ምንጪ፡ Julia Zavalishina | Shutterstock
ዓንቀጽ

ዜግነት ኔዘርላንድ ንምርካብ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 4/18/2025 10:48 ቅ.ቀ.

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ድማ ትደልይ ዲኻ? እዚ ብመንገዲ 'naturalisatie' ክግበር ዝከኣል እዩ። ነዚ ንምግባር ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ኣብዚ መርሓ ውጥን፣ ናይ ዑቕባ ፍቓድ እንተሃልዩካ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ኣየኖት ምዃኖምን፣ እቲ መስርሕ ብኸመይ ከምዝካየድን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ዜግነት ንምርካብ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት እዚኦም እዮም  

  1. ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ እዩ። 

  2. ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ን5 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ብተኸታታሊ ኣብ ኔዘርላንድ ተቐሚጥካ ኣለኻ። ከምኡ እውን ኩሉ ግዜ መንበሪ ፍቓድካ ኣብ ግዚኡ ኣናዊሕካዮ ኢኻ። 

  3. ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ። ስለዚ መጀመርያ ናይ 5 ዓመት ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ነይሩካ። ከምኡ እውን ግዜኡ ምስ ኣኸለ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ኣመልኪትካን፣ እዚ ድማ ተዋሂቡካን እዩ። ኔዘርላንዳዊ ክትከውን እትኽእል ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ። ብዛዕባ ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ ምምልካት ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ 

  4. ዝተዋሃሃድካ ኢኻ። እዚ ማለት እኹል ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትዛረብ፣ ከተንብብ፣ ክትጽሕፍን ክትርዳእን ትኽእል ማለት እዩ። ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ እውን ክትነብር እትኽእል ኢኻ። ከም ዝተዋሃሃድካ ንምርግጋጽ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማ ረኺብካ ክትከውን ኣለካ። ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማ ሒዝካ ጥራይ ኢኻ ኔዘርላንዳዊ ክትከውን እትኽእል።  

  5. ኣብ ኔዘርላንድ ንሕብረተሰብ ይኹን ንድሕነት ሓደጋ ትፈጥር ኣይኮንካን።  

  6. ኣብቲ ኔዘርላንዳዊ ዜግነት እትቕበለሉ ኣኼባ ‘መግለጺ ተወፋይነት’ ክትዛረብ ቃል ትኣቱው። ኣብቲ መግለጺ ድማ ሕግታት ኔዘርላንድ ምስ ኩሉ መሰላትን ግዴታታትን ንዓኻ እውን ከም ዝምልከቱ ትፈልጥ ምዃንካ ትገልጽ። ከም እተኽብሮምን ከም እትጣበቐሎምን ድማ። 

ኔዘርላንዳዊ ክትከውን እንተኾይንካ ቀዳማይ ስምን ናይ መወዳእታ ስምን ክህልወካ ኣለዎ 

ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ነፍስወከፍ ሰብ ቀዳማይ ስምን መወዳእታ ስምን ክህልዎ ኣለዎ። ስምካ 1 ቀዳማይ ስምን 1 መወዳእታ ስምን ዘይብሉ ተኸታታሊ ኣስማት ዝሓዘ ድዩ? ስለዚ ኔዘርላንዳዊ ክትከውን እንተደሊኻ፣ ካብቶም ኣስማት ሓደ ከም መወዳእታ ስም ክትመርጽ ኣለካ። 

ኔዘርላንዳዊ ዜጋ ንኽትከውን ካብ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ሓደ፣ ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ። ስለዚ ትሕቲ 18 ዓመት እንተኾንካ፣ ኔዘርላንዳዊ ዜጋ ንኽትከውን ባዕልኻ ሕቶ ከተቕርብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እንተኾነ ግን ምስ ወላዲኻ (ወለድኻ) ብሓባር ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ሓባራዊ ምርካብ ዜግነት ይበሃል። ስለዚ ወላዲኻ (ወለድኻ) ኔዘርላንዳዊ ንምዃን ሕቶ ከቕርቡን፣ ኣብቲ ሕቶ ድማ ንስኻ ውላዶም ምዃንካን ንስኻ እውን ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ከም እትደልይን ከመልክቱ ኣለዎ።  

ብዘይ ወለዲ ዲኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለኻ? ስለዚ 18 ዓመት ክሳብ እትመልእ ክትጽበይ ኣለካ። ብድሕሪኡ ጥራይ ኢኻ ባዕልኻ ኔዘርላንዳዊ ክትከውን እትኽእል።  

ዜግነት ዘይብልካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ኔዘርላንዳዊ ንምዃን ካልኦት ቅድመ-ኩነታት ተፈጻምነት ኣለዎም 

ኔዘርላንዳዊ ዜጋ ንኽትከውን ካብ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ሓደ፣ ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ ዝብል እዩ። ስለዚ እዚ ማለት መጀመርታ ድሮ ን5 ዓመት ናይ ዑቕባ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ነይሩካ ማለት እዩ። ካብዚ ዝፍለዩ ብርክት ዝበሉ ኩነታት ኣለዉ። ካብዚኦም ሓደ ሃገር ኣልቦነት እዩ።

ሃገር ኣልቦ እንተድኣ ኮይንካ፣ ስለዚ ዜግነት ዘይብልካ እንተኾይኑ ድሮ ድሕሪ 3 ዓመት ዜግነት ኔዘርላንድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ፍልስጤማዊ እንተኾንካ እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ተፈጻምነት ኣለዎ። እንተኾነ ግን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝርከብ

እውን ብወግዒ ከም ‘ሃገር ኣልቦ’ ተመዝጊብካ ዘለኻ ክትከውን ኣለካ። 'ዜግነቱ ዘይፍለጥ' ተባሂልካ ዝተመዝገብካ ክኸውን የብሉን። እዚ እኹል ኣይኮነን። ኣብ BRP 'ዜግነቱ ዘይፍለጥ' ተባሂልካ ዲኻ ተመዝጊብካ ዘለኻ፣ ነዚ ክትቅይሮ ድማ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ እቲ ኣብ ደን ሃኽ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ሃገር ኣልቦ ምዃንካን ዘይምዃንካን ብወግዒ ክውስን ይኽእል እዩ። 

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝርከብ BRP ትምዝገብ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ መንነትካ ብIND ምስ ተረጋገጸ ድሮ ኣብ BRP ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ድማ ናብቲ (ኣብ መዕቆቢ) እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ትኸይድ። ኣብ BRP 'ሃገር ኣልቦ' ተባሂልካ እትምዝገብ ዜግነት ከምዘይብልካ ብመርትዖ ከተረጋግጽ እንተኽኢልካ ጥራይ እዩ። ነዚ ብሰነዳት ከተርእይ ክትክእል ኣለካ። ዜግነት ከምዘይብልካ ከተረጋግጽ እንተዘይክኢልካ፣ ሕጂ እውን ኣብ BRP ክትምዝገብ ትኽእል ኢኻ፣ እንተኾነ ግን ምስ ስምካ 'ዜግነቱ ዘይፍለጥ' ዝብል ክግበረሉ እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ኔዘርላንዳዊ ዜጋ ክትከውን ትኽእል 

ኔዘርላንዳዊ ዜጋ ክትከውን ንኽትክእል ካብ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ሓደ፣ መጀመርታ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣለዎ ዝብል እዩ። ካብዚ ዝፍለዩ ብርክት ዝበሉ ኩነታት ኣለዉ። ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣልቦነት፣ ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ሒዝካ ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ፡  

  • ቆልዓ እንከለኻ ምስ ወላዲኻ (ወለድኻ) ብሓባር ኔዘርላንዳዊ ምስ እትኸውን። ቀዋሚ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ኣየድልየካን እዩ። ግዝያዊ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ክህልወካ ይኽእል እዩ። 16 ወይ 17 ዓመት እንተኾይንካ፣ እዚ ፍቓድ ን3 ተኸታተልቲ ዓመታት ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ምስኡ ኔዘርላንዳዊ እትኸውን ወላዲ (ወይ ወለዲ) ግን ቀዋሚ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ክህልዎ/ም ኣለዎ።  

  • ቀጺሉ ምስ ስድራ ንምጽንባር ብዝተገብረ ጉዕዞ (ምጥርናፍ ስድራ-ቤት) ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ከምኡ እውን መጻምድትኻ ቀዋሚ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ኣለዋ ድዩ? ስለዚ ግዝያዊ ናይ ዑቕባ ፍቓድ ሒዝካ እውን ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሽዑኡ ንዝተረፉ ኩሎም ካልኦት ቅድመ-ኩነታት ባዕልኻ እተማልእ ክትከውን ግን ኣለካ።   

ኔዘርላንዳዊ ዜጋ ክትከውን ንኽትክእል ካብ ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት ሓደ፣ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማ ዝረኸብካ ክትከውን ኣለካ ዝብል እዩ። ኣብ ገሊኦም ኩነታት እዚ ኣድላዪ ኣይኮነን። እቶም ፍሉያት ኩነታት እዚኦም እዮም፡

  • ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ናይ ምውህሃድ ጠለብ ነጻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ናይ ምውህሃድ ፈተና ክትወስድ ኣየድልየካን ማለት እዩ። እዚ ዝከኣል ንኣብነት ድሮ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብእኹል መልክዑ ከተንብብ፣ ክትጽሕፍ፣ ክትዛረብን ክትርዳእን ከም እትኽእል ከተርእይ እንተኽኢልካ እዩ።   

  • ሓደ ሓደ ግዜ ሕድገት ክግበረልካ እውን ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ድማ ​​ናይ ምውህሃድ ፈተና ክትሓልፍ ኣየድልየካን ማለት እዩ። ወይ ድማ ኩሎም ከፊላዊ ፈተናታት ምሕላፍ ኣየድልየካን። እዚ ዝከኣል ንኣብነት ብሕክምናዊ ምኽንያት ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ነቲ ናይ ምውህሃድ ፈተና ክትሓልፍ እንተዘይክኢልካ እዩ። ወይ ድማ ናይ ብሓቂ ብዙሕ ከም ዝጸዓርካ፣ እንተኾነ ግን ክሰልጠካ ከምዘይከኣለ ከተርእይ እንተድኣ ክኢልካ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር