ምንጪ፡ Unsplash
ዓንቀጽ

ሃገራዊ መደብ ክታበት ንደቂ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 7/22/2026 12:23

ሃገራዊ መደብ ክታበት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ሕጻናት ኣንጻር ሓደገኛታት ሕማማት ብነጻን ብወለንታን ክታበታት ይህብ። እዚ ንደቂ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት እውን ይምልከት እዩ። እዚ መደብ ክታበት ኔዘርላንድ ከመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ሃገራዊ መደብ ክታበት ኣብ ኔዘርላንድ

ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሕጻናት 1 ወይ ልዕሊኡ ክታበት ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ንምውሳድ ዕድመ ይቕበሉ። እዞም

ኣካል ሃገራዊ መደብ ክታበት (RVP) እዮም። ንውላድካ ድማ ካብ ከበድቲ ሕማማት ይከላኸልሉ።

ኣብ እዋን ክታበት ውላድካ ብኣዝዩ ውሑድ መጠን ድኹም ቫይረስ ወይ ባክተርያ ይውጋእ። ድሕሪኡ ኣካል ናይ ውላድካ

የፍሪ። እዞም ጸረ ጓና ኣካላት ድማ ካብቲ ሕማም ይከላኸልሉ። ውላድካ ድሒሩ በቲ ናይ ሓቂ ሕማም እንተድኣ ተለኺፉ፣ ኣይሓምምን ወይ ድማ ሒደት ጥራይ ይሓምም።

ሕጻናት ነቲ ናይ መጀመርታ ክታበት ዝወስዱ ዕድሚኦም ሒደት ሳምንታት ምስ መልኡ እዮም። ናይ መወዳእታ ክታበት ዝወስዱ ድማ 14 ዓመት ምስ ኮኑ እዩ። ሕጻናት ከም

ዝኣመሰሉ መብዛሕትኡ ክታበት፣ ቅድሚ 5ይ ዓመት ልደቶም ይወስዱ።

ውላድካ ክታበት ክወስድ ናይ ዝኽእለሉ ዕድመታት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ፣ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RIVM ይርከብ።

መንግስቲ ንኽታበት ሕጻናት ዝኸውን ናይ ዕድመ ደብዳቤታት ይልእኽ

ንክታበት ዝኸውን ናይ ዕድመ ደብዳቤታት ይልእኽ። እዚ መንበሪ ፍቓድ ናይ ዘለዎም ሰባት ቆልዑት እውን ይምልከት እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ውላድካ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ተመዝጊቡ ዝርከብ ክኸውን ኣለዎ።

ክታበታት ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ እዮም። ግዴታ ድማ ኣይኮኑን።

እቶም ክታበታት ብሓኪም ወይ

እዮም ዝውሃቡ። እዚ ድማ ኣብ
፣ ወይ
ይካየድ። ናበይ ክትከይድ ከም ዘለካ ድማ ኣብቲ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ተጠቒሱ ክትረኽቦ ኢኻ።

RIVM ንኹሎም ክታበታት ይምዝግብ። እዚ መንግስቲ ክንደይ ሕጻናት ከም ዝተኸተቡ ክፈልጥ የኽእሎ። እዚ ድማ ኔዘርላንድ ክሳብ ክንደይ ካብ ሕማማት ምክልኻል ከም እትረክብ ንምርኣይ ኣገዳሲ እዩ።

ክታበት ሓደገኛ ድዩ?

ኣብ ኔዘርላንድ ክታበታት ብገለልተኛ ውድብ ብዕምቆት ይፍተኑ እዮም። ስለዚ ውሑሳት እዮም። እቲ ምውጋእ መርፍእ ግን ቁሩብ ደስ ዘይብል ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ቆልዓ ድሕሪ ክታበት ቁሩብ ሕማም ይስምዖ እዩ። እዚ ንቡር እዩ። እዚ ድሕሪኡ ኣካሉ ኣንጻር እቲ ሕማም መከላኸሊ (ጸረ ጓና ኣካላት) ኣብ ምፍራይ ተጸሚዱ ስለ ዝርከብ እዩ። ሓደ ሕጻን ረስኒ ክሕዞ፣ ክደክም፣ ሸውሃቱ ክጎድል ወይ ድማ ኣብቲ መርፍእ ዝተወግኣሉ ቦታ ቀይሕን ቃንዛ ዘለዎን ነቚጣ ክህልዎ ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ምልክታት ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ባዕሎም ይጠፍኡ እዮም።

ውላድካ ኣዝዩ ፍዘት ማለት ድንዛዘ ምስ ዝህልዎ፣ ምስ ዝቃዝን ማለት ናይ ቃንዛ ድምጺ ምስ ዝህልዎ፣ ልዑል ረስኒ (ልዕሊ 39.5°C) ምስ ዝህልዎ ወይ ሻቕሎት ምስ ዝህልወካ፣ ናብ

፣ ወይ ድማ ናብ
ደውል።

ክታበት ንምንታይ ኣገዳሲ እዩ?

ሃገራዊ መደብ ክታበት ካብ ዝጅምር ድሮ 80 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ዳርጋ ኩሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ሰባት ይኽተቡ እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ደጊም ብዙሓት ሓደገኛታት ሕማማት ኣብዚ ኣይረኣዩን እዮም።

ክታበት ኣገዳሲ እዩ። ብኸምዚ እዚ ጥራይ ኢና ሕማማት ከይስፋሕፋሕ ክንከላኸል እንኽእል።

ሓደ መውዓሊ ሕጻናት ወይ ቤት-ትምህርቲ ውላድካ እንተድኣ ዘይተኸቲቡ ክነጽጎ ይኽእል ድዩ?

ኣብያተ-ትምህርቲ ንዘይተኸተቡ ሕጻናት ክነጽጋ ኣይፍቀደለንን እዩ፣ ምኽንያቱ ሕጻናት ብመሰረት ግዴታዊ ትምህርቲ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ስለ ዝግደዱ።

ብዝምልከት ዝተፈልዩ ሕግታት ተፈጻምነት ኣለዎም። ትካላት መውዓሊ ሕጻናት ሓደ ሓደ ግዜ ንዘይተኸተቡ ሕጻናት ክነጽጋ ይፍቀደለን እዩ። ይኹን እምበር እዚ ዝፍቀድ ጽኑዕ ሕግታት ምስ ዝኽተላ ጥራይ እዩ። ንኣብነት ሃይማኖት ወይ ካልእ ውልቃዊ ባህርያት ናይ ቆልዑት መሰረት ብምግባር፣ ኣድልዎ ክገብራ ኣይፍቀደለንን እዩ።

ነፍሰጾር ደቂ-ኣንስትዮ እውን ክታበት ይወስዳ

ኣብ ኔዘርላንድ ክታበት ድሮ ኣብ እዋን ጥንሲ እዩ ዝጅምር። ኣብ መበል 22 ሰሙን ናይ ጥንስኺ፣ ኣንጻር

ክታበት ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ድማ ውላድኪ ድሕሪ ምውላዱ ዝሓሸ መከላኸሊ ከም ዝረክብ የረጋግጽ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር