ምንጪ፡ RefugeeHelp / Youssef Amakran
ዓንቀጽ

ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሕናት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 1/12/2026 4:06 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ንነብስኻን ንብረትካን ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕል መድሕናት ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም መድሕናት ግዴታ እዮም። ካልኦት ድማ ክህልዉኻ ጠቐምቲ እዮም። ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ዓይነታት ውዕል መድሕናት ከምዘለዉ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መድሕን ምስ ሓደ ናይ መድሕን ትካል ዝግበር ውዕል እዩ

ምስቲ ናይ መድሕን ትካል ውዕል መድሕን ንዝኣተኻሉ ዝምልከት ገለ ነገር እንተድኣ ኣጋጢሙ፣ እቲ ናይ መድሕን ትካል ገንዘብ ይህበካ። ንኣብነት ሓሚምካ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ እንተድኣ ተገዲድካ ወይ ድማ ብድንገት ኣብ ገዛ ናይ ካልእ ሰብ ገለ ነገር እንተድኣ ሰቢርካ።

ነቲ ዝኣተኻዮ ውዕል መድሕን ዝኸውን ገንዘብ ትኸፍል። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ክግበር ኣለዎ። እዚ "ክፍሊት ውዕል መድሕን" ይበሃል። ካብቲ ናይ መድሕን ትካል ድማ መድሕን ከም ዘለካ መርትዖ ክትረክብ ኢኻ። እዚ "መርትዖ ውዕል መድሕን" ይበሃል። ኣብኡ ድማ ኣየናይ መድሕን ከም ዘለካን ብልክዕ እንታይ መድሕን ከም እትረክብን ተጠቒሱ ይርከብ።

ውዕል ክትኣትወሎም እትኽእል ብዙሓት ዓይነታት መድሕናት ኣለዉ። ኣብ ኔዘርላንድ ገሊኦም መድሕናት ምግባር ግዴታ እዩ። ኣብ

ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ኣብ ምምራጽ መድሕናት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሕናት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ግዴታዊ መድሕናት

እዚኦም መድሕናት ግዴታ እዮም፡

መድሕን ጥዕና

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ መድሕን ጥዕና ክህልዎ ኣለዎ። እዚ መድሕን እዚ ናብ ሓኪም ንምኻድ፣ ንመድሃኒታትን ናብ ሆስፒታል ንምእታውን ዝምልከቱ ወጻኢታት ዝኽሕስ እዩ።

እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ግዴታ ዝኾነ መሰረታዊ መድሕን፣ ተወሳኺ መድሕን ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንሕክምና-ስኒ ወይ ንፊዚዮተራፒ ዝኸውን።

ሓደ ሓደ ግዜ ግዴታ፡ መድሕን ተሓታትነት

መድሕን ተሓታትነት ብድንገት ገለ ነገር እንተድኣ ሰቢርካ ወይ ንሓደ ሰብ እንተጎዲእካ ዝከላኸለልካ ዓይነት መድሕን እዩ። ከም ኣብነት ንሓደ ሰብ ክትበጽሖ ከይድካ፣ ብድንገት ድማ ንሓደ ክቡር ሳርማ ጎኒጽካ ኣውዲቕካዮ ኢልና ንሕሰብ። ወይ ድማ ከልብኻ ኣብ መናፈሻ እናጎየየ እንከሎ ምስ ሓደ ሰብ ተናጒጹ ነቲ ሰብ ኣውዲቕዎ ንበል። ስለዚ እዚ መድሕን ምስ ዝህልወካ፣ ገለ ነገር ብድንገት ምስዘጋጥም ንኹሉ ወጻኢታት ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣየድልየካን እዩ። እቲ መድሕን ነዚ የዋድደልካ እዩ።

መኪና፣ ሞተር ብሽክልታ፣ ቱግቱግ ወይ ላምብሬታ ኣለካ ድዩ? ስለዚ መድሕን ተሓታትነት ( መድሕን ሕጋዊ ተሓታትነት) ምግባር ግዴታ እዩ። ብሞተር ተሽከርካሪትካ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጉድኣት እንተድኣ ኣውሪድካ ወይ ንኣብነት ከቢድ ሓደጋ ምስ እትፈጥር ድማ ናይዚ መድሕን ትረክብ።

ግዴታዊ መድሕን ጥዕና ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ መድሕን ጥዕና ኣብ ኔዘርላንድ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣገደስቲ መድሕናት

ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ግዴታ ዘይኮኑ፣ ግን ድማ ኣገደስቲ ዝኾኑ መድሕናት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ናይ ትሕዝቶ ቤት መድሕን

ናይ ትሕዝቶ ቤት መድሕን ምስ ዝህልወካ፣ ንኹሎም ኣብ ገዛኻ ዝርከቡ ከም በዓል ዓበይቲ ኣቚሑት ገዛ፣ መሳርሒታት፣ ክዳውንትን መጽሓፍትን ዝኣመሰሉ ነገራት ብዝምልከት መድሕን ትረክብ። ኣብ ገዛኻ ዝርከቡ ኣቚሑት ንኣብነት ብሰንኪ ባርዕ፣ ማይ፣ በርቂ ወይ ስርቂ እንተድኣ ጉድኣት በጺሕዎም ድማ እቲ ናይ መድሕን ትካል ገንዘብ ይኸፍል።

