ስድራ-ቤታዊ ህይወትን ቆልዑትን

ኣብዚ ብዛዕባ ኣተዓባብያ፣ ዝምድና ወለድን ውላድን፣ መርዓን ፍትሕን፣ መውዓሊ ሓጻናትን ካልኦት ከም ወለዲ መጠን ኣብ ኔዘርላንድ ዘጋጥመኩም ዛዕባታትን ብዝምልከት ሓበሬታ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።


ሓበሬታ

ኩነታት ስድራ-ቤትካ ምስ ዝቕየር ብፊናንሳዊ መዳይ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ

ኩነታት ስድራ-ቤትካ እንተድኣ ተቐይሩ፣ እዚ ኣብ ኣታዊታትካን ወጻኢታትካን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ብሓባር ትነብር፣ ትምርዓው፣ ውላድ ትወልድ፣ ትፈላለይ፣ ወይ መጻምድቲ ብሞት ዝተፈለየትካ ምስ እትኸውን ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ ስድራ-ቤትካ ዝተፈላለየ ለውጢታት ምስ ዘጋጥም እንታይ ከተዋድድ ከምዘለካ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እናሃለወካ ክትምርዖ እንተድኣ ደሊኻ ክትፈልጦ ዘለካ

ንዝምድናኻ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ወግዓዊ ክትገብሮ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ ኔዘርላንድ ክትምርዖ ትኽእል ኢኻ። ዝምድናኻ ወግዓዊ ንምግባር ካልኦት ኣማራጺታት እውን ኣለዉ። ብዛዕብኡ ዝያዳ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ።

ዓንቀጽ
መርዓን ፍትሕን

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ

ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ክትፋታሕ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ብኸመይ ከምዝካየድ ግን ኣብ ውልቃዊ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ። ንኣብነት ፍትሕ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ፍቓድካን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምቕማጥካን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ፍትሕ ብኸመይ ከምካየድ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ
መርዓን ፍትሕን

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሓት መጻምድቲ ቅድሚ ምምርዓዎም ስለምንታይ ብሓባር ይነብሩ?

ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ እንተድኣ ኮይንካ፣ ብዙሓት መጻምድቲ ከይተመርዓዉ ብሓባር ከም ዝነብሩ ከተስተብህል ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ድሒሮም ይምርዓዉ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣይምርዓዉን። እዚ ቀደም ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ
መርዓን ፍትሕን

ስለምንታይ እዮም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ቆልዑት ብኣግኡ ገዛእ-ርእሶም ዝኽእሉ ዝኾኑ?

ኣብ ኔዘርላንድ ቆልዑት ምርጫታቶምን ርእይቶታቶምን ብዝምልከት ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ገዛእ-ርእሶም ዝኽእሉ እዮም። ኣብ ኔዘርላንድ ሓደስቲ ንዝኾኑ ወለዲ፣ እዚ ሓደ ሓደ ግዜ ካብቲ ዝለመድዎ ዝተፈልየ እዩ። ወለድን ቆልዑትን ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሳነዩን፣ እዚ ኣገባብ ኣተዓባብያ ካበይ ከም ዝመጽአን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ
ቆልዑት

ውላድካ ካባኻ ንላዕሊ ቀልጢፉ ቋንቋ ኔዘርላንድ እንተድኣ ተማሂሩ፡ ኣብ ገዛ እንታይ ይቕየር?

ብዙሓት ቆልዑት ካብ ወለዶም ንላዕሊ ቀልጢፎም ቋንቋ ኔዘርላንድ ይመሃሩ እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ገዛ ነገራት ይቕየሩ። ውላድካ ብዝተፈልየ ኣገባብ ምሕሳብ፣ ምዝራብን ምርጫ ምግባርን እውን ይመሃር። ንውላድካ ካብ ምዕባለኡ ከይዓገትካ ብኸመይ ክትድግፎ ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ
ቆልዑት

ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ መንጎ ወለድን ቤት-ትምህርትን ዘሎ ርክብ ዝተፈላለየ ኮይኑ ዝስምዓካ ስለምንታይ እዩ?

ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ እንተኾንካ፡ ምስ ቤት ትምህርቲ ውላድካ ርክብ ካብቲ ዝለመድካዮ ዝተፈልየ ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ። ቤት ትምህርትን ወለድን ብሓባር ይሰርሑ፡ ነፍሲ ወከፎም ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ተራ እውን ኣለዎም። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ከመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ
ቆልዑት

ማእከል መውዓሊ ሕጻናት እንታይ እዩ?

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሓት ቆልዑት ናብ ማእከል መውዓሊ ሕጻናት ይኸዱ እዮም። ኣብኡ ድማ ውላድካ ክጻወት፣ ክመሃርን ክምዕብልን ይኽእል። ማእከል መውዓሊ ሕጻናት ወለዲ ንስራሕ፣ ምውህሃድን ክንክንን ብዝበለጸ ንኽጽንብርዎም ይሕግዞም። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ፣ ማእከል መውዓሊ ሕጻናት እንታይ ምዃኑ፣ እንታይ ረብሓታት ከም ዘለዎን፣ ንውላድካ እንታይ ትርጉም ክህልዎ ከም ዝኽእልን ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ
መውዓሊ ሕጻናት

ኣብ ኔዘርላንድ ኣየኖት ዓይነት ማእከል መውዓሊ ሕጻናት ኣለዉ?

ንስኻን መጻምድትኻን ትሰርሑ እንተኾይንኩም ንውላድኩም ክንክን ህጻናት ከድልየኩም ይኽእል እዩ። ኣብ ሆላንድ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክንክን ህጻናት ኣለዉ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክንክን ህጻናት፡ ወጻኢታትን ውላድካ ኣብ ክንክን ህጻናት ክኸይድ ዝኽእለሉ ዝተሓተ ዕድመን ከተንብብ ኢኻ።

ዓንቀጽ
መውዓሊ ሕጻናት

ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር