ኣርእስታት

show menu options

TI

ትግርኛ

Tigrinya




ሓኪም-ስኒ ንኣፍ ናይ ሓደ ተሓካማይ ይምርምር
ምንጪ፡ Andrea Piacquadio

ክንክን ጥዕና ኔዘርላንድ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 13/12/2023 2:01 ድ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ክንክን የድልየካ ድዩ? ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ መጀመርታ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ኢኻ ትኸይድ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ድማ ናብ ካልእ ክንክን ንውከሳ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ። ህጹጽ ክንክን ንምርካብ ጥራይ ኢኻ ብቕጽበት ናብ ናይ ህጹጽ ረድኤት ቁጽሪ ክትድውል ወይ ናብ ነቚጣ ሓካይም ክትከይድ እትኽእል። ክንክን ጥዕና ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።

ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱው ኩነታት ምስ ዝህሉው ናብ 112 ደውል

ንስኻ ባዕልኻ፣ ወይ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ሰብ ድዩ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱው ኩነታት ዘሎ? ስለዚ ናብ 112 ደውል። ሽዕኡ ተቐባሊት ተሌፎን ናይ ማእከል ህጹጽ ረድኤት ክትረክብ ኢኻ። እንታይ ከም ዘጋጠመ ግለጽ፣ ከምኡ እውን ንሕቶታት ናይታ ተቐባሊት ተሌፎን መልስ።

ማእከል ህጹጽ ረድኤት ኣምቡላንስ ክሰድድ ይኽእል እዩ። እታ ኣምቡላንስ ንዓኻ ወይ ነቲ ትድውለሉ ዘለኻ ሰብ ናብ ሆስፒታል ክትወስዶ ትኽእል እያ። ሓካይም ናይታ ኣምቡላንስ እውን ቕጽበታዊ ሕክምናዊ ሓገዝ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ማእከል ህጹጽ ረድኤት ኣምቡላንስ ኣይሰድድን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ክንገረካ እዩ። ንኣብነት ናብቲ ኣብቲ ከባቢኻ ዝርከብ ትካል ሓፈሻዊ ሓኪም። ስለዚ መጓዓዝያ ባዕልኻ ከተዋድድ ኣለካ።

ሓፈሻዊ ሓኪም

ኣብ ኔዘርላንድ ህጹጽ ንዘይኮኑ ናይ ጥዕና ጸገማት ብዝምልከት ኩሉ ግዜ መጀምርታ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክትከይድ ኣለካ። እዚ ድማ ነፍሰጾር እንተድኣ ኮይንኪ፣ ሕክምናዊ ምኽሪ ምስ ዘድልየካ፣ ወይ ከም በዓል ጸገም ድቃስ፣ ራዕዲታትን ጭንቀትን ዝኣመሰሉ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ምስ ዝህልወካ ተፈጻምነት ኣለዎ።

ንኣብነት ሰዓል እንተድኣ ኣጋጢሙካ ብቀጥታ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክትከይድ ኣየድልየካን እዩ። ካብ ቤት-መድሃኒት ወይ ቤት-መሸጣ መድሃኒት፣ መድሃኒት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሰዓል እንተድኣ ዘይሓደገካ ግን ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ቆጸራ ትገብር።

ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም ምምዝጋብ

ቅድሚ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪም ቆጸራ ምሓዝካ፣ መጀመርታ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክትምዝገብ ኣለካ። ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ብኸመይ ክትከይድ ከም እትኽእል ኣይትፈልጥን ዲኻ? ስለዚ ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ንዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ንማሕበራዊ ኣማኻሪኻ፣ ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ክትከዶ እትኽእል ሓፈሻዊ ሓኪም ኣበይ ምዃኑ ሕተት። ናብዚ ሓፈሻዊ ሓኪም ንኽትከይድ ውዕል መድሕን ጥዕናኻ ብቚዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምቚጽጻር ድማ ጽቡቕ እዩ።

ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም ተመዝጊብካ ኣለኻ ዲኻ? ስለዚ ቆጸራ ክትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ትድውል፣ ከምኡ እውን ብመንገዲ ተሓጋጋዚት ኣቢልካ ቆጸራ ትሕዝ። ኣብቲ ናይ ምኽሪ ሰዓት ድማ ምስቲ ሓፈሻዊ ሓኪም እንታይ ከም ዘጋጠመካ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ ካልእ ፍሉይ ክንክን ንውከሳ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ።

ሓኪም-ስኒ

ኣብ ኣስናንካ ጸገማት ምስ ዝህልወካ ናብ ሓኪም-ስኒ ትኸይድ። ዋላ ጸገማት እንተዘይብልካ እውን ቚጽጽር ንምግባር ናብ ሓኪም-ስኒ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኦም ኔዘርላንዳውያን ቚጽጽር ንምግባር ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ናብ ሓኪም-ስኒ ይኸዱ። ልክዕ ከምቲ ናይ ሓፈሻዊ ሓኪም ድማ፣ ኣብ ሓኪም-ስኒ እውን መጀመርታ ክትምዝገብ ኣለካ።

ወጻኢታት ናይ ሓኪም-ስኒ

እቲ ንሓኪም-ስኒ ዝኸውን ወጻኢታት ኣብቲ መሰረታዊ ሸፈነ ናይቲ መድሕን ጥዕና፣ መሕወይ ክፍሊት ኣይግበረሉን እዩ። ነዚ ብዝምልከት ድማ መመላእታ መድሕን ጥዕና ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ የብልካን ድዩ? ስለዚ ንኹሉ ወጻኢታት ናይቲ ሓኪም-ስኒ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ።

ክሳብ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ግን መብዛሕትኡ ወጻኢታት ናይ ሓኪም-ስኒ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ብመድሕን ጥዕና ይሽፈን እዩ።

ነቚጣ ሓካይም ንህጹጽ ክንክን

እቲ ናይ ሓፈሻዊ ሓኪም ትካል ተዓጽዩ ድዩ፣ ግን ድማ እቲ ክትሓቶ ዝደለኻ ሕክምናዊ ሓገዝ ክሳብ ንጽባሒቱ ወይ ክሳብ ድሕሪ ቀዳመ-ሰንበት ክጽበይ ኣይክእልን ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብቲ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ነቚጣ ሓካይም huisartsenpost ደውል። ሓፈሻዊ ሓኪም ነጻ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ሰባት ኣብቲ ነቚጣ ሓካይም ኣብ ምሸትን ኣብ ቀዳመ-ሰንበትን ሓገዝ ይረኽቡ።

ኣብ እዋን እቲ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ሰራሕተኛታት ናይ ነቚጣ ሓካይም ናብኡ ክትመጽእ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን፣ ወይ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ቆጸራ ክትሕዝ ከም እትኽእል ክሕብሩኻ እዮም። እቲ ነቚጣ ሓካይም ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ናይ ሓደ ሆስፒታል እውን ንውከሳ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ። 

ኣስተውዕል፡ ቅድሚ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምኻድካ ኩሉ ግዜ ምስ ናትካ ነቚጣ ሓካይም ርክብ ግበር። ብዘይካ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱው ኩነታት ምስ ዝህሉው። ከምኡ ምስ ዝኸውን ንኣምቡላንስ ናብ 112 ደውል።

ነጻ ኣተርጓሚ ኣብ ክንክን ጥዕና

እዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ቪድዮ፣ ክንክን ጥዕና ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ዝገልጽ እዩ።

ንናትና ኩኪስና ኣይተቐበልካዮን ኣለኻ። ስለዚ ኣብ መርበብ-ሓበሬታና ናይ www.youtube.com ቪድዮታት ክትርእይ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ቪድዮ ኣብ Youtube ረኣዮ፣ ወይ ንናትና ኩኪስና ተቐበሎ። YouTube.com

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?