ኣየኖት ኣቑሑት መድሕን ከምዝረኽቡ ኣብ ነፍስወከፍ ናይ መድሕን ትካል ይፈላለይ እዩ። ገለ ነገር ምስ ዘጋጥም ካብ ናይ መድሕን ትካል እትረኽቦ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ እውን ከምኡ ይፈላለይ እዩ።

መድሕን ቀብሪን ናብ መበቆል ምምላስን

መድሕን ቀብሪ ንገለ ክፋል ወጻኢታት ቀብሪኻ ወይ ምቕጻል ሬሳኻ ይሽፍን። ኣብ እትሞተሉ እዋን ስድራኻን መቕርብካን ልዑል ዝኽፈል ሕሳብ ከየጋጥሞም ምእንቲ፣ እዚ ኣገዳሲ እዩ። መድሕን ቀብሪ መብዛሕትኡ ግዜ ንሳንዱቕ ሬሳ ወይ ናይ ዝነደደ ሬሳ ሓምዂሽቲ ዝቕመጠሉ ቫዞ፣ ዕምባባታት፣ ናይ ሓዘን ካርድታት፣ መጓዓዝያን ናይ እንግዶት መግቢን ይሽፍን።

ነዚ መድሕን ዝኸውን ወርሓዊ

ትኸፍል። እቲ ዝኽፈል መጠን 'ክፍሊት ውዕል መድሕን' ድማ ኣብ ዕድመኻን እንታይ ትደልይ ኣብ ምዃንካን እዩ ዝምርኮስ። መብዛሕትኡ ግዜ ንመጻምድትኻን ደቅኻን እውን ምሳኻ መድሕን ክትገብረሎም ትኽእል ኢኻ።

ናይ ገዛእ-ርእስኻ ናይ መድሕን ትካልን ዝደለኻዮ ዓይነት መድሕንን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እንታይ መድሕን ክትረክብ ከም እትደሊ ባዕልኻ ትውስን። እቲ ናይ መድሕን ትካል ነቲ ቀብሪ ከም ዘዋድዶ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፣ ግን ድማ መቕርብካ ዝኾኑ ሰባት እውን በቲ ካብቲ ናይ መድሕን ትካል ዝረኽብዎ ገንዘብ ባዕላቶም ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ኔዘርላንድ ብመሰረት እስላማዊ መምርሒ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንምውዳድ ይከኣል እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ እስላማዊ ቀብሪ እንተድኣ ደሊኻ፣ ነዚ ብመንገዲ ምድሕንካ ባዕልኻ ከተዋድዶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መበቆል ሃገርካ ክትቅበር እንተድኣ ደሊኻ፣ ናይ "ምምላስ" መድሕን እውን ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ምስ ሞትካ ናብ ዓድኻ ከም እትምለስ ይግበር ማለት እዩ። እዚ መድሕን እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ክቡር እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ ናይ እስላማዊ ቀብሪ መድሕናት ኣለዉ። ይኹን እምበር፣ እስላማዊ ናይ ቀብሪን ምምላስን መድሕን ዝህባ መድሕን ክትኣትወለን እትኽእል ዘይእስላማውያን ትካላት መድሕን እውን ኣለዋ። ንስኻ ብዝደለኻዮ ከተዋድዶ ድማ ትኽእል ኢኻ።

ካልኦት መድሕናት

ገና ካልኦት ብዙሓት ክትኣትዎም እትኽእል መድሕናት እውን ኣለዉ፣ ከም በዓል መድሕን ጉዕዞ፣ መድሕን ህይወት፣ መድሕን ስንክልና-ዕዮን፣ መድሕን ሕጋዊ ወጻኢታትን ዝኣመሰሉ። መጀመርታ እቲ መድሕን ብሓቂ ዘድልየካ ምዃኑን ዘይምዃኑን መርምር። ነዞም ዝስዕቡ 2 ሕቶታት ድማ ንገዛእ-ርእስኻ ሕተት፡

  1. እቲ ንውዕል መድሕን እትኸፍሎ ገንዘብ ምስቲ ገለ ነገር ምስ ዘጋጥም ዝኽፈልካ መጠን ገንዘብ ብምንጽጻር ኣዝዩ ልዑል ኣይኮነን ድዩ?

  2. እቲ ንውዕል መድሕን እትኸፍሎ ገንዘብ ንዓኻ ኣዝዩ ክቡር ኣይኮነን ድዩ? እቲ መድሕን ብሓቂ ዘየድልየካ ምስ ዝኸውን ምናልባት እንተሰረዝካዮ ዝሓይሽ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ፣ መድሕናት ኣብ ምምራጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መድሕን ጉዕዞ ንዕረፍቲ ኣብ እትገሸሉ እውን ገለ ነገር ምሰ ዘጋጥመካ ንኽሕግዘካ ዝዓለመ እዩ። ንኣብነት፡

  • ሳንጣኻ ምስ ዝጠፍኣካ።

  • ኣብ ወጻኢ ሃገር ናብ ሓኪም ክትከይድ ዘለካ ምስ እትኸውን።

  • ብሰንኪ ዘይተጸበኻዮም ነገራት ጉዕዞኻ ክቕጽል ምስ ዘይክእል።

እዚ መድሕን እዚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምስ እትሓምም ወይ ሓደጋ ምስ ዘጋጥመካ እውን ጠቓሚ እዩ። ከምኡ ምስ ዝኸውን እቲ ናይ መድሕን ትካል ብውሑስ ናብ ገዛኻ ንኽትምለስ ከዋድደልካ ይኽእል።

ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ናይ ጉዕዞ መድሕናት ዓበይቲ ፍልልያት ኣለዉ። ስለዚ ኣብ ርሕቀት፣ ንውሓት ግዜን ዓይነት መገሻን ፍልልይ ኣሎ። ን1 መገሻ መድሕን ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ብዙሕ ትገይሽ እንተድኣ ኮይንካ ግን "ቀጻሊ መድሕን ጉዕዞ" እውን ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ንእሽቶ መጠን ገንዘብ ትኸፍል፣ እቲ መድሕን ክሳብ ዘለካ ድማ መድሕን ትረክብ።

መድሕን ጥዕና መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝግበር ሕክምናዊ ወጻኢታት እውን ይሽፍን እዩ። ነዚ ብዝምልከት ንቅድመ-ኩነታት ናይ መድሕን ጥዕናኻ ብጥንቃቐ ኣንብቦ።

መድሕን ህይወት ምስ ሞትካ ንስድራ-ቤትካ ገንዘብ ዝህብ መድሕን እዩ። እቲ ገንዘብ ደጊም ካብ ዓለም ምስ እትፍለይ ንስድራ-ቤትካ ብገንዘብ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ። ንኣብነት፡ ንወጻኢታት ቀብሪ ክኸፍሉን ካልኦት ዝኽፈሉ ሕሳባት ክሽፍኑን ይኽእሉ።

በዓል ዋኒን (ርእስኻ ክኢልካ እትሰርሕ - zzp'er) ዲኻ? ስለዚ መድሕን ስንክልና-ዕዮ ምእታው ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት መድሕን ምስ ዝህልወካ እሞ እንተድኣ ሓሚምካ ወይ ተጎዲእካ፣ ሕሳባትካ ንምኽፋልን ንገዛእ-ርእስኻን ንስድራ-ቤትካን ንምእላይን ገንዘብ ትቕበል። እዚ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ክትሰርሕ ምስ ዘይትኽእል፣ ስለዚ ብሰንኩ ኣታዊ ኣብ ዘይህልወካ እዋን ገንዘባዊ ደገፍ ስለ ዝህበካ።

ካልእ ዓይነት መድሕን ህይወት ድማ መድሕን ስግኣት ሞት እዩ። እዚ ግዝያዊ መድሕን እዩ። ነዚ ውዕል መድሕን ንዝተወሰነ ግዜን ንዝተወሰነ መጠን ገንዘብን ኢኻ እትኣትዎ። ንኽንደይ ግዜን ንኽንደይ ዝኣክል መጠን ገንዘብን ድማ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ ትውስን። ነዚ መድሕን እዚ እትኣትዎ፣ መቕርብካ ዝኾኑ ሰባት፣ ንኣብነት ክራይ-ገዛ ወይ

፣ ወይ ካልእ ዓበይቲ ወጻኢታት ምኽፋል ንኽቕጽሉ ምእንቲ እኹል ገንዘብ ከም ዝህልዎም ንምርግጋጽ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ገዝኦም ምንባር ምእንቲ ክቕጽሉ እዩ።

መድሕን ስግኣት ሞት፣ እቲ መድሕን ተግባራዊ ኣብ ውሽጢ ዝኾነሉ ግዜ ምስ እትመውት ጥራይ እዩ፣ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ዝኸፍል። እዚ መድሕን እዚ ግዴታ ኣይኮነን፣ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ሞርጌጅ ንምርካብ ዝጥለብ ቅድመ-ኩነት እዩ። እቲ ሞርጌጅ ዝህበካ ባንክ በዚ፣ ዋላ ድሕሪ ሞትካ እውን እቲ ሞርጌጅ ከም ዝኽፈል ርግጸኛ ክኸውን ይደሊ።

መድሕን ሕጋዊ ወጻኢታት ንሕጊ ዝምልከት ጸገም ምስ ዘጋጥመካ ይሕግዘካ። ንኣብነት ብዛዕባ ውዕል ኣብ ክትዕ ምስ እትኣቱው ወይ ኣብ ትራፊክ ሕማቕ ነገር ምስ ዘጋጥመካ። ኩሉ ግዜ ከምዚ ዓይነት መድሕን ክህልወካ ድማ ኣድላዪ ኣይኮነን።

ውሑድ ኣታዊ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ ካብ ሰደቓ ሕጊ

ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብነጻ እዩ። ስለዚ መድሕን ሕጋዊ ወጻኢታት ንዓኻ ዘድልየካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ገምግም።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር