
ብዛዕባ ዘመልከትካዮ 'ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' ንዝወሃብ ውሳኔ ምጽባይ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ሕጂ ነቲ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክግምግሞ እዩ። ነቲ ውሳኔ ድማ ብፖስታ ክትቅበሎ ኢኻ።
ንመመልከቲኻ ዝምልከት ውሳኔ ናይ IND ምጽባይ
IND ንመመልከቲኻ ከመስርሖ ክሳብ ዝጅምር ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ
IND መዓስ ንመመልከቲኻ ከመስርሖ ከምዝጅምር ኣብ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት እዩ ዝምርኮስ። ንኣብነት፡ እቲ መመልከቲ ዘቕረብካሉ ዕለት። ንኣየኖት ኣባላት ስድራ-ቤት 'ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' ከም ዘመልከትካ እውን ኣገዳሲ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ሒዝካዮ ዘለኻ ዓይነት ናይ ዑቕባ ፍቓድ ዓቢይ ተራ ኣለዎ።
IND ነቲ 'ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' መመልከቲኻ ንምምስራሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ? ናይ ምጽባይ ግዜ ዝምልከት እዋናዊ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓበሬታ ብቋንቋታት ኔዘርላንድን እንግሊዝን ይርከብ።
ኣብቲ መመልከቲ ገና ዝጎደለ ነገር ኣሎ።
IND ዋላ ንመመልከቲኻ ምምስራሕ ምስ ጀመረ እውን፣ ንገምጋም ዝያዳ ግዜ ከድሊ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ገና ሓደ ነገር ስለ ዝጎደለ፣ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ምቕራብን ምምስራሕን መመልከቲኻ ሰፊሕ ናይ ግዜ ፍልልይ ስለዘሎ። ኣብ ከምኡ ኩነታት IND ደብዳቤ ክሰደልካ እዩ። እዚ ደብዳቤ እዚ 'ዝጎደለ ናይ ምምላእ ደብዳቤ’ (HV-brief) ይበሃል፡ እዚ ደብዳቤ እዚ IND ንመመልከቲኻ ነቶም ገና ጎዲሎም ዝርከቡ ዝተወሰኑ ሰነዳት ብምልኣኽ ምሉእ ንኽትገብሮ ንዓኻ ዝሓተሉ ደብዳቤ እዩ።
ነዚ ደብዳቤ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት መልሲ ክትህበሉ ኣለካ። IND ኣብቲ ደብዳቤ ሕቶታት እውን ክሓትት ይኽእል እዩ። እቶም ሕቶታት ንዓኻን ንኣባላት ስድራ-ቤትካን ዝምልከቱ እዮም። ስለዚ ንነፍስወከፍ ሰብ ዝተፈላለዩ እዮም።
ኣብነታት ድማ፡
ኣብቲ መመልከቲኻ፡ ኣባላት ስድራቤትካ ፓስፖርቶም ከም ዝሰኣኑ ኣመልኪትካ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ርኡይ ዝኾነ ግዜ ሓሊፉ። IND ገና ፓስፖርት ወይ ካልእ መንነት ሰነድ ንምርካብ ኣብ መንጎ እንታይ ከም ዝገበርካ ክፈልጥ ይደሊ።
ኣብ መመልከቲኻ፡ ኣባላት ስድራቤትካ ዝኾነ ሰነድ ሒዞም ከም ዘይፈልጡ ገሊጽካ። IND ንምንታይ ከምዚ ከም ዝኾነን ኣባል ስድራቤትካ ኣብታ መበቆል ሃገሩ ብዘይ ሰነድ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ከመይ ከም ዝመሓደርን ክፈልጥ ይደሊ።
ኣባል ስድራቤትካ ብኸመይ ኣብ ልዕሌኻ ከም ዝምርኮስ ሓጺር መግለጺ ሂብካ። IND ነዚ ብዝምልከት ተወሳኺ መብርሂ ክወሃቦ ይደሊ።
ዝያዳ መርመራ የድሊ፡ ተወሳኺ መርመራ
ብተወሳኺ IND ንመመልከቲኻ ብዝምልከት ውሳነ ንኽወስድ ዝያዳ ግዜ ከድልዮ ይኽእል እዩ። እዚ ዝኸውን ንኣብነት፡ IND ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብሓቂ ኣባላት ናይ ስድራ-ቤትካ ምዃኖም እኹል መርትዖ ከምዘየለ እንተድኣ ኣሚኑ እዩ። IND ንስኻን ኣባላት ስድራ-ቤትካን ብሓቂ ናይ ነንሓድድሕድኩም ጽግዕተኛታት ዲኹም ኣይኮንኩምን ዝብል ጥርጣረታት እውን ክህልዎ ይኽእል እዩ።
IND ተወሳኺ መርመራ ክገብር እንተድኣ ደልዩ ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ደብዳበ እዚ ንምንታይ IND ተወሳኺ ግዜ ከም ዘድልዮን፣ እቲ መርመራ ብግምት ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድን ዝገልጽ እዩ። IND እንታይ ዓይነት መርመራ ከም ዘካይድ እውን ኣብቲ ደብዳቤ ተጠቒሱ ክትረኽቦ ኢኻ።
ክልተ ተኽእሎታት ኣለዉ፡
1. መርመራ ዲ.ኤን.ኤ
IND መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ንምግባር ክሓትት ይኽእል እዩ። በዚ መርመራ እዚ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ-ቤትካን፣ ስድራ-ቤታዊ ዝምድና ዘሎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክረጋገጽ ይኽእል።
ከም ወግዓዊ ዓዳሚ ማለት ስፖንሰር (እቲ 'ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' መመልከቲ ዘቕርብ ሰብ)፣ ናይ ዲ.ኤን.ኤ ናሙና ንምሃብ ኣብ Den Haag ኣብ ዝርከብ ናይ IND ቤት-ጽሕፈት ባዕልኻ ቆጸራ ክትሕዝ ኣለካ። ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ድማ
2. ብቪድዮ ዝካየድ ቃለ-መሕትት
IND ምስ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብቪድዮ ዝካየድ ቃለ-መሕትት ንምግባር እውን ክመርጽ ይኽእል እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ቤት-ጽሕፈት ናይ
ኣብ እዋን እቲ ብቪድዮ ዝካየድ ቃለ-መሕትት፣ IND ንኣብነት ብዛዕባ ዕለታዊ ህይወቶም፣ ስራሖም፣ ስድራ-ቤትን ዝምድናታቶምን ዝምልከቱ ሕቶታት ይሓትት። IND ንነብሶም ክከናኸኑ ዝኽእሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን እውን ይሓትት። እንተዘይኮይኑ IND ንምንታይ ከምዘይኮነ ክፈልጥ ይደሊ። ብተወሳኺ IND ንምንታይ ናብ ኔዘርላንድ ክመጹ ከም ዝደልዩን፣ ኣብዚ ክነብሩ ዝደልይሉ ቀንዲ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑን ይሓትት።
ሕቶታት ኣለካ ድዩ?
ብዛዕባ ካብ IND ዝተቐልበካዮ ደብዳቤ ወይ ተወሳኺ መርመራ ሕቶታት ኣለካ ድዩ? ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብቲ ናይ ተወሳኺ መርመራ ቆጸራ ናብ ጎረቤት ሃገር (ኣብ ግዚኦም) ክገሹ ኣይክእሉን እዮም? ስለዚ ምስ IND ርክብ ግበር።
ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 09፡00 ክሳብ 16፡30 ናብ 'መስመር ምክትታል' ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ቁጽሪ ተሌፎን 088 - 0430400 እዩ።ብዛዕባ 'ምጥርናፍ ስድራቤት ዑቕባ (ምክትታል)' ዝብል ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ናብዚ ቁጽሪ ተሌፎን IND ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ብቋንቋ ሆላንድ ወይ ብእንግሊዝኛ ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ቁጽሪ ተሌፎን ኣብቲ ናይ IND ርክብ ገጽ እውን ተዘርዚሩ ኣሎ። ነዚ ገጽ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ወይ ብእንግሊዝኛ ርኣይዎ።
2 ክውሰዱ ዝኽእሉ ውሳኔታት ኣለዉ
IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ፣ ነቲ ውሳኔ ብደብዳቤ ክትቕበሎ ኢኻ። እዚ ውሳኔ እዚ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ እዩ፡
ኣወንታዊ ውሳኔ፡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ይፍቀደሉ እዩ።
ኣሉታዊ ውሳኔ፡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ኣይፍቀደሉን እዩ።
IND ኣወንታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ ይኸውን
IND ነቲ ዘቕረብካዮ 'ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' መመልከቲ ኣጽዲቑዎ ድዩ? ስለዚ ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብቲ ደብዳቤ ድማ ቀጺልካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ተጠቒሱ ይርከብ።
