
IND ዜግነት ንምርካብ ብዛዕባ ዘቕረብካዮ ሕቶ ይውስን
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)፣ ንኹሎም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይግምግም፣ ዜግነት ንምርካብ ብዛዕባ ዘቕረብካዮ ሕቶ ድማ ይውስን። IND ብኸመይ ከም ዝውስን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
IND ንኹሎም ቅድመ-ኩነታት ኣማሊእካ ዜጋ ኔዘርላንድ ክትከውን ትኽእል እንተኾንካ ይምርምር
IND መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ውሳኔ ይህብ
IND ዜጋ ኔዘርላንድ ንምዃን ዘቕረብካዮ ሕቶ ክግምግም እዩ። ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ድማ ውሳኔ ክህብ ኣለዎ። ካብ IND መመልከቲኻ ከምዝበጽሖ ዘረጋግጽ ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ። ቅድሚ ኣየናይ ዕለት ውሳኔ ክትጽበይ ከም እትኽእል፣ ኣብቲ ደብዳቤ ተጠቒሱ ክትረኽቦ ኢኻ። እቲ 12 ኣዋርሕ ድማ ካብቲ ናይ መመልከቲ ክፍሊት ዝኸፈልካሉ ሰዓት ጀሚሩ ምቚጻር ይጅምር።
ንዝተሓላለኹ መመልከቲታት ወይ ዘይተማልኡ መመልከቲታት ብዝምልከት፣ IND ውሳኔ ንኽህብ ዝያዳ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ልዕሊ 12 ኣዋርሕ ክትጽበይ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ብዛዕባ እዚ ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ።
IND ንመመልከቲኻ እንተድኣ ኣጽዲቑዎ ናብ ፍሉይ ኣኼባ ንኽትመጽእ ዕድመ ትቅበል
IND ኔዘርላንዳዊ ንምዃን ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተድኣ ኣጽዲቕዎ፣ ብዛዕባ እዚ ደብዳቤ ክትቅበል ኢኻ። ብልክዕ መን ኔዘርላንዳዊ ክኸውን ከም ዝተፈቅደሉ ድማ ኣብዚ ካብ IND እትቕበሎ ደብዳቤ ተጠቐሱ ክትረኽቦ ኢኻ። ንገዛእ-ርእስኻ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኣብነት ንደቅኻ እውን ሕቶ እንተድኣ ኣቕሪብካ፣ እዚ ኣገዳሲ እዩ።
ደቅኻ ኔዘርላንዳውያን ዝኾኑ፣ ኣብቲ ካብ IND ዝተቐበልካዮ ደብዳቤ ኣስማቶም ተጠቒሱ ዝርከቡ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ስለዚ እቲ ደብዳቤ ንደቅኻ እውን ዝምልከት ምዃኑን ዘይምዃኑን መርምር። IND ንመመልከቲኻ እንተድኣ ኣጽዲቕዎ፣ ብቐጥታ ኔዘርላንዳዊ ኮይንካ ማለት ኣይኮነን። ኔዘርላንዳዊ እትኸውን፣ እቲ ወግዓዊ ‘ውሳኔ ዜግነት’ ብኣካል ምስ ዝወሃበካ ጥራይ እዩ። ንሱ ድማ እቲ ውሳኔን ክታም ንጉስን ዘለዎ ሰነድ እዩ።
ምምሕዳር ከተማ እውን ካብ IND ደብዳቤ ይቕበል
ምምሕዳር ከተማ ንዓኻን ንመጻምድትኻን ደቅኻን – ንሳቶም እውን ዜጋታት ኔዘርላንድ ዝኾኑ እንተድኣ ኮይኖም – ናብ ፍሉይ ጽንብላዊ ኣኼባ ንኽትመጽኡ ክዕድመኩም እዩ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ብንጉስ ዝተፈረመ ሰነድ ክትቅበሉ ኢኹም። እዚ ኣኼባ እዚ ወግዒ ዜግነት ይበሃል።
ምሳኻ ዜግነት ዝረኽቡ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ደቅኻ እውን ንባዕሎም ክዕደሙ እዮም፣ ምኽንያቱ ንሳቶም እውን ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ‘መግለጺ ተወፋይነት’ ክገብሩ ስለዘለዎም። ምምሕርዳር ከተማ፣ መመልከቲ ኣብ ዘቕረብካሉ እዋን ትሕቲ 16 ዓመት ንዝነበሩ ደቅኻ ብዝምልከት ንዓኻ እዩ ዝዕድመካ። ምኽንያቱ ነቲ ሕቶ ዘቕረብካሎም ንስኻ ስለዝኾንካ።
እቲ ናይ ዜግነት ወግዒ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዕድመ ናባኻ ድሕሪ ምልኣኹ ኣብ ውሽጢ 6 ሳምንታት እዩ ዝካየድ።
IND ንመመልከቲኻ እንተድኣ ነጺግዎ፣ ኣንጻር እቲ ውሳኔ ይግባይ ክትብል ትኽእል
IND ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ከም ዘይፍቀደልካ እንተድኣ ወሲኑ፣ ካብ IND ደብዳቤ ክመጽኣካ እዩ። እዚ ደብዳቤ 'ውሳኔ' ይበሃል። ንምንታይ መመልከቲኻ ከም ዝተነጽገ፣ ኣብዚ ውሳኔ ተገሊጹ ክትረኽቦ ኢኻ። ኣንጻር እዚ ናይ IND ውሳኔ ድማ ምስ ጠበቓኻ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ሽዕኡ ጠበቓኻ ንምንታይ ምስቲ ኣሉታዊ ውሳኔ ከም ዘይሰማማዕ ብመንገዲ 'ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ' ከብርህ እዩ። ቅድሚ ዕለት ክንደይ ተቓውሞ ከተቕርብ ከምዘለካ ድማ ኣብቲ ናይ IND ውሳኔ ተጠቒሱ ክትረኽቦ ኢኻ።
ዘቕረብካዮ ተቓውሞ እውን እንተድኣ ተነጺጉ፣ ሕጂ እውን ብሓገዝ ጠበቓኻ ናብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ውሳኔ ናይ IND ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዳኛ ክግምግም እዩ።