
ንመንበሪ ፍቓድ ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ኣብ ልዕሊ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሳዕቤናት ኣለዎም፡ ክትገብሮ እትኽእል እንሆ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ቅድሚ 12 ሰነ 2026 ዲኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልኪትካ፣፡ ካብ IND ድማ ውሳነ ትጽበይ ኣለኻ ዲኻ? ከምኡ እውን ከም ሓደ ካልኣዊ ንኡስ ሓለዋ ዝተዋህቦ ሰብ መጠን ዲኻ መንበሪ ፍቓድ ዘለካ? ስለዚ ገና ከም ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን መርምር።
ካብ 12 ሰነ 2026 ጀሚሩ ኣብ ኔዘርላንድ
IND ገና ብዛዕባ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ መመልከቲ ውሳነ ስለዘይወሰደ፣ እቶም ሕግታት ንዓኻ እውን ይምልከቱ እዮም። እዚ፣ IND ውሳነ ኣብ ምሃብ ዝደንጎየ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብዘየገድስ እዩ። ስለዚ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ንዘለዉ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከቱ ሓደስቲ ቅድመ-ኩነታት ስለ ዘይተማልእ፣ IND ንመመልከቲኻ ንኽንነጽጎ ዕድል ኣሎ። ኣብ ከምኡ ኩነታት፣
ብሰንኪ እቲ ሓድሽ ክልተ ደረጃታት ዘለዎ ስርዓት ዝፍጠሩ ፍልልያት ኣየኖት እዮም?
ድሕሪ 12 ሰነ 2026 ከም ካልኣዊ ንኡስ ሓለዋ ዝተዋህቦ ሰብ መጠን መንበሪ ፍቓድ እንተድኣ ረኺብካ፣ ካብ ሰነ ጀሚሩ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከቱ ተወሰኽቲ ቅድመ-ኩነታት ይምልከቱኻ እዮም፡
ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕግታት መጀመርታ መንበሪ ፍቓድካ ድሕሪ ምቕባልካ 2 ዓመት ክትጽበይ ኣለካ። ድሕሪ እተን 2 ዓመታት ጥራይ ኢኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እትኽእል።
ዘይተመርዓኻ/ኺ እንተድኣ ኮይንካ/ኪ መጻምድትኻ/ኺ ድሕሪ ደጊም ናብ ኔዘርላንድ ክ(ት)መጽእ ኣይፍቀደላን/ሉን እዩ። ተናበይቲ ደቅኹምን ልዕሊ-ዕድመ ደቅኹምን እውን ድሕሪ ደጊም ናብ ኔዘርላንድ ክመጹ ኣይፍቀደሎምን እዩ።
IND መጀመርታ እኹል ኣታዊ፣ ከምኡ እውን ናይ ባዕልኻ ገዛ ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይምርምር። እንተድኣ ዘይብልካ ኮይንካ፣ ዋላ እቶም ካልኦት ቅድመ-ኩነታት እንተድኣ ኣማሊእካ እውን፣ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣይጸድቕን እዩ። ገዛኻ ኣብ መዕቆቢ ቦታ ናይ
ክኸውን የብሉን።ማእከላይ ኣካል መዕቆቢ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)
ከም ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካ፣ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ተወሰኽቲ ቅድመ-ኩነታት ኣይምልከቱኻን እዮም።
ዝተፈልየ ናይ መንበሪ ኩነት ማለት ደረጃ እንተድኣ ደሊኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ኣብ ክንዲ ናይ ካልኣዊ ንኡስ ሓለዋ መንበሪ ፍቓድ፣ ናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ክወሃበኒ ነይርዎ ኢልካ ትሓስብ ዲኻ? ምኽንያቱ እታ ዝሃደምካላ ሃገር ንዓኻ ብውልቅኻ ኣዝያ ሓደገኛ ስለ ዝኾነት? ስለዚ እዚ፣ ሃገርካ ንኹሉ ሰብ ሓደገኛ ስለ ዝኾነት ዘይኮነስ፣ ንስኻ ንባዕልኻ ኣብ ሓደጋ እትርከብ ስለዝኾንካ ማለት እዩ። ንኣብነት ብሰንኪ ዓሌትካ፣ ብሃይማኖትካ ወይ ብፖለቲካዊ እምነትካ ስለ ዝተሰደድካ። ከምኡ ምስ ዝኸውን፣ ነቲ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ዝሕግዘካ ጠበቓ ተወከስ። ናብ ቤት-ፍርዲ ምኻድ ተመራጺ ምዃኑን ዘይምዃኑን ድማ ሕተቶ። እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ግበሮ፣ ምኽንያቱ IND ገና ውሳነ ኣይወሰደን ስለዘሎ። ጠበቓኻ ግዜ እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ፣ ካልእ ጠበቓ ድለይ።
ጠበቓኻ እንታይ ክገብር ይኽእል?
ጠበቓኻ ኣንጻር እቲ ከም ካልኣዊ ንኡስ ሓለዋ ዝረኸበ ሰብ መጠን መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ዝተዋህበ ውሳነ ብስምካ ናብ ዳኛ
ጠበቓኻ ንዳኛ 'ዳግመ-ግምት' ንኽግበር እውን ክሓትት ይኽእል እዩ
ጠበቓኻ ምስቲ ኣንጻር ውሳነ ናይ IND ዘቕረቦ ይግባይ፣ ብተወሳኺ ንዳኛ 'ምምሕዳራዊ ዳግመ-ግምት' ንኽግበር ክሓትት እውን ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ዳኛ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነዋህበ ውሳነ ዳግመ-ግመት ክገብረሉ ትሓቶ ኣለኻ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ IND ዝተፈለየ ውሳነ ክወስድ ዝነበሮ ምዃኑን ዘይምዃኑን። ይኹን እምበር፣ ብሓቂ ዝተፈልየ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ከም ዝነበሮ ማለት ምዃኑ ዘረጋግጹ ሓደስቲ ሓቅታትን ኩነታትን ከምዘለዉ ንዳኛ ከተርኢ ኣለካ። ጠበቓኻ ንኣብነት እቲ ክልተ ደረጃታት ዘለዎ ስርዓት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽ ኩነታት ከም ዝፈጠረ ክማጎት ይኽእል። ቅድሚ 12 ሰነ 2026 ኣየናይ ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ከም ዝነበረካ ፍልልይ ከም ዘይነበሮን፣ ሕጂ ግን IND ገና ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ ውሳነ ስለዘይወሰደ ኣገዳሲ ምዃኑን። ከምኡ እውን ከም ውጽኢቱ፣ እቲ ሓድሽ ሕግታት ሃንደበት ንዓኻ እውን ዝምልከት ዝተገብረ ምዃኑ።
ውሳነ ናይ ዳኛ ዝለዓለ ትርጉም ኣለዎ
ዳኛ ጠበቓኻ ይግባይ ክብል ይፈቅድ ድዩ ኣይፈቅድን ንጹር ኣይኮነን። ብወግዒ ንውሳነ IND ይግባይ ክትብል ደንጉኻ ኢኻ። ኩሉ ግዜ ካብቲ ውሳነ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከምኡ ክትገብር ኣለካ። እቲ ዳኛ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ኩነታት ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ውሳነ ዳግማይ ክሓስበሉ ፍቓደኛ ድዩ ኣይኮነን እውን ንጹር ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ንኽልቲኡ ክትፍትን ይምከር፡ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ናይ ስድራቤት ምጥርናፍ መመልከቲኻ ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕግታት ናይ ምንጻግ ዕድል ኣሎ።
IND ሓድሽ ውሳነ ክወስድ ኣለዎ
ዳኛ ይግባይ ክትብል እንተፈቒዱካን ምሳኻ እንተተሰማሚዑን፡ IND ጉዳይካ እንደገና ክምርምሮን ሓድሽ ውሳነ ክወስድን ኣለዎ። ብድሕሪኡ IND ንባዕልኻ ከም ስደተኛ ኣብ ኔዘርላንድ ብመሰረት ሕግታት ውዕል ስደተኛታት ሓለዋ ክትረክብ መሰል ኣለካ ድዩ ኣይግባእን ዳግማይ ክግምግም እዩ።
ስለዚ ሕጂ’ውን ብመሰረት ውዕል ስደተኛታት ስደተኛ ምዃንካን ኣብ ትሕቲ ሓደ ካብቲ ኣብኡ ተጠቒሱ ዘሎ ምኽንያት ስደት ከም እትወድቕን ከተረጋግጽ ክትክእል ኣለካ። እንተዘይኮይኑ ከም ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ፈጺምካ ኣይትረክብን ኢኻ። ኣብታ ዝሃደምካላ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከምዘለኻ ከተረጋግጽ እንተዘይክኢልካ፡ IND ከም ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ምሃብ መሊሱ ክኣቢ እዩ።
ኣብታ ዝሃደምካላ ሃገር ንዓኻ ብውልቅኻ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ኣለዎ
ይግባይ ምባል ወይ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ምሕታት ትርጉም ዘለዎ ኣብታ ዝሃደምካላ ሃገር ኣብ ውልቃዊ ሓደጋ ከም ዘለኻ ከተረጋግጽ እንተኽኢልካ ጥራይ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ናብ ጠበቓኻ ከይድካ ስጉምቲ ምውሳድ ትርጉም ኣለዎ ድዩ ኢልካ ምሕታት እዩ።