መስርሕ ዱብሊን፡ ኣቐዲምካ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እንተኾንካ መስርሕ ዑቕባ ብኸምዚ እዩ ዝፍጸም
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ እትሓቶ ዑቕባ ዕዉት ንኸይከውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ድሕሪኡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብታ ቀዳመይቲ ዝሓተትካላ ሃገር ክትምለስ ኣለካ። እዚ 'መስርሕ ዱብሊን' ይበሃል። እዚ መስርሕ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።