መስርሕ ዑቕባ
ኣብ ንኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ከተመልክት ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን፣ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ሓለዋ ንምርካብ ብቑዕ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክምርምር እዩ። IND ኣየናይ መስርሕ ዑቕባ ከም ዝምልከተካ እውን ይውስን። ኣብዚ ታሕቲ ኣየኖት መስርሓት ዑቕባ ከምዘለዉ ትርእይ ትኽእል ኢኻ። ንነፍስወከፍ መስርሕ ኣየኖት ስጉምትታት ከም ዝምልከቱ እውን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
መርሓ ውጥን (3)
ሓበሬታ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ
ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክትፋታሕ ይከኣል እዩ። ዋላ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይተመርዓኻ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን። ፍትሕ ኣብ ናትካን ናይ መጻምድትኻን መስርሕ ዑቕባ ሳዕቤናት ክህልዎ ግን ይኽእል እዩ።
ዓንቀጽ
መርዓን ፍትሕን

3:27
ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ (VWN) እንታይ ይገብር?
ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ (VWN) ንስደተኛታት ዝሕግዝ ነጻ ውድብ እዩ። VWN እንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ ምእንቲ ክትፈልጥ ኣብ መስርሕ ዑቕባ ይመርሓካ፣ መብርሂ ይህበካ፣ ሕቶታት ይምልስን፣ ታሪኽካ ብንጹር ንኽትነግር ይሕግዘካን።
ቪድዮ

7:19
ዑቕባ ንምርካብ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ዘጋጥሙኻ ውድባት
ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ትራኸብ ኢኻ። ኣብዚ ቪድዮ ድማ መን ምዃኖምን፣ እንታይ ከም ዝገብሩን ኣብሪህናዮ ንርከብ።
ቪድዮ

