
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክሳብ ክንድዚ ግዜ ይወስድ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምውሳን ካብ 20 ክሳብ 24 ኣዋርሕ ከም ዝወስድ ይግምት። ድሕሪ እቲ ውሳኔ መብዛሕትኡ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ ቪዛ ንኽወስድን ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእን ናይ 3 ኣዋርሕ ግዜ ኣለዎ።
ሕጂ IND ድሕሪ 20 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ንመመልከቲኻ ምግምጋም ዝጅምር
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ድሕሪ ምርካብካ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣመልኪትካ ዲኻ? ስለዚ
ብድሕሪኡ IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ንምውሳን ካብ 1 ክሳብ 5 ወርሒ ክወስድ እዩ።
1. ዝርዝር ሓበሬታታትካ ምሉኣት እዮም
ኩሎም ዝርዝር ሓበሬታታትካ ምሉኣት እንተድኣ ኮይኖም፣ IND ውሳኔ ንምሃብ ብገምጋም 4 ሳምንታት ክወስድ እዩ። እዚ ድማ ከባቢ ሓደ ወርሒ እዩ።
2. ገና ቃለ-መሕትት ወይ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ የድልየካ
IND ተወሰኽቲ ሕቶታት ክሓተካ ይደልይ ድዩ? ወይ IND መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ክትገብር ዘለካ ኮይኑ ረኺብዎ ድዩ? ስለዚ IND ንኽውስን ብገምጋም ገና 16 ሳምታት ክወስድ እዩ። እዚ ድማ ከባቢ 4 ኣዋርሕ እዩ።
3. ፋይልካ ምሉእ ኣይኮነን
ፋይልካ ምሉእ ኣይኮነን ድዩ፣ ከምኡ እውን IND ተወሳኺ መርመራ ከካይድ ይደልይ ድዩ? ስለዚ IND ንኽውስን ብገምጋም 20 ሳምንታት ክወስድ እዩ። እዚ ድማ ከባቢ 5 ኣዋርሕ እዩ።
ስለዚ ብድምር፣ IND ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ውሳኔ ቅድሚ ምሃቡ ካብ 20 ክሳብ 24 ኣዋርሕ ክወስድ እዩ።
እቲ ውሳኔ ኣወንታዊ እንተድኣ ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽጎዓዝ 3 ኣዋርሕ ኣለዎ።
IND ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ዝፍቀደሉ ምዃኑ ወሲኑ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ
ሓደ ሓደ ግዜ ኣባል ስድራ-ቤትካ MVV ንምውሳድ 6 ኣዋርሕ ኣለዎ። ንኣብነት ኣባል ስድራ-ቤትካ ብሰንኪ ኲናት ናብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ንክኸይድ ምስ ዝጽገም። ብዛዕባ እዚ ምስ IND ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።
ብወግዒ IND ንዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምምስራሕ 6 ኣዋርሕ ጥራይ እዩ ክወስድ ዝፍቀደሉ
መጀመርታ ብመሰረት ሕጊ IND መመልከቲ ድሕሪ ምቕራቡ እንተበዝሐ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ውሳኔ ክህብ እዩ ዝግብኦ ነይሩ። ኣብ 2022 ግን መንግስቲ ኔዘርላንድ IND
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እተመልክትሉ እዋን ካብ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ዝግበር ደገፍ
ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ 2025 ጀሚሩ
ሕጂ ውን ብዛዕባ ኣገባብ ጥርናፈ ስድራቤት ሕቶታት ከምዘለኻ ርዱእ እዩ። ምናልባት ምድንጓይ ክትሓትት ከድልየካ ይኽእል እዩ፣ ወይ ድማ ብሰንኪ ናይ ጉዕዞ ጉዳያት ዝተፈላለየ ኤምባሲ ክትገልጽ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ኣባላት ስድራቤትካ እውን ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት የጋጥሞም ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ወይ ዝኾነ ለውጢ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ምስ IND (ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን ኣገልግሎት) ተወከስ። ካብ 1 ታሕሳስ 2025 ጀሚሩ "ናይ ስድራ ቤት ጥርናፈ ዑቕባ ቁጽሪ ተሌፎን" ክትድውል ትኽእል ኢኻ፡ 088 - 043 04 00. እቲ ቁጽሪ ኣብ ገጽ "
ኣስተውዕል፡ ቅድሚ 1 ታሕሳስ 2025 ዲኻ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ናብ IND ኣቕሪብካ? ከምኡ እውን ካብ IND ብዛዕባ ዝተቐበልካዮ ደብዳቤ ወይ ካልእ መልሲ ንምሃብ ደገፍ የድልየካ ድዩ? ኣብ ከምኡ ኩነታት VWN ገና ግዝያዊ ደገፍ ክህብ ይኽእል እዩ (ክሳብ ሰነ 2026)። ምስ
ድሮ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ኣለካ ድዩ? ኣብ ከምኡ ኩነታት፣ VWN ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክድግፈካ ይኽእል እዩ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ VWN ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ እዚ ዝስዕብ ክገብረልካ ይኽእል፡
ብዛዕባ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሓበሬታ ይህብ።
ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብ ምምላእ ይሕግዘካ።
ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብስምካ ምስ IND ርክብ ይገብር።
ካብ IND ብዛዕባ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ብዝምልከት ንዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ይሕግዘካ።
ሓደ ሓደ ግዜ VWN፣ ካብ
ብዝርከብ ኣበርክቶ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝገብርዎ ገለ ክፋል ወጻኢታት መጎዓዝያ ክከሓስ እዩ።ማዕከን ስደተኛታትኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሑን፣ ኣብ ምምሕርዳር ከተማ ንዓኹም ዝኸውን መንበሪ ገዛ ምስ ዝህሉን፣ ንግብራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ይድግፈካ። ንኣብነት ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፋት ከምኡ እውን
ኣብ ምሕታት። ወይ ድማ ውዕል መድሕን ጥዕና ኣብ ምግባርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሓኪም-ስኒን ቤት-ትምህርትን ንምምዝጋብን።ኣበላትንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተድኣ ተነጺጉን፣ ይግባይ ክትብል እንተደሊኻን፣ VWN ጠበቓ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት
IND መመልከቲኻ ንምምስራሕ ኣዝዩ ግዜ ምስ ዝወስድ ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ
IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ እንተድኣ ወሲዱ፣ ንIND ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ ክትህቦ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት IND ስምምዑ ኣብ ግዚኡ ከም ዝፍጽምን፣ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ ውሳኔ ከም ዝወስድን ከረጋግጽ ከም ዘለዎ ብወግዒ ትሕብር ማለት እዩ። ብዛዕባ እዚ እውን ካብ VWN ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።