ኣብቲ መመልከቲኻ፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣወንታዊ ውሳነ እንተድኣ ተሃዊብዎም፣ ቪዛኦም ንምውሳድ ብዝምልከት ክኸድዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ኤምባሲ ሓቢርካ ኣለኻ። እዚ ቪዛ '
ነዚ ቪዛ ንምውሳድ፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ መጀመርታ ምስ ኤምባሲ ቆጸራ ክሕዙ ኣለዎም። ነዚ ቆጸራ ምስ ገበሩ፣ ካብቲ ኤምባሲ ብልክዕ እንታይ ሒዞም ናብ ኤምባሲ ከኸዱ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ናይ ምርግጋጽ ኢ-መይል ክመጾም እዩ። ነቲ ኢ-መይል ብጥንቃቐ ኣንብቦ፣ ከምኡ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብኡ ዝተሓተተ ግበሩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ደረጃ ብደረጃ ዝገልጽ መርሓ ውጥን መምርሒ ምንባብካ ቀጽል።
ኣብ መበቆል ሃገርካ ኤምባሲ ኔዘርላንድ የለን ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ናብ ዝርከበሉ ጎረቤት ሃገር ክጎዓዝ ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ IND ክሕብረካ እዩ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ እዩ።
IND ኣሉታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ እዩ ዝኸውን
IND ነቲ 'ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' መመልከቲኻ ኣየጽደቖን ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ቪዛ ኣይክረክብን እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ኣንጻር እቲ ናይ IND ውሳነ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ብሓገዝ ናይ ጠበቓ ክትገብሮ ዝበለጸ እዩ።
ኣንጻር ናይ IND ውሳኔ ተቓውሞ ምቕራብ
ኣሉታዊ ውሳነ እንተድኣ ተቐቢልካ፣ ጠበቓ ብስምካ ተቓውሞ ከቕርብ ይኽእል እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ጠበቓ ተራኸብ። ብዛዕባ ዘቕረብካዮ 'ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ዳግመ-ውህደት)' መመልከቲ ኣሉታዊ ውሳነ ድሕሪ ምቕባልካ፣ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ተቓውሞ ከተቕርብ ኣለካ።
ገና ኣብ
ኣዝዩ ምስ ዝድንጒይ IND ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንክህብ ብወግዒ ሕተቶ
ናይ ውሳነ ገደብ-ግዜኻ ሓሊፉ ድዩ፣ IND ድማ ገና ውሳነ ኣይወሰደን ድዩ? ስለዚ ንIND ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ብምዃን ‘
ነዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ትገብሮ፡
ጠበቓኻ ብዛዕባ እዚ ንኽድግፈካን፣ ከምኡ እውን >ነቲ ናይ IND ቅጥዒ ንኽመልኣልካን ሕተቶ።
IND ንዝወሃቦ 'ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ' ዘመስርሖ ብፖስታ ወይ ብፋክስ ምስ ዝቕበሎ ጥራይ እዩ። ነቲ ዝተሓትመን ዝተመልአን ቅጥዒኻ ብምዝጉብ ፖስታ ናብዚ ዝስዕብ ለኣኮ፡
Immigratie- en Naturalisatiedienst
Postbus 14
9560 AA TER APEL
ወይ ናብ ቁጽሪ ፋክስ፡ 088 043 29 51ኩሎም ዓውድታት ከም ዝመላእኻዮም ኣረጋግጽ። መመልከቲኻ ምሉእ ኣይኮነን ድዩ? ስለዚ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንመመልከቲኻ ክነጽጎ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ኣብ እትህበሉ እዋን መመልከቲኻ ምሉእ ምዃኑ ኣረጋግጽ።