ምንጪ፡ Merkportaal
ዓንቀጽ

ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንዝወሃብ ውሳኔ ምጽባይ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 11/24/2025 5:41 ድ.ቀ.

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ሕጂ ነቲ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክግምግሞ እዩ። ነቲ ውሳኔ ድማ ብፖስታ ክትቅበሎ ኢኻ።

2 ክውሰዱ ዝኽእሉ ውሳኔታት ኣለዉ

IND ብዛዕባ መመልከቲኻ ውሳኔ ድሕሪ ምሃቡ፣ ነቲ ውሳኔ ብደብዳቤ ክትቕበሎ ኢኻ። እዚ ውሳኔ እዚ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ እዩ፡

  • ኣወንታዊ ውሳኔ፡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ይፍቀደሉ እዩ።

  • ኣሉታዊ ውሳኔ፡ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክመጽእ ኣይፍቀደሉን እዩ።

IND ኣወንታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ እዩ ዝኸውን

IND ንዘቕረብካዮ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ኣጽዲቑዎ ድዩ? ስለዚ ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ኣብቲ ደብዳቤ ድማ ቀጺልካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ተጠቒሱ ይርከብ።

ኣብቲ መመልከቲኻ፣ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ቪዛኦም ክወስዱ እንተድኣ ተፈቒዱሎም ክኸድዎ ዝኽእሉ ኤምባሲ ሓቢርካ ኣለኻ። እዚ ቪዛ

ይበሃል። በዚ ቪዛ ድማ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ክገሹ ይኽእሉ። ነዚ ቪዛ ንምውሳድ፣ ኣባላት ስድራቤትካ መጀመርታ ምስቲ ኤምባሲ ቆጸራ ክሕዙ ኣለዎም። ነዚ ቆጸራ ምስ ሓዙ ድማ ካብቲ ኤምባሲ ብልክዕ እንታይ ሒዞም ናብ ኤምባሲ ክኸዱ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ናይ መረጋገጺ ኢ-መይል ክመጾም እዩ። ነዚ ኢ-መይል ብጥንቃቐ ኣንብቦ፣ ከምኡ እውን ልክዕ ከምቲ ዝተሓተተ ግበር። ንዝያዳ ሓበሬታ ነዚ ደረጃ ብደረጃ ዝገልጽ መርሓ-ውጥን ኣንብብ።

ኣብ መበቆል ሃገርካ ኤምባሲ ኔዘርላንድ የለን ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ኤምባሲ ኔዘርላንድ ናብ ዝርከበሉ ጎረቤት ሃገር ክጎዓዝ ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ IND ክሕብረካ እዩ።

ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጽኡ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ እዩ።

IND ኣሉታዊ ውሳኔ ምስ ዝወስድ ከምዚ እዩ ዝኸውን

IND ነቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ኣየጽደቖን ድዩ? ስለዚ ኣባል ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ንኽመጽእ ቪዛ ኣይክረክብን እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ኣንጻር እቲ ናይ IND ውሳኔ ተቓውሞ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ድማ ብሓገዝ ናይ ጠበቓ ክትገብሮ ዝበለጸ እዩ።

ኣንጻር ናይ IND ውሳኔ ተቓውሞ ምቕራብ

ኣሉታዊ ውሳኔ እንተድኣ ተቐቢልካ፣ ጠበቓ ብስምካ ተቓውሞ ከቕርብ ይኽእል እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ምስ ጠበቓ ተራኸብ። ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣሉታዊ ውሳኔ ድሕሪ ምቕባልካ፣ ኣብ ውሽጢ 4 ሳምንታት ተቓውሞ ከተቕርብ ኣለካ።

  • ቅድሚ 1 ታሕሳስ 2025 ዲኻ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ኣቕሪብካ፣ ኣብ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር፣ ከምኡ እውን ተቓውሞ ንምቕራብ ጠበቓ የድልየካ ድዩ፣ ግን ድማ ኣበይ ከም እትረክብ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ወይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ቤት ዲኻ ትነብር? ስለዚ ኣብዚ ገጽ ኣብ RefugeeHelp ምስ ሓደ ናይ VWN ኣባል ቆጸራ ሓዝ። VWN ምናልባት ከመሓላልፈካ ይኽእል ይኸውን እዩ።

  • ድሕሪ 1 ታሕሳስ 2025 ዲኻ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ኣቕሪብካ፣ ኣብ መዕቆቢ ወይ VWN ኣብ ዘይብሉ ምምሕዳር ከተማ ዲኻ ትነብር ዘለኻ፣ ከምኡ እውን ተቓውሞ ከተቕርብ ጠበቓ የድልየካ ድዩ፣ ግን ድማ ኣበይ ከም እትረክብ ኣይትፈልጥን ዲኻ? ስለዚ Juridisch Loket ናብ ጠበቓ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር