ምንጪ፡ Aleksandar Malivuk
ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ብኸምዚ ኢኻ ትረክብ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 8/17/2025 7:29 ድ.ቀ.

ኣብ ኔዘርላንድ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክትረክብ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ትከታተል፣ ከምኡ እውን ናይ ክልሰ-ሓሳብን ግብራውን ፈተናታት ክትወስድ ኣለካ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ብዛዕባ እዚ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ካብ እትርከብ ሃገር እንተድኣ መጺእካ፣ ብቕጽበት ናይ ኔዘርላንድ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክትሕዝ ኣየድልየካን

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ካብ እትርከብ ሃገር ዝመጻእካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ካብታ ኣብ ኔዘርላንድ ዝተመዝገብላ ዕለት ጀሚርካ፣ ዘለካ ናይ ወጻኢ ሃገር ፍቓድ መዘወሪ መኪና ን180 መዓልታት (6 ኣዋርሕ) ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ብድሕሪኡ ናይ ክልሰ-ሓሳብን ተግባራዊን ፈተናታት ብምውሳድ ናይ ኔዘርላንድ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ክትረክብ ኣለካ።

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ ካብ ማሕበር ነጻ ንግዲ ኤውሮጳ (EVA) ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣለካ ድዩ? 

  • ኣብ ምድብ AM፣ A1፣ A2፣ A፣ B፣ ወይ BE ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣለካ ድዩ? ስለዚ ዘለካ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ግዚኡ ዘይወደቐ ክሳብ ዝኾነ፣ ብእኡ ኣብ ኔዘርላንድ ን15 ዓመታት ክትዝውር ትኽእል ኢኻ። 

  • ኣብ ምድብ C1፣ C፣ D1፣ D፣ C1E፣ CE፣ D1E፣ ወይ DE ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣለካ ድዩ? ስለዚ እቲ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ካብ ዝተዋህበሉ ዕለት ጀሚሩ፣ እንተበዝሐ ን5 ዓመት ክትዝውር ይፍቀደልካ።

ካብ 15 ዓመት ንላዕሊ ዝገበረ ግን ድማ ገና ግዚኡ ዘይወደቐ ናይ ወጻኢ ሃገር ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣለካ ድዩ? ስለዚ ካብታ ናብ ኔዘርላንድ ዝገዓዝካላ ሰዓት ጀሚርካ ገና ን2 ዓመት መኪና ክትዝውር ይፍቀደልካ እዩ። 

ኣስተውዕል፡ ድሮ ኣብ ኔዘርላንድ እናነበርካ ዲኻ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ

ማሕበር ነጻ ንግዲ ኤውሮጳ (EVA)
ፍቓድ መዘወሪ መኪና ሪኺብካ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ክትዝውር ኣይፍቀደልካን እዩ። ዘለካ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ናብ ናይ ኔዘርላንድ ክትቅይሮ ኣለካ። ነዚ ኣብቲ ተመዝጊብካ እትርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ድማ ንመመልከቲኻ ናብ
በዓል-መዚ ተሽከርከርቲ (RDW)
ከመሓላልፎ እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ዝተፈላለዩ ምድባት ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣለዉ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RDW ኣንብብ።.

ፍቓድ መዘወሪ መኪና ንምርካብ ግብራውን ክልሰ-ሓሳባውን ክእለት ክትመሃር ኣለካ

ፍቓድ መዘወሪ መኪና ንምርካብ፣ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተናን ግብራዊ ፈተናን ክትሓልፍ ኣለካ።

መዓስ ክትጅምር ትኽእል? 

ካብ 16 ዓመት ዕድመኻ ጀሚርካ፣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ንምርካብ ፈተና ክልሰ-ሓሳብ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ካብ 16.5 ዓመት ዕድመኻ ጀሚርካ፣ ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ክትከታተልን፣ ናይ ሞንጎ እዋን ፈተና ክትወስድን ትኽእል ኢኻ። 17 ዓመት ምስ መላእካ ድማ ግብራዊ ፈተናኻ ክትወስድ ትኽእል። 18 ዓመት ቅድሚ ምምላእካ ዲኻ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ረኺብካ? ስለዚ ምስ ተቖጻጻሪ ጥራይ ኢኻ ክትዝውር እትኽእል። ካብ 18 ዓመት ዕድመኻ ጀሚርካ ድማ ገዛእ-ርእስኻ ክኢልካ ክትዝውር ትኽእል። 

