
ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ነዚ ተዋድድ
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ዘቕረብካዮ መመልከቲ ጸዲቚ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ካብ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ቪዛ ክወስድ ይኽእል እዩ። እቲ ቪዛ ናብ ኔዘርላንድ ንምጉዓዝ የድልይ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ እውን ንኣባል ስድራ-ቤትካ ብርክት ዝበሉ ነገራት ከተዋድደሉ ኣለካ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ዝነብረሉ ቦታ ተዋድደሉ
ድሮ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝነብረሉ ገዛ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ መጽአ ምሳኻ ክነብር ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ምስ መጽኡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝዓበየ ገዛ ትረክብ ኢኻ። ኣብ ጉዳይካ እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብ VWN ናብ ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ ሕተት።
ኣብዚ ኣብ RefugeeHelp ዝርከብ ገጽ ፣ብምኽንያት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክትግዕዝ ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ እንታይ ከተዋድድ ከምዘለካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።ገና ኣብ መዕቆቢ ናይ COA ዲኻ ትነብር ዘለኻ? ስለዚ ካብ
ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝኸውን መዕቆቢ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ COA ገዛኻ ንዓኻን ንኣባላት ስድራ-ቤትካን ዘይምቹእ እንተድኣ ኮይኑ፣ እዚ ክትገብር ኣለካ፣ ንኣብነት ኣዝዩ ንእሽቶ ስለዝኾነ። ካብ 1 ታሕሳስ 2025 ጀሚርካ ሓገዝ ንምርካብ ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታ ምስ ዝርከብ COA ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ነዞም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ስጉምትታት ብምኽታል ድማ ነዚ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA)መዕቆቢ ንምርካብ ንኸተመልክት ናብ COA ኢ-መይል ስደድ። እቲ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ፡
ZevenaarDuiven@COA.nl እዩ፤ኣብቲ እትልእኮ ኢ-መይል ብዛዕባ ገዛእ-ርእስኻ ነዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ኣስፍር፡ ቀዳማይን መወዳእታን ስምካ፣ ቁጽሪ ተሌፎንካ፣ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻ፤
ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ናይ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኢ-መይልካ ኣካቲትካ ለኣኻ፡ ቀዳማይን መወዳእታን ኣስማት ናይ ኩሎም ብምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክጥርነፉ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፣
ናይ ኩሎም ክጥርነፉ ዝመጽኡ ኣባላት ስድራ-ቤት፤V-ቁጽሪታት
ብተወሳኺ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽእሉ ዕለትን፣ ንኣባላት ስድራ-ቤትካ መዓስ መዕቆቢ ከም ዘድልዮምን ለኣኽ። ኣብ ውሽጢ 2 ናይ ስራሕ መዓልታት ድማ ካብ COA ብመንገዲ ኢ-መይል መረጋገጺ ክትቕበል ኢኻ።
ኣብ ዜቨናር ኣብ ዝርከብ COA እኹል ቦታ የለን
ኣስተውዕል፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዜቨናር (Zevenaar) ኣብ ዝርከብ COA ኣዝዩ ሒደት ቦታታት ጥራይ እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ናብ ኔዘርላንድ ምስ ኣተኻ ኩሉ ግዜ ቅጽበታዊ መዕቆቢ የለን። ኩሉ ግዜ ብኢ-መይል ኣብ ግዚኡ መዕቆቢ ሕተት፣ ከምኡ እውን ካብ ኣየናይ ዕለት ጀሚርካ መዕቆቢ ከም ዘድልየካ ብንጹር ኣመልክት።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ምሳኻ ኣብ ገዛኻ ዝነብር እንተድኣ ኮይኑ፣ ባዕልኻ ምስ IND ቆጸራ ትሕዝ
ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ መንበሪ ፍቓዱ ክወስድ ኣለዎ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ነዚ ኣብ ጨንፈር ቤት-ጽሕፈት IND እዩ ዝገብሮ። ኣቐዲምካ ብኢንተርነት ቆጸራ ክትሕዝ እውን ትኽእል ኢኻ። ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ
ኣባል ስድራ-ቤትካ መዓስ ናብ ኔዘርላንድ ከም ዝኣቱው ምስ ፈለጥካ ብቐጥታ ቆጸራ ግበር። ከም ዓይኒ ሓቂ እቲ ምስ IND ዝግበር ቆጸራ፣ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልታት እዩ ክካየድ ዘለዎ። እንተኾነ ግን ኣብ IND ጻዕቂ ስራሕ ስለዘሎ ከምዚ ቀልጢፍካ ቆጸራ ክትሕዝ ዳርጋ ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ቆጸራ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ድሕሪ ምምጽኦም ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ጥራይ እዩ ዝካየድ። ስለዚ ኣባል ወይ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ቅድሚ ምምጽኦም ቆጸራ ክትሕዝ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ኣብ VWN ኮንታክትርፐሶን ኣለካ ድዩ? ስለዚ ቆጸራ ንምሓዝ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።
ምስ IND ቆጸራ ግበር
ኣባል ስድራ-ቤትካ ኣብ መዕቆቢ እንተድኣ ኮይኑ ክነብር፣ COA ምስ IND ቆጸራ ክሕዝ እዩ
ንኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝኸውን መዕቆቢ ንምርካብ ናብ COA ኢ-መይል ሰዲድካ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ COA ኣብ ዘቬናር ምስ ዝርከብ IND ቆጸራ ክሕዝ እዩ። ስለዚ ባዕልኻ ምስ IND ቆጸራ ክትሕዝ ኣየድልየካን እዩ።