እቲ ሙሚን ዘመልከቶ ዑቕባ ተነጺጉ እኳ እንተሎ፣ ንሱ ግን ንቕድሚት ምጥማት ኣየቋረጸን፡ 'እቲ ቀዳማይ ክገብሮ ዝደሊ ነገር ላዕለዋይ ትምህርቲ ምክትታል እዩ።' ተመኩሮታት 1 መስ 2026
IND ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ቅድሚ 12 ሰነ ንዝቐረቡ ናይ ዑቕባ መመልከቲታት ብዝተፈለየ ኣገባብ የመስርሕ ካብ 1 ጥቅምቲ ጀሚሩ IND፣ ቅድሚ 12 ሰነ 2026 ንዝቐረቡ ዝያድ ናይ ዑቕባ መመልከቲታት ከመስርሕ እዩ። እዞም መመልከቲታት ብኣየናይ ቅደም ተኸተል ከም ዝግምገሙ ኣንብብ። ዜና 17 ነሓ 2026
ኣብ ተፈጥሮ ክትሕንብስ እንተድኣ ኮይንካ ክትፈልጦ ዘለካ ኣብ ኔዘርላንድ ጽቡቕ ኩነታት ኣየር ስለዘሎ ሰባት ንኽዝሕሉ ናብ ምሕንባስ ክኸዱ ደስ ይብሎም። ንስኻ እውን ክትሕንብስ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ማይ ምሕንባስ ዘስዕቦ ሓደጋታት ብግቡእ ኣስተብህለሎም። ዜና 29 ሓም 2026
መንግስቲ ኔዘርላንድ ካብ ወርሒ ጥሪን ሓምለን 2026 ጀሚሩ ንኣታዊን ስራሕን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ኣለዎ ኣብ 2026 መንግስቲ ንደሞዝ፣ ኣታዊን ስራሕን ዝምልከቱ ዝተፈላለየ ሕግታት ቀይሩ። ገሊኦም ሕግታት ኣብ 1 ጥሪ፣ ገሊኦም ድማ ኣብ 1 ሓምለ ተቐይሮም። እዚ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ኔዘርላንድ ሳዕቤናት ኣለዎ። ብልክዕ እንታይ ከም ዝተቐየረ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣብሪህናዮ ኣለና። ዜና 21 ሓም 2026
ኣብዚ ክረምቲ 'Pride' ኣብ ኔዘርላንድ ጸምብል ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ዓመት ፕራይድ 'Pride' ክትጽምብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ዝግበር። ኣብ ኣምስተርዳም 'Pride Walk' ቀዳም 25 ሓምለ ክካየድ እዩ፣ ቀዳም 1 ነሓሰ ድማ እቲ ህቡብ 'Canal Parade' ክግበር እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ፍጻመታት ከም ዘለዉ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ዜና 20 ሓም 2026
ክረምታዊ ዕረፍቲ ጀሚሩ ኣሎ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽየን፣ ደስ ብዝብሉ ክረምታዊ ንጥፈታት ናይ ምዝንጋዕ ግዜ ክረምታዊ ዕረፍቲ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ማለት ቆልዑት ካብ ትምህርቲ ነጻ እዮም ማለት እዩ። ሕጂ ኣብ ጎደናታት ዝያዳ ህድኣት ክህሉው እዩ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ክትገብሮም እትኽእል ብዙሓት ዘዘናግዑ ንጥፈታት ድማ ኣለዉ። ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ክረምታዊ ዕረፍቲ ክትፈልጦም ዘለካ ኣገደስቲ ነገራት ክትረክብ ኢኻ። ዜና 15 ሓም 2026
ጣሃ ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ካብ ሶርያ ሃዲሙ፡ "ድሕሪ ነፍስወከፍ ፋይል ሰብ ኣሎ"። ጣሃ (19) ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ካብ ሃማ ሶርያ ብዘይ ወለዱ ናብ ኔዘርንድ መጺኡ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ተማሂሩ፣ ከምኡ እውን ናይ መጀመርታ ዲፕሎማ ረኺቡ። ሕጂ ድማ ዳርጋ 2.5 ዓመት ድሕሪ ምጽባይ፣ ኣብ ብዛዕባ ዘመልከቶ ዑቕባ ኣሉታዊ ውሳነ ተቐቢሉ። “ስለዚ እዩ እዚ ውሳነ ኣዝዩ ዘሕምም።” ተመኩሮታት 14 ሓም 2026