Bron: VluchtelingenWerk Nederland / Goedele Monnens
ዓንቀጽ

ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ IND ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/8/2025 16:27

ኣባላት ስድራ-ቤትካ ነቶም ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ቅድመ-ኩነታት የማልኡ ድዮም? ከምኡ እውን ዘድልዩኻ ሰነዳት ኣተርጒምካ ዲኻ? ስለዚ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ናብ IND ምምልካት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ኣብዚ ገጽ ኣንብብ።

ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ቪዛ ምምልካት

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ናብ

ኢኻ እተመልክት። IND ንኣባል ስድራ-ቤትካ ንኸተመልክተሉ ድማ ይመክር።

IND ፍቓድ ክትረክብ ምንዃካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ። ምስ ዝፍቐደልካ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ

ክረክብ እዩ። እዚ ንመገሻ ዝኸውን ቪዛ እዩ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ ኣተወ ድማ መንበሪ ፍቓድ ይረክብ።

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከተመልክት ትኽእል

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት 2 ኣገባባት ናብ IND ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡

  • ብኢንተርነት

  • ብጽሑፍ ብፖስታ


ብኢንተርነት፡ 'ናይ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ'

ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ቅጥዒ ብኢንተርነት ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትመልእ ትኽእል ኢኻ። ነቲ 'nareis' ዝብል ኣማራጺ ድማ ኣይትምረጽ፣ ምኽንያቱ እዚ ነቶም መንበሪ ፍቓዶም ድሕሪ ምቕባሎም ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ዘመልክቱ ሰባት ዝዓለመ ስለዝኾነ።

ብጽሑፍ፡ 'ናይ ንቡር ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ'

ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ከተውርድ ትኽእል ኢኻ።

ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምምልካት እዚ ወጻኢ ይሓትት

መንበሪ ፍቓድካ ካብ ዝረኸብካሉ እዋን ልዕሊ 3 ኣዋርሕ ደንጒኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት እንተድኣ ኣመልኪትካ፣ ገንዘብ ይሓትት እዩ። ካብ 2026 ጀሚሩ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምምልካት € 254 ወጻኢ ይሓትት።

መመልከቲኻ እንተድኣ ተነጺጉ እዚ ገንዘብ ኣይምለሰልካን እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ መመልከቲኻ ናብ IND ቅድሚ ምልኣኽካ ምሉእ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣረጋግጽ።


Heeft deze informatie je geholpen?