ፈተና ክልሰ-ሓሳብ

ፈተና ክልሰ-ሓሳብ ብዛዕባ ምልክታት ትራፊክ፣ ሕግታትን ኩነታትን ዘለካ ኣፍልጦን፣ ከምኡ እውን ሓደገኛ ኩነታት ኣቀዲምካ ናይ ምግምጋም ዓቕምኻን ይፍትን። ነቲ ክልሰ-ሓሳብ ብኸመይ ክትመሃሮ ከም እትደሊ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምግባር ሓያሎ ኣገባባት ኣለዉ፡ ብመጽሓፍ ክልሰ-ሓሳብ፣ ብመንገዲ ስልጠና፣ ወይ ንፈተና ብኢንተርነት ብምልምማድ። ብነጻ ወይ ብክፍሊት ክትለማመደሎም እትኽእል ብዙሓት መርበባት-ሓበሬታ ድማ ኣለዉ።

ፈተና ክልሰ-ሓሳብ ንምግባር ባዕልኻ ናብ

ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ፍቓድ ምዝዋር መኪና (CBR)
ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብመንገዲ እቲ መርበብ-ሓበሬታ ኢኻ እትገብሮ። ነዚ ንምግባር ብናትካ
DigiD
ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ነቲ ፈተና ድማ ኣብ 1 ካብ ቦታታት ናይ CBR ክትወስዶ ኢኻ።

ሓሊፍካ ዲኻ? ስለዚ እቲ ዝሓለፍካዮ ፈተና ክልሰ-ሓሳብ ን1,5 ዓመት ብቚዕ ኮይኑ የገልግል። ኣብ ውሽቲ እቲ ግዜ እቲ ድማ ግብራዊ ፈተናኻ ክትሓልፍ ኣለካ። ግብራዊ ፈተናኻ ኣብ ግዚኡ ኣይሓልፍን እየ ኢልካ ትሓስብ ዲኻ? ስለዚ እቲ ፈተና ክልሰ-ሓሳብ ግዚኡ ንኽወድቕ 3 ኣዋርሕ ምስ ተረፎ ጀሚርካ፣ ከም ብሓድሽ ፈተና ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ተሪፍካ ዲኻ? ስለዚ ንዝቕጽል ፈተናኻ ተወሳኺ ኣቓልቦ ክትገብረሎም ዘለካ ዛዕባታት ብዝምልከት፣ ብኢ-መይል ምኽርታት ክመጸካ እዩ። መዓስ ዳግማይ ፈተና ክትወስድ ከም እትደሊ ድማ ባዕልኻ ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ኣስተውዕል፡ ኣንጻር ውጽኢት ፈተና ተቓውሞ ከተቕርብ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ክትወስዶም እትኽእል ሓያሎ ዓይነታት ፈተናታት ክልሰ-ሓሳብ ኣለዉ

ግብራዊ ፈተና

ናይ ምዝዋር ፈተና ቅድሚ ምውሳድካ፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና፣ ናይ ምዝዋር መኪና ትምህርቲ ክትከታተል ኣለካ። ኣብዚ ትምህርቲ ድማ ከም ምቕያር ማርሻን ምምራሕን ምቛምን መኪናን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ክእለት ምዝዋር መኪና ክትመሃር ኢኻ። ግን ከኣ ብኸመይ ኣብ ትራፊክ ብውሑስ ክትዝውር ከም እትኽእል እውን ክትመሃር ኢኻ። ምዝዋር መኪና ኣብ እትመሃረሉ እዋን፣ ካብቲ ኣብ መኪና ኣብ ጎንኻ ኮፍ ዝብል መምህር ምዝዋር መኪና ምርሒት ክትረክብ ኢኻ።

ግብራዊ ትምህርቲ ንምክትታል ቤት-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ትመርጽ

ኣብያተ-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና፣ ምዝዋር መኪና ንኽትመሃር ክሕግዙኻ ዝኽእሉ መምህራን ምዝዋር መኪና ኣለወን። ኣብያተ-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና መብዛሕትኡ ግዜ ዝተፈላለዩ ጥምሮታት የቕርባ እየን፡ እዚ ድማ ሓያሎ ክፍላተ-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና፣ ፈተና ክልሰ-ሓሳብን ግብራዊ ፈተናን ዘጠቓልል እዩ። ግብራዊ ትምህርቲ ንሓደ ክፍለ-ትምህርቲ ኣስታት € 50-70 ወጻኢ ይሓትት። ሰባት ግብራዊ ፈተና ቅድሚ ምውሳዶም፣ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 30-40 ክፍላተ-ትምህርቲ የድልዮም። ክንደይ ክትከፍል ከምዘለካ ድማ፣ ክንደይ ክፍላተ-ትምህርቲ ዘድልየካ ኣብ ምዃኑን፣ ፈተና ኣብ 1 ግዜ ክትሓልፍ ትኽእል ኣብ ምዃንካን ዘይምዃንካን እዩ ዝምርኮስ።

ኣየኖት ኣብያተ-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ኣብ ከባቢኻ ከምዝርከባ ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታ ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።

መግለጺ ጥዕና ክትመልእ ኣለካ

ግብራዊ ናይ ምዝዋር ፈተናኻ ቅድሚ ምውሳድካ፣ መግለጺ ጥዕና ክትመልእ ኣለካ። እዚ ንጥዕናኻ ዝምልከት ዝርዝር ሕቶታት እዩ። እዚ ንኣብነት ጽቡቕ ክትሪኢ ትኽእል ዲኻ፣ መድሃኒት ትወስድ ዲኻ፣ ከምኡ እውን ምዝዋር መኪና ዝጸሉው ሕማም ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይሓትት። ብኸምዚ ድማ CBR፣ መኪና ብውሑስ ክትዝውር ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ይቖጻጸር። ነቲ መግለጺ ብመንገዲ mijn.cbr.nl ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ፣ ብዛዕባ እዚ ድማ € 45,25 (ዋጋ ኣብ 2025) ክትከፍል ኣለካ። ብናትካ

DigiD
ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። CBR ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ሓኪም ተወሳኺ ሓበሬታ ይሓትት እዩ፣ ንኣብነት ዝተወሰኑ ሕማማት ወይ መድሃኒታት ኣብ ዝህልዉሉ እዋን።

ግብራዊ ፈተና ንምግባር ንቤት-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና መዝነት ምሃብ

ናይ ምዝዋር መኪና መምህርካ፣ ብእኹል ጽቡቕ ክትዝውር ትኽእል ኢኻ ኢሉ ዝሓስብ እንተድኣ ኮይኑን፣ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተናኻ እንተድኣ ሓሊፍካን፣ ግብራዊ ፈተና ንምግባር ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ስለዚ እቲ ቤት-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ብስምካ ግብራዊ ፈተና ንኸመልክተልካ መዝነት ክትህቦ ኣለካ። ነዚ እውን ብመንገዲ mijn.cbr.nl ኢኻ እትገብሮ።

ናይ ሞንጎ እዋን ፈተና (TTT) እውን ክትወስድ ትኽእል ኢኻ

ናይ ሞንጎ እዋን ፈተና (TTT)፣ ነቲ ዝካየድ ናይ ብሓቂ ፈተና ንኽትላለዮ እትኽእለሉን፣ ካብ ፈታኒ ምኽሪታት እትረኽበሉን ኣብ CBR ዝካየድ ናይ ልምምድ ፈተና እዩ። እዚ ልክዕ ከምቲ ናይ ብሓቂ ግብራዊ ፈተና እዩ ዝመስል፣ ኣስታት 55 ደቓይቕ ድማ ይወስድ። ናይ ምዝዋር መኪና መምህርካ ድሉው ኢኻ ኢሉ ዝሓስብ እንተድኣ ኮይኑ፣ ነዚ ፈተና ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ክትገብሮ እትኽእል ድሮ ንዝዓበየ ክፋል ናይቲ ትሕዝቶ ትምህርቲ ምስ መለኽካዮ እዩ። ኣብ 2025 ናይ ሞንጎ እዋን ፈተና ንዝምግባር € 159,35 ወጻኢ ይሓትት። ኣብ ከም በዓል ምፍጻም ፍሉይ ተዓጻጻፊ ተግባራት ዝኣመሰሉ ዝተወሰኑ ክፋላት ናይቲ ፈተና ጽቡቕ ውጽኢት እንተድኣ ረኺብካ ድማ፣ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ፈተናኻ ካብዚኦም ሕድገት ክግበረልካ እዩ።

ግብራዊ ፈተና ምውሳድ ነቲt ግብራዊ ፈተና ዘካይዶ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ፍቓድ ምዝዋር መኪና (CBR) እዩ። ኣብ እዋን እቲ ፈተና፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ትራፊክ ኩነታት ብውሑስ ክትዝውር ከም እትኽእል ነቲ ፈታኒ ከተርእዮ ኣለካ።

ግብራዊ ፈተና ምዝዋር መኪና ኣብ CBR ንምግባር ኣብ 2025 € 138,50 ወጻኢ ይሓትት።

ድሕሪ ግብራዊ ፈተናኻ

ድሕሪ ፈተናኻ ዝሓለፍካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ብኡንብኡ ክንገረካ እዩ። እንተድኣ ሓሊፍካ፣ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኻ ንምርካብ ብቐጥታ ናብ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።

እንተድኣ ተሪፍካ፣ እቲ ፈታኒ ኣብ ኣየኖት ክፋላት እኹል ውጽኢት ከም ዘይረኸብካ ክሕብረካ እዩ። ነዚ ርእይቶ ድማ፣ ዳግማይ ፈተና ንምግባር ብዝሓሸ ክትለማመድ ምእንቲ ክትክእል ምስ ናይ ምዝዋር መኪና መምህርካ ትዛተየሉ።

እንተወሓደ ድሕሪ 2 ሳምንታት ዳግማይ ፈተና ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።

ፈተናኻ ብሰንኪ ሓደገኛ ዝኾነ ኣዘዋውራ ኣብ ሞንጎ ተቛሪጹ ድዩ? ስለዚ ሓድሽ ፈተና ክትወስድ ንኽትክእል 15 ሳምንታት ክትጽበይ ኣለካ።

ዳግማይ ፈተና ኣብ እትገብረሉ እዋን፣ ንወጻኢታት ናይቲ ግብራዊ ፈተና ከም ብሓድሽ ክትከፍሎ ኣለካ።

ተወሳኺ መርመራ ክእለት ምዝዋር መኪና

ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት 4 ግዜ ፈተና ምዝዋር መኪና እንተድኣ ተሪፍካ፡ ‘ተወሳኺ መርመራ ክእለት ምዝዋር መኪና’ ዝበሃል ፍሉይ ፈተና ክወሃበካ እዩ። ስለዚ ሽዕኡ እቲ ፈታኒ ንዓኻ ዝኸውን ዝያዳ ግዜ ክህልዎ እዩ፣ ከምኡ እውን ተወሳኺ ምርሒት ክህበካ እዩ። ኣብ እዋን ፈተና ድማ ክልተኹም ዕረፍቲ ንኽትገብሩ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ፈታኒ ክሳብ ሕጂ ክትሓልፍ ዘይከኣልካሉ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ እውን ክርእይ እዩ። ናትካ ቤት-ትምህርቲ ምዝዋር መኪና ድማ እዩ ነዚ ፈተና ንኽትገብር ዘዋድደልካ።

ናይ ራዕዲ ፈተና ክትወስድ እውን ትኽእል ኢኻ

ኣብ እዋን ፈተና ብቐሊሉ ትስንብድ ዲኻ? ስለዚ ናይ ራዕዲ ፈተና ንምግባር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ 80 ደቓይቕ እዩ ዝወስድ፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ፈተና ራዕዲ ዘለዎም ተፈተንቲ ተሞክሮ ዘለዎ ፈታኒ ክምደበልካ እዩ። ኣድላዪ እንተድኣ ኮይኑ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ናይ ምዝዋር መኪና መምህርካ ድሉው ምዃንካ ምስ ሓበረ ነዚ ፈተና ንምውሳድ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይ ራዕዲ ፈተና ንምግባር € 195,00 ወጻኢ ይሓትት።

ፍቓድ መዘወሪ መኪና ካብ ምምሕዳር ከተማ ምምልካት

ድሕሪ ምሕላፍካ ካብ CBR ናይ ውጽኢት ቅጥዒ ክትቕበል ኢኻ። እዚ ቅጥዒ፣ ከም ዝሓለፍካን ፍቓድ መዘወሪ መኪና ንምርካብ ከተመልክት ከም እትኽእልን ዝገልጽ እዩ። ነዚ ናይ ውጽኢት ቅጥዒ ሒዝካ ናብቲ ተመዝጊብካ ትርከበሉ ምምሕዳር ከተማ ትኸይድ። ኣብኡ ድማ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኻ ንኽትረክብ ተመልክት። ንኸተመልክት እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ከድልዩኻ እዮም፡

ድሕሪ ምምልካትካ መብዛሕትኡ ግዜ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኻ ድሉው ንክኸውን 5 ናይ ስራሕ መዓልታት ይወስድ። ፍቓድ መዘወሪ መኪና ገንዘብ ይሓትት እዩ። ኣብ 2025 እዚ € 52,10 እዩ። ፍቓድ መዘወሪ መኪና ብህጹጽ ክወሃበካ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ኣብ 2025 ንምምሕዳር ከተማ ተወሳኺ € 39,65 ክትከፍል ኣለካ።

ብቕዓት ግዜ

ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣብ ኔዘርላንድ ን10 ዓመት ብቚዕ ኮይኑ የገልግል። ብድሕሪኡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ከተሐድሶ ኣለካ። ሓድሽ ፈተና ምውሳድ ኣየድልየካን እዩ። ብኢንተርነት ብመንገዲ መርበብ-ሓበሬታ ናይ RDW፣ ወይ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ክሕደስ ድማ ይከኣል።

ዝለዓለ ገደብ-ዕድመ ምዝዋር መኪና

መኪና ንምዝዋር ዝለዓለ ገደብ-ዕድመ የለን። ኮይኑ ግን ዕድመኻ 65 ዓመትን ልዕሊኡን ድዩ? ስለዚ ሓድሽ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኻ ን5 ዓመት ጥራይ እዩ ዘገልግል። ዘለካ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ቅድሚ ምሕዳስካ፣ ሕክምናዊ መርመራ ክትገብር ዘድልየካ ክኸውን እውን ይኽእል እዩ።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር