ምንባር

መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ናብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ክትግዕዝ ትኽእል ኢኻ። ናብ ኣየናይ ምምሕዳር ከተማ ከም እትግዕዝ መንግስቲ እዩ ዝውስን። እቲ ምምሕዳር ከተማ መንበሪ ገዛ ይህብን ንውልቃዊ ኩነታትካ ኣቓልቦ ዝህብን እዩ ክኸውን።


መርሓ ውጥን (1)

ሓበሬታ

ብኸመይ ናይ መውዓዪ ቤት ወጻኢታትካ ትሑት ትገብሮ?

ሓጋይ ማለት ናይ ቁሪ ወቕቲ ጀሚሩ ኣሎ፣ ኣብ ግዳም ድማ ቁሪ እዩ ዘሎ። ገዛኻ ውዑይ ክኸውን ትደልይ ኢኻ፣ ኮይኑ ግን ምውዓይ ገዛ ክቡር እዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ፣ ናይ ምውዓይ (ጸዓት) ወጻኢታትካ ትሑት ንኽኸውን ዝሕግዙ ቀለልቲ ምኽርታት ከተንብብ ኢኻ። ብኸምዚ ገንዘብ ትቚጥብ፣ ገዛኻ ድማ ደስ ዝብል ሙቐት ይህልዎ።

ዓንቀጽ

ኣብ ናይ ማሕበራዊ ኣባይቲ ቤትካ ገለ ነገር እንተድኣ ተሰይሩ እንታይ ክትገብር ኣለካ?

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገዛኻ ከም ቧንቧ ማይ፣ መስኮት ወይ ስርዓተ-መውዓዩ ዝኣመሰለ ነገራት ክስበር ይኽእል። ገሊኦም ጽገናታት ባዕልኻ ክትገብሮም ኣለካ፣ ገሊኦም ጽገናታት ድማ እቲ ኮርፖረሽን ኣባይቲ ክገብሮም ኣለዎ። መን ኣየኖት ጽገናታት ናይ ምግባር ሓላፍነት ከም ዘለዎን፣ ኣብ ማሕበራዊ ኣባይቲ ገለ ነገር ምስ ዝስበር እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ገዛ እናተጸበኻ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ምቕናይ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ግን ገና ንዓኻ ዝኸውን ገዛ የለን ድዩ? ስለዚ ንግዚኡ ምስ ኣአንጋዲ ስድራ-ቤት ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ኣየድልየካን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካን ብዘይ ስድራ-ቤትካ ትነብር ምስ እትኸውንን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር

እንተድኣ ትሕቲ 18 ዓመት ኮይንካ፣ ንበይንኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካን ኣብዚ መንበሪ ፍቓድ እንተሃልዩካን፣ ኣብ ትሕቲ ሕግታት AMV ኢኻ እትምደብ። ኣብ ትሕቲ ደንቢ-AMV ትምደብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ንበይንኻ ክትነብር ኣይፍቀደልካን እዩ። NIDOS መንበሪ ንምርካብ ክሕግዘካ እዩ። እንታይ ሓገዝ ከም እትረክብን፣ ኣበይ ክትነብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ኣብ መዕቆቢ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ኣድልዎ፣ ምጒብዕባዕ፣ ምፍርራሕ ወይ ጎነጽ ከጋጥመካ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብኻልኦት ኣብቲ እትነብረሉ መዕቆቢ ቦታ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ። እዚ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ባህሪ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ናብ ፖሊስ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ።

ዓንቀጽ

እዚኦም ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዘለዉኻ መሰላትን ግዴታታትን እዮም

ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኢኻ ትነብር። ነፍስወከፍ መዕቆቢ ቦታን መሳለጥያታቱን ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ መዕቆቢ መሰላት፣ ግዴታታትን ሕግታት ገዛን ኣለዉኻ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ናይ ባዕልኻ ገዛ ዘይብልካ ክሳብ ዝኾንካ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምሕባር ግዴታ ኣብ መዕቆቢ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ገና ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታ ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ስለዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባኻ ትገብሮ ዝነበርካ፣ ኣብኡ ክትሕብር ግዴታ ኣለካ። እዚ ኣይትገብርን ዲኻ? ስለዚ መዕቆቢ ቦታኻን ሰሙናዊ ኣበልካን ክትስእን ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ደጊም ነዚ ተመሊስካ ኣይክትረኽቦን ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር