ምንጪ፡ RefugeeHelp / Youssef Amakran

ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሕናት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 8/4/2024 11:39 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ኣብ ኔዘርላንድ ንነብስኻን ንብረትካን ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕል መድሕናት ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም መድሕናት ግዴታ እዮም። ካልኦት ድማ ክህልዉኻ ጠቐምቲ እዮም። ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ዓይነታት ውዕል መድሕናት ከምዘለዉ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መድሕን ምስ ሓደ ናይ መድሕን ትካል ዝግበር ውዕል እዩ

ምስቲ ናይ መድሕን ትካል ውዕል መድሕን ንዝኣተኻሉ ዝምልከት ገለ ነገር እንተድኣ ኣጋጢሙ፣ እቲ ናይ መድሕን ትካል ገንዘብ ይህበካ። ንኣብነት ሓሚምካ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ እንተድኣ ተገዲድካ ወይ ድማ ብድንገት ኣብ ገዛ ናይ ካልእ ሰብ ገለ ነገር እንተድኣ ሰቢርካ።

ነቲ ዝኣተኻዮ ውዕል መድሕን ዝኸውን ገንዘብ ትኸፍል። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ ክግበር ኣለዎ። እዚ "ክፍሊት ውዕል መድሕን" ይበሃል። ካብቲ ናይ መድሕን ትካል ድማ መድሕን ከም ዘለካ መርትዖ ክትረክብ ኢኻ። እዚ "መርትዖ ውዕል መድሕን" ይበሃል። ኣብኡ ድማ ኣየናይ መድሕን ከም ዘለካን ብልክዕ እንታይ መድሕን ከም እትረክብን ተጠቒሱ ይርከብ።

ውዕል ክትኣትወሎም እትኽእል ብዙሓት ዓይነታት መድሕናት ኣለዉ። ኣብ ኔዘርላንድ ገሊኦም መድሕናት ምግባር ግዴታ እዩ። ኣብ

ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ
VluchtelingenWerk Nederland (VWN)
ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ኣብ ምምራጽ መድሕናት ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሕናት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ግዴታዊ መድሕናት

እዚኦም መድሕናት ግዴታ እዮም፡

መድሕን ጥዕና

ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ መድሕን ጥዕና ክህልዎ ኣለዎ። እዚ መድሕን እዚ ናብ ሓኪም ንምኻድ፣ ንመድሃኒታትን ናብ ሆስፒታል ንምእታውን ዝምልከቱ ወጻኢታት ዝኽሕስ እዩ።

እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ግዴታ ዝኾነ መሰረታዊ መድሕን፣ ተወሳኺ መድሕን ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ንሕክምና-ስኒ ወይ ንፊዚዮተራፒ ዝኸውን።

ሓደ ሓደ ግዜ ግዴታ፡ መድሕን ተሓታትነት

መድሕን ተሓታትነት ብድንገት ገለ ነገር እንተድኣ ሰቢርካ ወይ ንሓደ ሰብ እንተጎዲእካ ዝከላኸለልካ ዓይነት መድሕን እዩ። ከም ኣብነት ንሓደ ሰብ ክትበጽሖ ከይድካ፣ ብድንገት ድማ ንሓደ ክቡር ሳርማ ጎኒጽካ ኣውዲቕካዮ ኢልና ንሕሰብ። ወይ ድማ ከልብኻ ኣብ መናፈሻ እናጎየየ እንከሎ ምስ ሓደ ሰብ ተናጒጹ ነቲ ሰብ ኣውዲቕዎ ንበል። ስለዚ እዚ መድሕን ምስ ዝህልወካ፣ ገለ ነገር ብድንገት ምስዘጋጥም ንኹሉ ወጻኢታት ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣየድልየካን እዩ። እቲ መድሕን ነዚ የዋድደልካ እዩ።

መኪና፣ ሞተር ብሽክልታ፣ ቱግቱግ ወይ ላምብሬታ ኣለካ ድዩ? ስለዚ መድሕን ተሓታትነት ( መድሕን ሕጋዊ ተሓታትነት) ምግባር ግዴታ እዩ። ብሞተር ተሽከርካሪትካ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጉድኣት እንተድኣ ኣውሪድካ ወይ ንኣብነት ከቢድ ሓደጋ ምስ እትፈጥር ድማ ናይዚ መድሕን ትረክብ።

ኣገደስቲ መድሕናት

ኣብዚ ታሕቲ ብዛዕባ ግዴታ ዘይኮኑ፣ ግን ድማ ኣገደስቲ ዝኾኑ መድሕናት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡

ናይ ትሕዝቶ ቤት መድሕን

ናይ ትሕዝቶ ቤት መድሕን ምስ ዝህልወካ፣ ንኹሎም ኣብ ገዛኻ ዝርከቡ ከም በዓል ዓበይቲ ኣቚሑት ገዛ፣ መሳርሒታት፣ ክዳውንትን መጽሓፍትን ዝኣመሰሉ ነገራት ብዝምልከት መድሕን ትረክብ። ኣብ ገዛኻ ዝርከቡ ኣቚሑት ንኣብነት ብሰንኪ ባርዕ፣ ማይ፣ በርቂ ወይ ስርቂ እንተድኣ ጉድኣት በጺሕዎም ድማ እቲ ናይ መድሕን ትካል ገንዘብ ይኸፍል።

ኣየኖት ኣቑሑት መድሕን ከምዝረኽቡ ኣብ ነፍስወከፍ ናይ መድሕን ትካል ይፈላለይ እዩ። ገለ ነገር ምስ ዘጋጥም ካብ ናይ መድሕን ትካል እትረኽቦ ዝለዓለ መጠን ገንዘብ እውን ከምኡ ይፈላለይ እዩ።

መድሕን ቀብሪን ናብ መበቆል ምምላስን

መድሕን ቀብሪ ንገለ ክፋል ናይቲ ንቀብርኻ ወይ ንመቃጸሊ ሬሳኻ ዝኸውን ወጻኢታት ይኸፍል። እዚ ድማ ምስ ሞትካ፣ ስድራኻን ፈተውትኻን ዝኸፍልዎም ልዑል ሕሳባት ከይቕበሉ ንምውጋድ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መበቆል ሃገርካ ክትቅበር እንተድኣ ኮይንካ ትደልይ፣ ንገዛእ-ርእስኻ "ናብ መበቆል ንምምላስ" እውን መድሕን ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ምስ ሞትካ ናብ መበቆል ሃገርካ ትውሰድ ማለት እዩ። እዚ መድሕን መብዛሕትኡ ግዜ ክቡር እዩ።

ካልኦት መድሕናት

ገና ካልኦት ብዙሓት ክትኣትዎም እትኽእል መድሕናት እውን ኣለዉ፣ ከም በዓል መድሕን ጉዕዞ፣ መድሕን ህይወት፣ መድሕን ስንክልና-ዕዮን፣ መድሕን ሕጋዊ ወጻኢታትን ዝኣመሰሉ። መጀመርታ እቲ መድሕን ብሓቂ ዘድልየካ ምዃኑን ዘይምዃኑን መርምር። ነዞም ዝስዕቡ 2 ሕቶታት ድማ ንገዛእ-ርእስኻ ሕተት፡

  1. እቲ ንውዕል መድሕን እትኸፍሎ ገንዘብ ምስቲ ገለ ነገር ምስ ዘጋጥም ዝኽፈልካ መጠን ገንዘብ ብምንጽጻር ኣዝዩ ልዑል ኣይኮነን ድዩ?

  2. እቲ ንውዕል መድሕን እትኸፍሎ ገንዘብ ንዓኻ ኣዝዩ ክቡር ኣይኮነን ድዩ? እቲ መድሕን ብሓቂ ዘየድልየካ ምስ ዝኸውን ምናልባት እንተሰረዝካዮ ዝሓይሽ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ VWN ዝርከብ ኣማኻሪኻ ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪ፣ መድሕናት ኣብ ምምራጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መድሕን ጉዕዞ
መድሕን ህይወት
መድሕን ስንክልና-ዕዮ
መድሕን ሕጋዊ ወጻኢታት
እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?