ትምህርቲ
ኣብዚ ገጽ እዚ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ንህጻናትን ዓበይትን ኣብ ኔዘርላንድ ክትረኽቡ ኢኹም-ንኣብነት፡ ብዛዕባ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ብደረጃ MBO፡ HBO ወይ ዩኒቨርሲቲ ምጽናዕ፡ ከምኡ’ውን ክፍሊት ትምህርትን ካልእ ወጻኢታትን።
ሓበሬታ

ካብ መዋእለ ሕጻናት ክሳብ ዩኒቨርሲቲ፡ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ይሰርሕ?
ስርዓተ ትምህርቲ ኔዘርላንድ ዝተሓላለኸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለየ ምዕራፋት ዕድመ ይምቀል። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ፣ ካብ መዋእለ ሕጻናት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝወስድ መንገዲ ከመይ ከም ዝመስል ከተንብብ ኢኻ።

ብመንበሪ ፍቓድ ትምህርቲ ንምክትታል ዘለዉ ቅድመ-ኩነታት
ኣብ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ንምክትታል ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ብዛዕባ እቶም ቅድመ-ኩነታት ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ብመንበሪ ፍቓድ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ኔዘርላንድ
ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዲኻ ዲፕሎማኻ ረኺብካ፣ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማኻ ዝሰማማዕ ሞያ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ትፈልጥ። 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ድማ ትኽእል ኢኻ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብ ኔዘርላንድ
ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸይድ ምስ እትኸውን፣ ንስኻ ባዕልኻ ወይ ውላድካ ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክትረኽቡ ከም እትደልዩ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ዓንቀጽ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ምርጫ ኣብ ኔዘርላንድ፡ ብኸመይ ዝሰማማዓካ መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ወይ ስልጠና ትመርጽ
ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሓት መደባት ትምህርቲ ኣለዉ። ስለዚ ጽቡቕ ምርጫ ንምግባር ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንዓኻ ዝሰማማዕ ስልጠና ወይ መደብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብኸመይ ከም እትመርጽ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ደረጃ ብደረጃ ከተንብብ ኢኻ።

መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ
ካብ 4 ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ናብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ 8 ጉጅለታት ኣለዎ። ቆልዑት ካብ 5 ዓመት ዕድሚኦም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም፣ መብዛሕትኦም ቆልዑት ኔዘርላንድ ግን ካብ 4 ዓመት ዕድሚኦም እዮም ናብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱ። መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ብዝምልከት ኩሉ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ
ድሕሪ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ቆልዑት ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታትን ዓመታትን ዝሓቖፈ እዩ። ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም። ኣብዚ ገጽ ኩሉ ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ ላዕለዋይ ትምህርቲ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እትከታተሎ ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዲፕሎማኻ እዩ ዝምርኮስ። ኣብዚ ዓንቀጽ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትጅምር ምስ እትኸውን ብዛዕባ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

BBLን BOLን፣ ናይ mbo ስልጠና ንምክትታል ክልተ ኣገባባት
ኣብ ኔዘርላንድ ማእከላይ ሞያዊ ትምህርቲ (mbo) ንምክትታል ክልተ ኣገባባት ኣለዉ፡ ብመንገዲ BBL ወይ BOL። ክልቲኦም ስልጠናታት ወግዓዊ ናይ mbo ዲፕሎማ ከም እትረክብ ዝገብሩ እዮም፣ እንተኾነ ግን እቲ ኣገባብ ትምህርቲ ዝተፈላለየ እዩ። ስለዚ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ስልጠናታት ዘሎ ፍልልይ እንታይ ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ናይ mbo ትምህርቲ ክትከታተል ምስ እትደልይ፣ እዚ ከተዋድድ ኣለካ
ኣብ ኔዘርላንድ mbo መደብ ትምህርቲ ክትከታተል እንተድኣ ደሊኻ፣ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት ከተማልእ ኣለካ። ናይ መምሃሪ ክፍሊት ዝኣመሰሉ ወጻኢታትን፣ ናይ መእተዊ ጠለባትን ድማ ከጋጥሙኻ እዮም። ብኸመይን ኣበይን ከም እትምዝገብ፣ እንታይ ከተዋድድ ከም ዘለካ፣ እንታይ ንዝኸውን ክትከፍል ከም ዘለካን፣ እንታይ ዓይነት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።