ተማሃሮ ኣብ ክፍሊ ኣለዉ።
ምንጪ፡ Ivan Samkov

ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 17/11/2023 9:15 ቅ.ቀ.
ነዚ ዓንቀጽ ኣካፍል

ድሕሪ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ቆልዑት ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታትን ዓመታትን ዝሓቖፈ እዩ። ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም። ኣብዚ ገጽ ኩሉ ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ወጻኢታት

ኣብ ኔዘርላንድ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝዓበየ ክፋሉ ብነጻ እዩ። ወለዲ ኣብ ስሩዕ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ንዝካየዱ ትምህርቲታት ገንዘብ ኣይከፍሉን እዮም። ከም መጻሕፍትን ጥራዛትን ዝኣመሰሉ ንዋታት ቤት-ትምህርቲ ግን ብርግጽ ገንዘብ ይሓቱ እዮም። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ናይ ቤት-ትምህርቲ መገሻታት ዝኣመሰሉ ገንዘብ ዝሓቱ ንጥፈታት እውን ኣለዉ። ነዚ ንምኽፋል ገንዘብ የብልካን ድዩ? ስለዚ መብዛሕትአን ኣብያተ-ትምህርቲ ነዞም ​​ተማሃሮ ዝድግፍ ገንዘብ ኣለወን። ከምዚ እተኾይኑ ንቤት-ትምህርቲ ናይ ውላድካ ሕተት።

ደረጃታት ትምህርቲ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ኣለዉ። እቲ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ፣ ውጽኢት ፈተና ሲቶን -cito- ከምኡ እውን ምኽሪ ናይ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲን ተጠቒሙ ንደረጃ ናይ ሓደ ተማሃራይ ይውስን። እቶም ደረጃታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • Vmbo (መዳለዊ ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ)

Vmbo ን4 ዓመት ዝጸንሕ ኮይኑ ኣብ ተግባር ዝተመርኮሰ ትምህርቲ ይህብ። እዚ ማለት ተማሃሮ ነገራት ብምግባር ወይ ብምስራሕ ዝያዳ ይመሃሩ። ናይ vmbo ዲፕሎማ ምስ ዝህልወካ ናብ mbo ክትቕጽል፣ ወይ ኣብ ገሊኦም ኣጋጣሚታት ናብ havo ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ውሽጢ vmbo ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ኣለዉ። እቶም ኣንፈታት ድማ፣ መሰረታዊ ሞያዊ ዝተማእዘነ መንገዲ ትምህርቲ፣ መቃናዊ ሞያዊ ዝተማእዘነ መንገዲ ትምህርቲ፣ ዝተሓዋወሰ መንገዲ ትምህርትን፣ ክልሰ-ሓሳባዊ መንገዲ ትምህርትን እዮም። እቲ መሰረታዊ ሞያዊ ዝተማእዘነ መንገዲ ትምህርቲ ዝበዝሐ ኣብ ግብራዊ ትምህርቲ ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ክልሰ-ሓሳባዊ መንገዲ ትምህርቲ ድማ ዝበዝሐ ካብ መጽሓፍቲ ኣብ ምምሃር ዘተኮረ እዩ። 

  • Havo (ላዕለዋይ ሓፈሻዊ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ)

Havo ን5 ዓመት ዝጸንሕ ኮይኑ ካብ vmbo ንላዕሊ ዝያዳ ክልሰ-ሓሳባዊ እዩ፣ ተማሃሮ ዝያዳ ርእሶም ክኢሎም ክመሃሩን ዝያዳ ዕዮ-ገዛ ክሰርሑን ድማ ኣለዎም። ናይ havo ዲፕሎማ ምስሓዙ ተማሃሮ ናብ hbo፣ ወይ ኣብ ገሊኦም ኣጋጣሚታት ናብ vwo ክኸዱ ይኽእሉ። 

  • Vwo (መዳለዊ ስነ-ፍልጠታዊ ትምህርቲ)

Vwo እቲ ኣዝዩ ዝበዝሐ ክልሰ-ሓሳባዊ እዩ፣ ከምኡ እውን ን6 ዓመት ዝጸንሕ እዩ። ናይ vwo ዲፕሎማ ምስ ዝህልወካ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሓደ ስልጠና ክትከታተል ትኽእል ኢኻ። ክልተ ዓይነታት vwo ኣለዉ፡ ኣቴንየምን [Atheneum] ጂምናዝየምን [Gymnasium]። እቲ ቀንዲ ፍልልይ ኣብ ጂምናዝየም ትምህርቲ ግሪኽን ላቲንን ዝወሃብ ምዃኑ እዩ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝወሃቡ ትምህርትታት

እቲ ናይ መጀመርታ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ መሰጋገሪ ክፍሊ ይበሃል። ኣብ እዋን መሰጋገሪ ክፍሊ ነፍስወከፍ ሰብ ከም በዓል ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ፣ ሕሳብ፣ ታሪኽ፣ ትምህርቲ ስነ-ጥበብን ስፖርትን ዝኣመሰሉ ሓደ ዓይነት ትምህርቲ እዩ ዝከታተል። ድሕሪ መሰጋገሪ ክፍሊ ድማ ግዴታዊ ትምህርቲ፣ ምርጫዊ ዓምደ-ትምህርትታትን፣ ተማሃራይ ባዕሉ ዝመረጾ ጽንባረ ትምህርትን ትከታተል። እዚ ጽንባረ ናይ ትምህርቲ መዳይ ይበሃል።

እቲ ተማሃራይ ዝመርጾ መዳይን ምርጫዊ ትምህርትን ድማ ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣየናይ ስልጠና ክትክተል ከም እትኽእል ይውስን። ንኣብነት ውላድካ ሓኪም ድዩ ክኸውን ዝደልይ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ውላድካ ካብ vwo ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዲፕሎማ የድልዮ፣ መዳይ ተፈጥሮን ጥዕናን ምስ ምርጫዊ ዓውደ-ትምህርቲ ፊዚክስ ወይ ተፈጥሮን ቴክኖሎጅን ምስ ምርጫዊ ዓውደ-ትምህርቲ ስነ-ህይወት። ቤት-ትምህርቲ ናይ ውላድካ፣ ንትምህርትታት ብዝምልከት ምርጫታት ንምግባር ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ መዳያት

ኣብ vmbo ዝርከቡ መዳያት
ኣብ havoን vwoን ዝርከቡ መዳያት

መዓልታት ትምህርቲን መደባት ግዜ

ተማሃሮ ከም ንቡር ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ኣብ ሰሙን 5 መዓልታት ናብ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። ናይ ትምህርቲ ግዜ ክፈላለይ ይኽእል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ትምህርቲ ንግሆ ጀሚሩ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ዝውዳእ። ተማሃሮ ብመሰረት ቀዋሚ መደብ ግዜ ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ይከታተሉ፣ ከምኡ እውን ናብ ቤት-ትምህርቲ ንክኸዱ ግዴታ ኣለዎም። እቲ መደብ ግዜ ድማ ኣብ ዓመት ብዙሕ ግዜ ክቕየር ይኽእል እዩ።

ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ዕረፍቲታት ኣለዉ፣ ከም በዓል ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ፣ ናይ ልደት ዕረፍቲን ናይ ጽድያ ዕረፍቲን ዝኣመሰሉ። ቆልዑት፣ ኣብ እዋን ናይ ቤት-ትምህርቲ ዕረፍቲ፣ እንተድኣ ሓሚሞም ወይ ንከም በዓል መርዓ፣ ቀብሪ ወይ ጽምብልን መዓልቲ ዝኽርን ዝኣመሰሉ ፍሉያት መዓልታት ፍቓድ ምስ ዝወሃቦም ጥራይ እዮም ናብ ቤት-ትምህርቲ ምኻድ ዘየድልዮም። ውላድካ እንተድኣ ሓሚሙ ኩሉ ግዜ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክትሕብር ኣለካ፣ ወይ ድማ ውላድካ ንፍሉይ መዓልቲ ነጻ ክኸውን ምስ ዝደልይ ንቤት-ትምህርቲ ክትሓትት ኣለካ።

ፈተናታትን ዲፕሎማታትን

ተማሃሮ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዲፕሎማ ንምርካብ ናይ ቤት-ትምህርቲ ፈተና ይወስዱ። ነፍስወከፍ ደረጃ ናይ ገዛእ ርእሱ ትምህርትታትን ናይ ፈተና ጠለባትን ኣለዎ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክልተ ዓይነት ፈተናታት ኣለዉ፡ 

  • ናይ ቤት-ትምህርቲ ፈተናታት

እዞም ፈተናታት ከከምቲ ቤት-ትምህርቲ ይፈላለዩ እዮም። ተማሃሮ ነዞም ፈተናታት ካብ መበል 4ይ ዓመት ጀሚሮም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ይወስድዎ።

  • ማእከላይ ናይ መወዳእታ ፈተናታት

እዞም ፈተናታት ሃገራዊን ንነፍስወከፍ ሰብ ሓደ ዓይነትን እዮም። ተማሃሮ ነዞም ፈተናታት ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይወስድዎም። ብሓባር ድማ ሓደ ተማሃራይ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዲፕሎማ ክረክብ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይውስኑ። ተማሃሮ ዲፕሎማ ድሕሪ ምርካቦም ብዝሰማምዖም ደረጃ ትምህርቶም ክቕጽሉ ይኽእሉ። እቲ ዲፕሎማ፣ ሞያዊ ወይ ስነ-ፍልጠታዊ ስልጠና ንምክትታል ወይ ስራሕ ንምርካብ ኣድላዪ እዩ።

ተሳትፎ ወለዲ

ወለዲ ኣብ ትምህርቲ ናይ ደቆም ንኽሳተፉ ይሕተቱ። ንኣብነት ኣብ ናይ ወለዲ ምሸታት ትሳተፍ። እዚኦም ምስ መምህርን ወለድን ዝግበሩ ኣኼባታት ኮይኖም እቲ ቆልዓ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ከመይ ይኸይድ ከምዘሎ ንምዝታይ ዝዓለሙ እዮም።

እዚ ዓንቀጽ ሓጊዙካ' ዶ?