ቋንቋን ባህልን

ኣብዚ ገጽ እዚ ብዛዕባ ቋንቋን ባህልን ኔዘርላንድ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ፡ ካብ ብሂላትን ብቃላት ዋዛን ክሳብ በዓላትን ፍሉጣት ሰባትን ካብ ታሪኽ ኔዘርላንድ። ብዛዕባ ኔዘርላንዳውያን ስነ-ጥበባዊያንን ናይ ኔዘርላንድ ስነ-ምግባርን እውን ዝያዳ ኣንብብ።


ሓበሬታ

ሓደ ነገር ኣብ ዘይሰልጠሉ እዋን እንታይ ክትብል ትኽእል? ጠቐምቲ ሓረጋት ብቋንቋ ኔዘርላንድ

ኣብ መዓልታዊ ህይወት መብዛሕትኡ ግዜ ሓጸርቲ ሓረጋት ትሰምዕ። እዚኦም ኩሉ ግዜ ቀለልቲ ኣይኮኑን። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሓደ ነገር መዓስ ከም ዘይሰርሕ ዝጠቅም ሓረጋት ክትመሃር ኢኻ። በዚ ኸምዚ፡ ዝሓሸ ምላሽ ክትህብን ሓገዝ ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ
ዕለታዊ ቋንቋ

ኣሌታ ጃኮብስ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝተቓለሰት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ዶክተር

ኣሌታ ጃኮብስ ታሪኽ ኔዘርላንድ ቀይራቶ። ደቂ ኣንስትዮ ዳርጋ ንኽመሃራ ዕድል ኣብ ዘይነበራሉ እዋን እያ ሓኪም ኮይና። ብድሕሪኡ ንደቂ ኣንስትዮ ማዕረ መሰላት ንምሃብ ንነብሳ ወፍያ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ መን ከም ዝነበረትን እንታይ ከም ዝረኸበትን ክትፈልጡ ኢኹም።

ዓንቀጽ
ፍሉጣት ኔዘርላንዳውያን

ናይ ኔዘርላንድ ብሂላት፡ 'ቱፋሕ' ኣብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል?

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዙሕ ብሂላት ዝመልኦ እዩ፣ ብዛዕባ መግቢ እውን ከይተረፈ። ንኣብነት 'ቱፋሕ' ዝብል ቃል ልሙድ ኮይኑ ሓያሎ ትርጉማት ኣለዎ። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ብሂላትን ትርጉሞምን ከተንብብ ኢኻ። ብሂላት ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዎም ተራ ብዝምልከት እውን ከነብርሆ ኢና።

ዓንቀጽ
ዕለታዊ ቋንቋ

ዊለም ድሪስ፡ ድሕሪ ኲናት ንኔዘርላንድ ዳግማይ ዝሃነጸ ቀዳማይ ሚኒስተር

ዊለም ድሪስ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንኔዘርላንድ ዳግማይ ዝሃነጸ ሰብ ተባሂሉ ይግለጽ። ን10 ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለን ህዱእን ዘተኣማምንን መራሒ ምንባሩ ይፍለጥ። ብዙሓት ሰባት “ንእሽቶ ኣቦ ድሪስ” ኢሎም ይጽውዕዎ። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ብዛዕባ ዊለም ድሪስን፣ ስለምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምንባሩን ዝያዳ ከተንብብ ኢኻ።.

ዓንቀጽ
ፍሉጣት ኔዘርላንዳውያን

ናይ ኔዘርላንድ ብሂላት፡ 'እንቋቑሖ' ኣብ ቋንቋ ኔዘርላንድ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል?

ቋንቋ ኔርዘላንድ ብዛዕባ መግቢ ብዙሕ ብሂላት ኣለዎ። "እንቋቑሖ" ዝብል ቃል መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ትርእይ ኢኻ። እዞም ብሂላት መብዛሕትኡ ግዜ ቃል ንቃል ንእንቋቑሖ ዝምልከቱ ዘይኮኑስ፣ የግዳስ ንቐሊል፣ ንእሽቶ ወይ ክቡር ነገር ዘመልክቱ እዮም።

ዓንቀጽ
ዕለታዊ ቋንቋ

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብመደብ 'ዜናታት NOS ብቐሊል ቋንቋ' ብዝበለጸ ተማሃር

ቋንቋ ኔዘርላንድ እናተመሃርካ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉ ዜናታት ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ስራሕ መዓልቲ 'NOS Journaal in Makkelijke Taal' ማለት ዜናታት ብቐሊል ቋንቋ ዝበሃል መደብ ክትከታተል ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ
ትምህርቲ ቋንቋ

ቋንቋ ኔዘርላንድ ብቪድዮታት ካብ ቀሊል ኔዘርላንድ ትመሃር።

'Easy Dutch' ብዛዕባ ቋንቋ ኔዘርላንድ ቪድዮታትን ፖድካስትን ዝሓዘ መድረኽ እዩ። እቲ ትሕዝቶ መዓልታዊ ህይወት ኔዘርላንድ ዝሽፍን እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዝጥቀሙሉ ቓላትን ሓረጋትን ትመሃር። ብዛዕባ 'Easy Dutch' ዝያዳ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ
ትምህርቲ ቋንቋ

ኣብ ኔዘርላንድ ክትሳተፉሎም እትኽእል ኣገደስቲ ናይ LHBTQIA+ ንጥፈታት

ኣብ ኔዘርላንድ ብፍላይ ንLHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ "Pride"፣ "Canal Parade"፣ ሮዛዊት ቀዳምን ካልኦት ንጥፈታትን። ብተወሳኺ ናይ ስደተኛ ድሕረ ባይታ ንዘለዎም LHBTQIA+ ሰባት ዝዓለሙ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብ ዘተኮሩ ውድባት እውን ኣለዉ።

ዓንቀጽ
LHBTQIA+