርላንዳዊት ኣንቲለስ ኮይና ክትቕጽል ደለያ ነይራ። እዚ ዳሕረወይቲ ህላወኣ ምስ ኣቋረጸት፣ ሲንት ኤውስታቲየስ እውን ምስ ኔዘርላንድ ቀጥታዊ ርክብ መስሪታ።

ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ዝተፈላለየ ኣወዳድባ ኣለወን። ናይ ኔዘርላንድን ኣካል እየን፣ በዚ ድማ ናይቲ ንግስነት ኣካል እየን፣ እንተኾነ ግን ኣካል ሃገረ ኔዘርላንድ ኣይኮናን። ናይ ገዛእ -እሰን

ከምኡ እውን
ኣለወን።

ኣብ መንጎ ኔዘርላንድን ደሴታትን ዘሎ ምትእስሳር ካብ ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እዩ

እቲ ኣብ መንጎ ኔዘርላንድን ደሴታት ካሪብያንን ዘሎ ርክብ ነዊሕ መግዛእታዊ ታሪኽ ኣለዎ። ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን፣

ዝተፈላለያ ደሴታት ካሪብያን ተቖጻጺሩ። ኩራሳኦ ኣብ 1634 ብኔዘርላንድ ተታሒዛ። ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ድማ  ኣሩባ፣ ቦነረን ሲንት ኤውስታቲየስን ስዒበን።

ኣብ 1954

ተኣታትዩ። ኣብኡ ድማ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ክፋላት ናይቲ ንግስነት ንዝግበሩ ምትሕብባር ብዝምልከት ስምምዓት ተገይሩ።

ብሰንኪ እቲ ሕጊ ኣቃውማ ናይቲ ንግስነት ብዙሕ ግዜ ተቐይሩ። ሱሪናም ኣብ 1975 ናጻ ኮይና ካብ ንግስነት ወጺኣ። ኣሩባ ኣብ 1986 ካብ

ወጺኣ፣ ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት ፍልይቲ ሃገር ኮይና።

እቲ ዝዓበየ ለውጢ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2010 ተገይሩ። ኔዘርላንዳዊት ኣንቲለስ ፈሪሳ። ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ልክዕ ከም ኣሩባ ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት ዝተፈልያ ሃገራት ኮይነን። ቦነር፣ ሲንት ኤውስታቲየስን ሳባን ድማ ኣካል ሃገረ ኔዘርላንድ ኮይነን።

እተን ኣብቲ ንግስነት ዝርከባ ሃገራት ንብዙሕ ጉዳያት ባዕላተን የዋድዳ

ኔዘርላንድ፣ ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ነፍስወከፈን ናይ ባዕላተን መንግስቲ ኣለወን።

ስለዚ ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ብዙሕ ሕግታት ባዕላተን ይውስና፣ ንኣብነት ብዛዕባ ትምህርቲ፣ ክንክን ጥዕናን ግብሪን።

ንገሊኦም ጉዳያት ብዝምልከት እተን ሃገራት ኣብ ውሽጢ እቲ ንግስነት ሓቢረን ይውስና። እዚ ንኣብነት ንምክልኻል፣ ጉዳያት ወጻኢን ዜግነት ኔዘርላንድን ዝምልከት እዩ።

ቦነረ፣ ሲንት ኤውስታቲየስን ሳባን ንምምሕዳራት ከተማታት ኔዘርላንድ ይመስላ

ቦነረ፣ ሲንት ኤውስታቲየስን ሳባን ናይ ኔዘርላንድ ኣካል እየን። መብዛሕትኡ ግዜ ‘ፍሉያት ምምሕዳራት ከተማታት’ ተባሂለን ይጽውዓ። ብወግዒ ድማ

ይበሃላ። እተን ደሴታት ኣብ ኤውሮጳዊት ኔዘርላንድ ንዝርከባ ምምሕዳራት ከተማታት ይመስላ፣ እንተኾነ ግን ፍልልያት እውን ኣለወን። ንኣብነት ናይ ኔዘርላንድ ኣውራጃ ኣይኮናን። ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ እውን የብለንን፣ እንተኾነ ግን እቶም ነበርቲ ኣብ 
ንዘገልግሉ ፖለቲከኛታቶም ይመርጹ እዮም። እዚ ቤት-ምኽሪ እዚ ብገምጋም ዳርጋ ከምቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከብ
ዕማም ኣለዎ።

ኣብ ቦነረ፣ ሲንት ኤውስታቲየስ ወይ ሳባ ዝነብሩ ዜጋታት ኔዘርላንድ እውን ን

ድምጾም ክህቡ ይኽእሉ።

ኣብ ካሪብያን ክፋል ናይቲ ንግስነት ዝካየድ ምርጫ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣሩባ፣ ኩራሳኦን ሲንት ማርተንን ነጻ ሃገራት ስለ ዝኾና፣ ናይ ገዛእ-ርእሰን ምርጫ ኣለወን። ኣብኡ ዝነብሩ ነበርቲ ድማ ናይ ገዛእ-ርእሶም ሃገራዊ ባይቶ ይመርጹ።

ኣብ ኣሩባ፣ ኩራሳኦ ወይ ሲንት ማርተን ንዝነብሩ ዜጋታት ኔዘርላንድ ዝተፈልዩ ሕግታት እዩ ዝምልከቶም። ብኣውቶማቲክ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጾም ክህቡ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር ንኣብነት ኣብ ኔዘርላንድ እንተወሓደ ን10 ዓመት እንተድኣ ተቐሚጦም ከምኡ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከምኡ ኩነታት ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ከም መራጺ ክምዝገቡ ኣለዎም።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?