ካብ 8 ክሳብ 21 ሰነ 2026፡ ኣብ ኣምስተርዳም ናብ ዝካየድ 'Refugee Welcome Week' ምጻእ ኣብ ኣምስተርዳም ዝካየድ ናይ ስደተኛታት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ሰሙን 'Refugee Welcome Week (RWW)' ኣብ ሰኑይ ዕለት 8 ሰነ ክጅምር እዩ፣ ክሳብ 21 ሰነ ድማ ክጸንሕ እዩ። ብዛዕባ ኣብቲ ሰሙን ዝካየድ ፍጻመታት ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ንጥፈት 5 ሰነ 2026
ዝድለዩ፡ ኤውሮጳዊ መበቆል ዘይብሎም ለገስቲ Stichting Donor van Ons ኤውሮጳዊ መበቆል ዘይብሎም ሰባት ለገስቲ ይደሊ ኣሎ። ኣብ መንጎ ለገስቲ ደም፣ ፈርዒ ዋህዮታት ማለት ስተም-ሴል ወይ ክፍለ-ኣካል ዝዓበየ ብዙሕነት ምህላው፣ ሆስፒታላት ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም ሕሙማት ብቕልጡፍን ብዝበለጸን ክሕክማ ይሕግዘን እዩ። ዜና 1 ሰነ 2026
ብሰንኪ ጎነጽ ዝመልኦ ሰልፍታት ብዙሕ ዘይምርግጋእ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኣብ ኔዘርላንድ ኣንጻር መዕቆቢ ሓተትቲ ዑቕባ ዝቃወም ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ። ገሊኦም ሰልፊታት ናብ ዓመጽ፣ ዕንወትን ምብጋስ ባርዕ ሓዊን ዓሪጎም። ፖሊስ ኣብ ዓመጽ ዝመልኦ ሰልፍታት ጣልቃ ይኣቱው እዩ፣ በዚ ድማ ወጥሪ ዘለዎ ወይ ውሕስነት ዘይብሉ መሲሉ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ዜና 18 ግን 2026
ኣበዓዕላ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ዕርገትን ጴንጠቆስጠን ወግዓዊ በዓላት እዮም። ኣብዚ ዓመት መዓልቲ ዕርገት ኣብ ሓሙስ 14 ግንቦት፣ ጴንጠቆስጠ ድማ ኣብ ሰንበት 24 ግንቦትን ሰኑይ 25 ግንቦትን 2026 እዮም ዝውዕሉ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዘን መዓልታት ዝበዝሑ ሰባት ምስራሕ ኣየድልዮምን እዩ፣ ነዞም በዓላት ድማ የብዕሉ። ዜና 11 ግን 2026
ኣብ መዓልቲ ሓርነት ናጽነት ምጽንባል፡ 5 ግንቦት 5 ግንቦት ኣብ ኔዘርላንድ መዓልቲ ሓርነት እዩ። ኣብዚ ዕለት እዚ ኔዘርላንድ፣ 2ይ ኲናት ዓለም ኣብ 1945 ኣብ ኔዘርላንድ ዘብቅዓሉ ዕለት ትጽምብል። ሰባት ድማ ሓርነት ከም ተራ ንቡር ነገር ዝረኣይ ዘይምዃኑ ይዝክሩ። ኔዘርላንዳውያን ንመዓልቲ ሓርነት ብኸመይ ከም ዝጽምበሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 5 ግን 2026
ኣብ እዋን መዓልቲ ዝኽሪ 4 ግንቦት ንግዳያት ኲናት ምዝካር ነፍስወከፍ ዓመት ዕለት 4 ግንቦት ኔዘርላንድ ንግዳያት 2ይ ኲናት ዓለም ሓዊሱ ንግዳያት ኲናት ትዝክር። እዚ ድማ መዓልቲ ዝኽሪ ይበሃል። ኣብዚ ዓንቀጽ፣ መዓልቲ ዝኽሪ እንታይ ማለት ምዃኑን እንታይ ከም እተስተብህልን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 28 ሚያ 2026
ሓድሽ ፖሊሲ ንሶርያ፡ ዳግመ-ግምገማ የለን፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ድሩዝ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ፕሮፋይል ብዕለት 22 ሚያዝያ 2026 ሚኒስተር ዑቕባን ስደትን ንሶርያውያን ዝምልከት ፖሊሲ ይቕየር ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ድሩዝ ካብ ሕጂ ንደሓር ከም ሓደጋ ፕሮፋይል ይቑጸሩ። ፍቓድ ዑቕባ ድሕሪ ሕጂ ዳግማይ ኣይግምገምን ዘሎ። ዜና 24 ሚያ 2026
መዓልቲ ንጉስ ኣብ ሰኑይ 27 ሚያዝያ፡ ጽንብል ብኣራንሾኒ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ኣብ ዕለት 27 ሚያዝያ ንዕለተ-ልደት ንጉስ ቪለም-ኣሌክሳንደር ተብዕል እያ። እዚ ሃገራዊ በዓል ድማ መዓልቲ ንጉስ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኔዘርላንድ ንመዓልቲ ንጉስ ብኸመይ ከም እተብዕሎ ኣብዚ ታሕቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 23 ሚያ 2026