ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland
ዓንቀጽ

'ንናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' ዝኾኑ ሰነዳት ምእካብን ከም ዝትርጎሙ ምግባርን

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 6/11/2026 11:41

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እተመልክተሉ እዋን ሓያሎ መረጋገጺ ሰነዳት ናብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ክትሰድድ ኣለካ። እዚኦም መንነት ኣባል ስድራ-ቤትካን፣ ኣብ መንጎኻን እቲ ኣባል ስድራ-ቤትካን ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ከምዘለኩም ዘረጋግጹ ሰነዳትን እዮም።

'ንናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' ዝኸውን ውልቃዊ ሰነዳት ምርካብ

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ

፣ ምስ መመልከቲኻ ኣተሓሒዝካ ክትልእኮም ብዛዕባ ዘለካ ሰነዳት ዝምልከት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ይርከብ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝኾነ ሰነድ የብሉን ድዩ? ስለዚ ብዛዕባ እዚ ኣብ መመልከቲኻ መብርሂ ክትህብ ኣለካ። 

ኣስተውዕል፡ ቅዳሓት ናይ ሰነዳትካ ጥራይ ምስ መመልከቲኻ ኣተሓሒዝካ ስደድ። እቲ መመልከቲኻ ንIND ምስ በጽሖ፣ ደብዳቤ (ናይ ምቕባል መረጋገጺ) ክመጸካ እዩ። ምስዚ ደብዳቤ ድማ ነቶም IND ዝሓተተካ ኦርጅናል ሰነዳት ንምልኣኽ ክትጥቀመሉ ዘለካ ጥብቆ ክትረክብ ኢኻ። ብድሕሪኡ IND ነዞም ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘረጋግጹ ኦርጅናል ሰነዳት ክምርምሮም እዩ። ስለዚ ምስቲ መመልከቲኻ ኦርጅናል ሰነዳት ናብ IND ፈጺምካ ኣይትስደድ። የግዳስ ነቲ ኦሪጅናል ሰነዳት ንኽትሰድድ ዝሓትት ደብዳቤ ክሳብ እትቕበል ተጸበይ። ኣብዚ ታሕቲ ኣብ ትሕቲ 'ናይ ምቕባል መረጋገጺ' ዝብል ኣርእስቲ ተወሳኺ ኣንብብ።

ወግዓዊ ዓዳሚ ምዃንካ እትገልጸሉ ሰነድ  

IND ወግዓዊ ዓዳሚ ማለት ስፖንሰር ምዃንካ ብወግዒ ክትገልጽ ይጠልብ እዩ። እዚ ማለት ንስኻ ነቲ ኣባል ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ እትደሊ ኣመልካቲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኢኻ ማለት እዩ። ነዚ 'ጥብቆ መግለጺ ወግዓዊ ዓዳሚ (ስድራ-ቤትን ስድራን)

' ሓቲምካ ኣውጽኣዮ፣ ምልኣዮ፣ ከምኡ እውን ክታምካ ኣንብረሉ።

ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝኸውን ውልቃዊ ሰነዳት ምርካብ

IND ምስቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ውልቃዊ ሰነዳት ንኸተረክብ ይሓትት እዩ። እዞም ዝስዕቡ ናትካ ወይ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ሰነዳት ከተቕርብ ድማ ኣለካ፡

1. ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሳእለ ናይ ፓስፖርት ስእሊ

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሳእለ ናይ ፓስፖርት ስእሊ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ናይ ፓስፖርት ስእሊ እንተድኣ ዘይብሉ ኮይኑ ካልእ ንጹር ስእሊ ናይ ገጹ/ጻ ከተረክብ ትኽእል ኢኻ።

2. ቅዳሕ ናይ መንነት ሰነድ ናይ ኣባል ስድራቤትካ

ቅዳሕ ናይ ቅድሚትን ናይ ድሕሪትን ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ መረጋገጺ መንነት። እዚ ፓስፖርት እንተኾይኑ ይምረጽ። ነቶም ናይቲ መረጋገጺ መንነት ገጻት፣ ማለት እቶም ብዛዕባ መንነትን እቲ መረጋገጺ መንነት ዘገልግለሉ ንውሓት ግዜን ዝምልከት ሓበሬታታት ዝሓዙ ገጻት ጸዓኖም ማለት ኣፕሎድ ግበሮም። ቅዳሕ ናይቶም ናይ መገሻ ማሕተማት ዘለዎም ገጻት እውን ኣረክብ።

3. 'Handtekening upload' ዝብል ቅጥዒ

ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ናይ ገዛእ-ርእስኻ 'Handtekening upload'

