ምንባር

መንበሪ ፍቓድ ምስ ረኸብካ ናብ ሓደ ምምሕዳር ከተማ ክትግዕዝ ትኽእል ኢኻ። ናብ ኣየናይ ምምሕዳር ከተማ ከም እትግዕዝ መንግስቲ እዩ ዝውስን። እቲ ምምሕዳር ከተማ መንበሪ ገዛ ይህብን ንውልቃዊ ኩነታትካ ኣቓልቦ ዝህብን እዩ ክኸውን።

መርሓ ውጥን (1)

ሓበሬታ

ምምሕዳር ከተማ ብዛዕባ ዘቕረበልካ ገዛ እንተድኣ ዘይዓገብካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ምምሕዳር ከተማ ምስ ኩነትካ ዘይሰማማዕ ገዛ ድዩ ኣቕሪቡልካ? ንኣብነት ንስድራ-ቤትካ ኣዝዩ ንእሽቶ ስለ ዝኾነ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ምናልባት ካልእ ገዛ ክረኽበካ ዝግብኦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ብቚዕ ምኽንያት ክህልወካ ኣለዎ።

ዓንቀጽ

ንመኽፈሊ ክራይ-ገዛኻ ዝኸውን ኣበል ክራይ-ገዛ ብኸምዚ ኢኻ እተመልክት

ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ክራይ ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ መንግስቲ ክትረኽቦ እትኽእል ተወሳኺ ኣታዊ እዩ። ንኣብነት ብማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ጥራይ ክትነብር ዘለካ ምስ እትኸውን፣ ወይ ድጎማ ትምህርቲ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ።

ዓንቀጽ

ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተቐቢልካ ኣቑሑት ከተዋድደሉ ምስ እትደልይ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ

ካብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ተቐቢልካ ዲኻ? ስለዚ ኣቑሑት ከተዋድደሉ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ንገዛኻ ብሕሱር ዋጋ ኣቑሑት ከተዋድደሉ ዘኽእሉኻ ሓያሎ ኣገባባት ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ምምሕዳር ከተማ ገንዘብ ክትልቃሕ ወይ ክትቅበል እውን ትኽእል ኢኻ። ንገዛኻ ኣቑሑት ምውዳድ ብዝምልከት ክትፈልጦ ዘለካ ኩሉ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ውሕስነት እንተድኣ ዘይተሰሚዑካ እዚ ክትገብር ትኽእል

ኣብ መዕቆቢ ኣብ እትጸንሓሉ እዋን ኣድልዎ፣ ምጒብዕባዕ፣ ምፍርራሕ ወይ ጎነጽ ከጋጥመካ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ብኻልኦት ኣብቲ እትነብረሉ መዕቆቢ ቦታ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ። እዚ ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ ኣይፍቀድን እዩ። እዚ ባህሪ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ናብ ፖሊስ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እውን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ውድባት ኣለዉ።

ዓንቀጽ

እዚኦም ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዘለዉኻ መሰላትን ግዴታታትን እዮም

ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መዕቆቢ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኢኻ ትነብር። ነፍስወከፍ መዕቆቢ ቦታን መሳለጥያታቱን ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ መዕቆቢ መሰላት፣ ግዴታታትን ሕግታት ገዛን ኣለዉኻ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር