
ንንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዝምልከቱ ቅድመ-ኩነታት
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ከተምጽእ ምስ እትደልይ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣለካ። ነዚ ዝምልከቱ ዝተወሰኑ ሕግታት ኣለዉ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ እቶም ሕግታት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ መንጎ "ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን" "ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን" ዘሎ ፍልልይ እዚ እዩ
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ፣ ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ብመንገዲ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ ኔዘርላንድ ንኸተምጽእ ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ኣለካ።
ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ዘየመልከትካ፣ ብመንገዲ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ብርክት ዝበሉ ሃስያታት ኣለዎ፡
ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብነጻ እዩ። ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ግን ገንዘብ ይሓትት።
ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እትገብረሉ እዋን፣ ካብቲ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዘድልዩ ዝወሓዱ ጽኑዓት ጠላባት ከተማልእ ትግደድ። ንኣብነት ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዝተወሰኑ ናይ ኣታዊ ጠለባት ከተማልእ ኣለካ። እዚ ኣብ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣድላዪ ኣይኮነን።
ንዝተረፉ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፣ እንተድኣ፡
ናይ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን፣ መንበሪ ፍቓድካ ድሕሪ ምቕባልካ ልዕሊ 3 ኣዋርሕ ድሒርካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እንተድኣ ደሊኻን።
ናይ
ናይ ኣታዊ ጠለባት ተማልእ ምስ እትኸውን።ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ድሮ ናይ ኔዘርላንድ ዜጋ ኮይንካ ዲኻ?
ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝተፈልዩ ቅድመ-ኩነታት እዮም ዝምልከቱኻ፡ ከም በዓል መሰረታዊ ፈተና ምውህሃድ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝኣመሰሉ። እዞም ቅድመ-ኩነታት፣ ንስሩዕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን ንምቛም ስድራ-ቤትን ንኽልቲኡ ዝምልከቱ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እቲ ሕቶ፣ ህይወት ስድራ-ቤትካ ቅድሚ ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእካ ድዩ ድሕሪ ምምጻእካ ጀሚሩ ዝብል ዘይኮነስ፣ የግዳስ ንስኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘመልክት ዘሎ ወግዓዊ ዓዳሚ ማለት ስፖንሰር ከም ምዃንካ መጠን ዘለካ ደረጃ ማለት ኩነት እዩ።
ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝግበር መሰረታዊ ናይ ምውህሃድ ፈተና ንኹሉ ስሩዕ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መስርሓት ዘድሊ ኮይኑ፣ እቲ ወግዓዊ ዓዳሚ ማለት ስፖንሰር ስሩዕ መንበሪ ደረጃ ዘለዎ ወይ ዜጋ ኔዘርላንድ ምስ ዝኸውን ዝጥለብ እዩ። ነቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ገደብ-ግዜ ዘሕለፉን TEV ከቕርቡን ዘለዎም ኣባላት ስድራ-ቤት ናይ ሓደ ኔዘርላንዳዊ ዜግነት ዝረኸበ ወግዓዊ ዓዳሚ፣ ቅድሚ ናብ ኔዘርላንድ ምምጽኦም ኣብ ወጻኢ ሃገር መሰረታዊ ናይ ምውህሃድ ፈተና ክሓልፉ ኣለዎም።
ነዞም ኣባላት ስድራ-ቤት ብመንገዲ ንቡር መስርሕ ምጥርናፍ-ስድራ-ቤት ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡
በዓልቲ-ቤትካ/በዓል-ቤትኪ ወይ መጻምድቲ
ልዕሊ 1 በዓልቲ-ቤት ድዩ ዘለካ? ስለዚ ን 1 በዓልቲ-ቤት ጥራይ ኢኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት እትኽእል።ባህርያዊ ደቅኻን፣ ኣብ መበቆል ሃገርካ ኣካል ናይታ ስድራ-ቤት ዝነበሩ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ተናበይቲ ቆልዑት ወይ ዝተራዕሙ ቆልዑት።
እቲ ካልእ ወላዲ ናይቲ ቆልዓ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተድኣ ተሪፉ፣ ውላድኩም ናብ ኔዘርላንድ ንክኸይድ ፍቓድ ክህብ ኣለዎ።
ንገሊኦም ካልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት ብመንገዲ ዝተፈልየ መስርሕ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ
ንኻልኦት ኣባላት ስድራ-ቤት፣ ልዕሊ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ወይ ንወለድኻ፣ ኣሕዋትካ ወይ ኣሓትካ ንዝኣመሰሉ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እዚ ብመንገዲ ንቡር መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን እዚ ብመንገዲ "ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዑቕባ 8EVRM" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝተፈለየ መስርሕ ይከኣል እዩ።