። እዚ ቅጥዒ MVV ንምርካብ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ንዝቐርብ መመልከቲ ጥራይ እዩ ዘድሊ። ነዚ ቅጥዒ ሓቲምካ ከተውጽኦ፣ ባዕልኻ ክትፍርሞን ብድሕሪኡ ብፎቶ ክተልዕሎን ኣለካ። ብድሕሪኡ ነቲ ፎቶ ኣብቲ ዲጂታላዊ ናይ MVV መመልከቲ ክትጽዕኖ ማለት ኣፕሎድ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ነቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ብጽሑፍ ቅጥዒ እትገብሮ ኮይንካ፣ እዚ ቅጥዒ እዚ ኣየድልየካን እዩ። ምኽንያቱ ድሮ ነቲ ናይ ጽሑፍ መመልከቲ ቅጥዒ ባዕልኻ ክትፍርመሉ ስለዝኾንካ። 

4. ናይ ገበን ድሕረ-ባይታ መግለጺ

ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን

። እዚ መግለጺ እዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸመ ዝእውጀሉ መግለጺ እዩ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ነዚ ቅጥዒ ባዕሉ ክመልኦ፣ ሓቲሙ ከውጽኦን፣ ክፍርመሉን ኣለዎ፣ ብድሕሪኡ ድማ ክሰደልካ ኣለዎ። እዚ ብዲጂታል ወይ ብፖስታ ክግበር ይከኣል እዩ። እቲ ናይ ገበን ድሕረ-ባይታ መግለጺ ዘድልይ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ 12 ዓመትን ልዕሊኡን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

5. መግለጺ ኩነት ሓዳር

ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን 'መግለጺ ኩነት ሓዳር

'። እዚ መግለጺ እዚ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናይ ሓዳር ኩነቱ እንታይ ምዃኑን፣ ከምኡ እውን ንነዊሕ እዋን ቀዋሚ ሓዳር ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝሕብረሉ መግለጺ እዩ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ነዚ መግለጺ ባዕሉ ብኢንተርነት ክመልኦ፣ ሓቲሙ ከውጽኦን ክፍርመሉን ኣለዎ፣ ብድሕሪኡ ድማ ተመሊሱ ናባኻ ክሰዶ ኣለዎ። ብዲጂታል ወይ ብፖስታ ተመሊሱ ክለኣኽ ድማ ይከኣል እዩ። እዚ መግለጺ እዚ ንነፍስወከፍ ዕድሚኡ 15 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾነ ኣባል ስድራ-ቤት የድልይ እዩ። ናይ ባዕልኻ መጻምድቲ ነዚ መግለጺ ክትመልእ ኣየድልያን እዩ።

6. ቅጥዕታት ከም ዝፍረሙ ግበር

ነቶም ኣባላት ስድራ-ቤትካ ክፍርምሎም ዘለዎም ቅጥዒታት፣ ናብ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብኢ-መይል ወይ ብዋትስኣፕ ክትሰደሎም ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ንሳቶም ነዞም ቅጥዕታት ሓቲሞም ከውጽእዎም፣ ክፍርምሎምን፣ ተመሊሶም ክልእኩልካን ኣለዎም (ንኣብነት ብስእሊ/ስካን ብመንገዲ ዋትስኣፕ ወይ ኢ-መይል)።

'ናይ ዑቅባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' ኣብ እተመልክተሉ እዋን ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘረጋግጹ ሰነዳት ምርካብ

ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ከም ዘለካ እውን ከተረጋግጽ ኣለካ። እዚ በዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ክግበር ይከኣል፡

1. ንበዓልቲ-ቤትካ/በዓል-ቤትኪ

  • ቅዳሕ ናይ ሕጋዊ ምስክር ወረቐት መርዓ፣ ወይ ቅዳሕ ናይቲ ነዚ ቃል-ኪዳን ዘረጋግጽ ካልእ መርትዖ (ናይ ስድራ-ቤት ክብሪ መዝገብ)፣ ወይ፤

  • ቅዳሕ ናይ ሃይማኖታዊ/ባህላዊ ናይ ቃል-ኪዳን ምስክር ወረቐት፣ ነዚ ቃል-ኪዳን ዘረጋግጽ ካልእ መርትዖ (ናይ ስድራ-ቤት ክብሪ መዝገብ)፣ ወይ፤

  • እቲ ሃይማኖታዊ/ባህላዊ ሓዳር ኣብ መበቆል ሃገር መጻምድትኻ ከምዝተመዝገበ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ (እዚ ዝከኣል እዚ ምዝገባ ኣብታ ዝተመርዓኻላ ሃገር ልሙድ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ)፣ ወይ፤

  • ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ጥብቆ ‘ዝርዝር-ሕቶታት ስዒቡ ንዳግመ-ውህደት ዝመጽእ ናይ (ቃል-ኪዳን) መጻምድቲ

    ’።

2. ንወላዲኻ (ወለድኻ)፡

  • ቅዳሕ ናይ ልደት ምስክር ወረቐትካ፣ ወይ ካልእ ምስ ወላዲኻ (ወለድኻ) ዘለካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘረጋግጽ ሰነድ። ንኣብነት ናይ ስድራ-ቤት ክብረ-መዝገብ፤

  • ኣብ ኔዘርላንድ ሞግዚትካ መን ምዃኑ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ (ንኣብነት ኣብ Nidos ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ)፤

  • ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን ጥብቆ 'መመልከቲ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት

    ።'

3. ንባህርያዊ ትሕቲ ዕድመ ውላድካ (ደቅኻ)፡

  • ቅዳሕ ናይ ውላድካ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት፣ ወይ ምስ ውላድካ ንዘለካ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘረጋግጽ ቅዳሕ ካልእ መርትዖ፤

  • ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመ ጥብቆ 'መመልከቲ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት

    '፤

  • ባህርያዊ ውላድካ 15 ዓመት ድዩ ዕድሚኡ? ስለዚ ምሉእ ብምሉእ ዝተመልአን በቲ ቆልዓ ዝተፈረመን ጥብቆ 'መግለጺ ኩነታት ሓዳር

    ' እውን ምስኡ ኣተሓሒዝካ ለኣኽ።

  • እቲ ካልእ ወላዲ ናይቲ ባህርያዊ ውላድካ ኣብ ወጻኢ ሃገር ድያ ትነብር? ስለዚ ውላድካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽከይድ ፍቓድ ክትህብ ኣለዋ። ብዛዕባ እዚ ድማ እዚ ዝስዕብ የድልይ፡

  • ቅዳሕ ናይቲ ብህይወት ዘሎ ወላዲ መንነት መረጋገጺ። እዚ መርትዖ ፌርማ ናይቲ ብህይወት ዘሎ ወላዲ ከጠቓልል ኣለዎ፤

  • ኣብ መንጎ ውላድካን ወላድን ዝተገደፈ ስድራቤታዊ ርክብ ዘርኢ ቅዳሕ መርትዖ፤

  • በቲ ድሕሪት ዝተረፈ ወላዲ ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን ጥብቆ ‘መግለጺ ፍቓድ ድሕሪት ናይ ዝተረፈ ወላዲ

    ’፣ ወይ ድማ ብኣኻ ምሉእ ብምሉእ ተመሊኡ ዝተዛዘመን ዝተፈረመን ጥብቆ ‘መግለጺ ፍቓድ ድሕሪት ናይ ዝተረፈ ወላዲ ናይ ዘይምህላው መግለጺ’።

4. ንትሕቲ ዕድመ ዝተራዕመ(ሙ) ውላድካ (ደቅኻ)፣ ወይ ናትካ/ኪ ወይ ናይ በዓልቲ-ቤትካ ወይ በዓል-ቤትኪ ባህርያዊ ውላድ (ቆልዑት)፡

ኣስተውዕል፡ ስለዚ መጀመርታ ምስ መመልከቲኻ ከተቕርቦም ናይ ዘለካ ኩሎም ሰነዳት ቅዳሕ ጥራይ ኢኻ ክትሰድድ ዘለካ። ኦርጅናል ኣይትስደድ። IND ድሒሩ ነቲ ኦርጅናል ሰነዳት ንኽትልእኽ ክሓተካ እዩ፣ ብዘይካ ፓስፖርት ወይ ካልእ መለለዪ መንነት ናይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ።

ነቶም ሰነዳት ናብ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ ወይ ጀርመን ኣተርጉሞም

ኩሎም እትሰዶም ሰነዳት ብቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ጀርመን፣ ወይ ፈረንሳ ዝተጻሕፉ ክኾኑ ኣለዎም።

እቶም ሰነዳት ብኻልእ ቋንቋ ዝተጻሕፉ ድዮም? ስለዚ እቲ ናይ ወረቐት ወይ ዲጂታላዊ (ስካን ወይ ፎቶ) ሰነዳት ኣብ ኔዘርላንድ ቃለ-መሓላ ብዝፈጸመ ተርጓሚ ክትርጎም ኣለዎ። ስለዚ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ትርጉም ቅቡል ኣይኮነን

'መዝገብ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸሙ ኣተርጎምትን ተርጎምትን (RBTV)'

እቶም ክትመርጾም እትኽእል ተርጎምቲ ኣብ 'መዝገብ ቃለ-ማሕላ ኣተርጎምትን ተርጎምትን' (Rbtv)

ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መዝገብ ብቋንቋታት ኔዘርላንድን እንግሊዝን ክትደልይ ድማ ትኽእል ኢኻ።

ሰነድካ ካብ ኣየናይ ቋንቋ ናብ ኔዘርላንድ ክትርጎም ከም ዘለዎ ኣብኡ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከባቢኻ ድማ ተርጓሚ ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ ስም፣ ኢ-መይልን ቁጽሪ ተሌፎንን ናይቶም ክትረኽቦም እትኽእል ተርጎምቲ ክትርእይ ኢኻ።

መጀመርታ ነቶም ትርጉማት ክንደይ ወጻኢታት ከም ዝሓትት ነቲ ተርጓሚ ምሕታት ሓጋዚ እዩ፣ ስለዚ ድማ ክንደይ ዝኣክል ባጀት ኣብ ግምት ከተእቱው ከምዘለካ ትፈልጥ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር