ዓንቀጽ
ሓበሬታን ክንክንን ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና
ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 2/6/2025 12:35 ድ.ቀ.
ንጾታዊነት ዝምልከት ክንክንን ሓበሬታን ትደልይ ዲኻ? ንኣብነት ብዛዕባ ውሑስ ጾታዊ ርክብ፣ ዘይተደልየ ጥንሲ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት። ብዛዕባ ክንክንን ሓበሬታን ኣብ መዳይ ጾታዊነት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዚ ኣንብብ።
ጾታዊ ጥዕና ብዛዕባ ኣካልካን ስምዒትካን እዩ
ጾታዊ ጥዕና ማለት ኩሉ ሰብ ባህታ ዝመልኦን ውሑስን ጾታዊ ተመኩሮታት ዝህልዎን፣ ብዛዕባኡ ድማ ጽቡቕ ስምዒት ዝስምዖን ምዃን ማለት እዩ። ንጾታዊነት ብዝምልከት፣ ጾታዊ ጥዕና ምስ ኣካልካን ስምዒታትካን ዝተሓሓዝ እዩ። ንብዙሓት ዛዕባታት ዝምልከት ድማ እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ፡
ውሑስ ጾታዊ ርክብ
ምጥናስን፣ ንዓኺ ባህ ብዝብለኪ ኣገባብ ምጥናስን
ኣብ ዝምድና ብስምዒታዊ መዳይ ጽቡቕ ዝስምዓካ ምዃን
ጾታዊ ርክብ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ምርዳእን፣ ንጾታዊ ርክብ ፍቓድ ምሃብን
ጾታዊ ክንክንን ሓበሬታን ንስግረ-ጾታውያን ዝኾኑ ሰባት
ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ብዛዕባ መዳይ ጾታዊነት ዝያዳ ሕቶታት ዘልዕሉ ዛዕባታት ክንድህስስ ኢና። እዚኦም ድማ ውሑስ ጾታዊ ርክብ፣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ዘይተደልየ ጥንሲን እዮም።
ውሑስ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ
ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከይትሓምም፣ ከይተጥንስ ወይ ንባዕልኺ ከይትጠንሲ ትደልይ/ዪ ዲኻ/ኺ? ስለዚ ኩሉ ግዜ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሙ ኣለኩም። ውሑስ ጾታዊ ርክብ ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥረልካ፣ ከምኡ እውን ዘይተደልየ ጥንሲ ንኸየጋጥመኪ ወይ ድማ ዘይተደልየ ንኸይተጥንስ ዝከላኸል ጾታዊ ርክብ እዩ። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት (SOA) ንኸይትሓምም ድማ ይከላኸል። ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት (SOA) ውሑስ ዘይኮነ ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽም ናብ ካልእ ሰብ ከተመሓላልፎም እትኽእል ተላባዕቲ ሕማማት እዮም።
ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ውሕስነት ንኽስምዓኩም ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ፡
ዘይትደልይዎ ነገር ኣይትግበሩ፣ ከምኡ እውን እትደልይዎ ነገር ግበሩ።
ንመጻምድትኻ/ኺ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ትደልይ ምዃናን ዘይምዃናን ሕተት።
ጥንሲ ን/ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ብሓባር እንታይ ከም እትገብሩ ምስ መጻምድትኻ/ኺ ተመያየጡ።
ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ምቹእነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ/ኪ፣ ንመጻምድትኻ/ኺ ንገራ/ርዮ ከምኡ እውን ኣቋርጽ/ጺ።
ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት ካልእ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ኣብዚ ኣንብቡ፡
ጥንሲ ንምክልኻል ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ፡
ኮንዶም፡ ኣብ ልዕሊ ብልዕቲ ዝውደይ ረቂቕ መሸፈኒ ጎማ ወይ ፕላስቲክ እዩ። ነዚ ካብ ዝኾነ ፋርማሲ፣ ቤት-መድሃኒትን ካብ ዓበይቲ ሱፐርማርኬታትን ክትገዝእዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኮንዶም ውሱን ናይ ኣገልግሎት ዕድመ ከምዘለዎ ድማ ኣስተውዕሉ።
መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና፡ መዓልታዊ እትውሕጦ መድሃኒት እዩ። ጽፍዮ-እንቋቑሖ ንምክልኻል ዝሕግዙ ሆርሞናት ዝሓዘ ድማ እዩ።
ቀለቤት ውሽጠ-ማህጸን፡ እዚኣ ጥንሲ ንምክልኻል ኣብ ማህጸን እትኣቱው ንእሽቶ ቀልቤት እያ። ሆርሞናውን ዘይሆርሞናውን ቀለቤታት ድማ ኣለዉ።
ጥንሲ ንምክልኻል ክትገብርዎም እትኽእሉ ካልኦት ብዙሓት ነገራት እውን ኣለዉ። ከም ሰብኣይ መጠን እውን። ሓበሬታ ንምርካብ ንሓኪምኩም ሕተቱ።
ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምክልኻል ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ፡
ኮንዶም ምጥቃም፡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ምጥቃም ዝርግሐ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከጉድል ይኽእል እዩ።
ክታበታት፡ ንገለ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት መከላኸሊ ክታበታት ኣለዉ፣ ከም በዓል ንመንሽሮ ማህጸን መከላኸሊ ዝኸውን ክታበት ናይ ቫይረስ ፓፒሎማ ሰብ (HPV) ዝኣመሰሉ። ክታበት ድሕሪ ምውሳድኩም እውን እንተኾነ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሙ ይግባእ።
ብዛዕባ ጾታዊ ታሪኽካ ምዝራብ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ታሪኽኩምን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብዝምልከት ዘለኩም ኩነትን ምስ መጻምድትኹም (መጻምድቲታትኩም) ግልጺን ቅኑዓትን ኩን። እዚ ድማ ብዛዕባ ምክልኻል ውሳኔታት ኣብ ምውሳድ ይሕግዝ።
መራፍእ ምክፋል ኣወግዱ፡ ሓሽሻት ትጥቀሙ ምስ እትኾኑ መራፍእ ፈጺምኩም ንኻልእ ሰብ ኣይተካፍሉ። እዚ ናይ ከም ኤች.ኣይ.ቪ ዝኣመሰሉ ብደም ኣቢሎም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ሓደጋ ይቕንስ።
ኮይኑ ግን ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ምስ እትፍጽሙ ከምዚ ክትገብሩ ትኽእሉ፡
ብጾታዊ ርክብ ናይ ዝመሓላለፉ ሕማማት (SOA) መርመራ ግበሩ፡ እዚ ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪምኩም ወይ ኣብ GGD ክግበር ይከኣል። ኩሉ ሰብ ክምርመር ይኽእል እዩ። SOA ዘይብልኩም ምዃንኩም ብርግጽ ክሳብ እትፈልጡን ክሳብ እትሕከሙን ጾታዊ ርክብ ኣይትፈጽሙ። ናይ SOA ውጽኢት መርመራኹም ኣዎንታዊ ምስ ዝኸውን ድማ ነቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕክምና ተኸተሉ። SOA ብጸረ-ነፍሳት ወይ ብጸረ-ቫይረስ መድሃኒታት ክሕከሙ ይኽእሉ እዮም። ናይ SOA ውጽኢት መርመራኹም ኣዎንታዊ ምስ ዝኸውን፣ ንጾታዊ መጻምድትታኩም እውን ኣፍልጥዎም/ወን። ንሳቶም/ተን እውን ክምርመሩን ክሕከሙን ይኽእሉ እዮም።
ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ (morning-afterpil)፡ ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻምኪ ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን በዚ ከኒና ጥንሲ ክትከላኸሊ ትኽእሊ ኢኺ። ነዚ ከኒና ካብ ፋርማሲን ድኳን መድሃኒትን ክትገዝእዮ ትኽእሊ ኢኺ። ነዚ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ናይ ትእዛዝ ወረቐት ኣየድልየኪን እዩ። ዘይውሑስ ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻምኪ ነዚ ከኒና ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍኪ ክትውሕጥዮ ድማ ይግባእ።
ብዙሓት ዘይምቹእ ጾታዊ ተሞክሮታት ዘለዎም ሰባት ብዕልግና፣ ፍርሒ፣ ሕርቃንን ጽዩፍነትን ይስምዖም። ወይ ጥፍኣተኛ ዝኾኑ ኮይኑ ይስምዖም፣ ንነብሶም ድማ ይወቕሱ። ናትካ/ኪ ጥፍኣት ኣይኮነን። ንኸምዚ ዝበለ ስምዒት ድማ ተሰኪምክሞ ስቕ ኣይትበሉ። ጽቡቕ ንኽስምዓኩም ክሕግዝኹም ዝኽእሉ ኣማኸርቲ ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ ናብ ሓኪምኩም ወይ ናብ ማእከል ጾታዊ ዓመጽ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
'PrEP' ኤች.ኣይ.ቪ. ንኸይሕዘካ ንምክልኻል እትወስዶም ከኒናታት እዮም። መዓልታዊ 'PrEP' ትወስድ። ወይ ድማ ቅድሚ ወይ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ጥራይ። ንሱ ባዕልኻ ኢኻ እትመርጾ። ክትቅይር እውን ትኽእል ኢኻ። 'PrEP' ንዓኻ ዝኸውን' ዶ ይመስለካ? ስለዚ ምስ ሓኪምካ ወይ ምስ GGD ቆጸራ ግበር። ኣንጻር ኤች.ኣይ.ቪ. ዝኸውን 'PrEP' ክትቕበል ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ድማ ምስ ሓኪምካ ተዘራረብ።
'PrEP' ካብ ኩሎም ሓካይም ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓኪምካ ክሕግዘካ ኣይክእልን ድዩ? ነዚ ክገብር ዝኽእል ካልእ ሓኪም ዝፈልጥ እንተኾነ ሕተቶ። ወይ ድማ ካብ GGD ምኽሪ ሕተት።
SoaAids.nl
ኣብ soaaids.nl ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና፣ ኤች.ኣይ.ቪን ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።Sense.info
Sense.info ንኹሎም ንጾታዊ ርክብ ዝምልከቱ ሕቶታት ይምልሰልካ። ብፍላይ ዕድሜኻ ካብ 12 ክሳብ 25 ዓመት ምስ ዝኸውን እዚ መርበብ-ሓበሬታ ንኽትውከሶ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።ማእከል ጾታዊ ዓመጽ
ማእከል ጾታዊ ዓመጽ ንዝኾነ ዘይምቹእ ኣሰቃቒ ጾታዊ ተመኩሮ ዘጋጠሞ ሰብ ሞያዊ ሓገዝ ይህብ - ብኢንተርነት ወይ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ። እቲ ጉዳይ ኣብ ቀረባ ግዜ ወይ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዘጋጠመ ምዃኑ ብዘየገድስ።Zanzu.nl ጾታዊ ጥዕና ብዝምልከት ብ17 ቋንቋታት ሓበሬታ ኣለዎ
Zanzu.nl ብዛዕባ ጾታዊ ጥዕና ብቋንቋኻ ሓበሬታ ዝሓዘ መርበብ-ሓበሬታ እዩ።ዘይተደለየ ጥንሲ ምስ ዘጋጥመኪ ከምዚ ክትገብሪ ትኽእሊ
ዘይተደልየ ጥንሲ ማለት ዘይደልኽዮ ጥንሲ ማለት እዩ። ክትጠንሲ ዘይትደልይሉ ሓያሎ ምኽንያታት ክህልወኪ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ካብ ዘይደልኽዮ ሰብ ስለ ዝጠነስኪ፣ እቲ ጥንሲ ብዘይ መደብ ስለ ዘጋጠመ ወይ ድማ ነቲ ቆልዓ ንኸተዕብይዮ ተኽእሎታት ስለ ዘይብልኪ።
ዘይተደልየ ጥንሲ እንተጋጢሙኪ ናብ ሓኪምኪ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ሓኪምኪ ብዛዕባ ዘለዉኺ ኣማራጺታት ክሕብረኪ ይኽእል እዩ፣ ከም በዓል ምዕቃብ ጥንሲ፣ ርዕመት ቆልዓን ምንጻል ጥንሲን ዝኣመሰሉ። ዘድልየኪ ክንክን ንኽትረኽቢ ድማ ንውከሳ ከመሓላልፈኪ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ናብ ሓኪም-ማህጸን፣ ቤት-ጽሕፈት ርዕመት ቆልዑት ወይ ናብ ክሊኒክ ጥንሲ። እቲ ሓኪም ውሳኔ ንኽትወስዲ ከገድደኪ ኣይክእልን እዩ፣ ንዓኺ ንምሕጋዝን ሓበሬታ ንኽህበኪን እዩ ኣብኡ ዝርከብ።
ምንጻል ጥንሲ ኣብ ኔዘርላንድ ሕጋዊን ውሑስን እዩ። ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ዳግማይ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ፣ ድሕሪ ሕክምና ጸገም ንኸጋጥም ዘሎ ተኽእሎ ድማ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ብመሰረት ሕጊ ክሳብ 24 ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ማለት ክሳብ እቲ ዕሸል ካብ ኣካልኪ ወጻኢ ብህይወት ክነብር ዝኽእለሉ ግዜ ጥንስኺ ክትንጽልዮ ትኽእሊ ኢኺ። ብተግባር ሓካይም ክሳብ 22 ሳምንታት ኣብ ዘሎ ግዜ እዮም ዝሕግዙኺ። ነቲ ጥንሲ ክትንጽልዮ እንተድኣ ወሲንኪ፣ ብዘይ ክፍሊት ዝወሃብ ስምዒታዊ ሓገዝ ኣሎ። ነቲ ምንጻል ጥንሲ ንኸተመስርሕዮ ምእንቲ ብስምዒታዊ መዳይ ክሕግዙኺ ዝኽእሉ/ላ ሰባት ድማ ኣለዉ/ዋ።
ዘይተወጠነ ጥንሲ ምስ ዘጋጥም ሓገዝ
እዚ መርበብ-ሓበሬታ፣ ዘይተወጠነ ጥንሲ ዘጋጠሞም ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዘድልዮም ሓበሬታን ደገፍን ክረኽቡ ንምሕጋዝ ዝተፈጥረ እዩ።