ካብ ቅዱስ ማርቲን ክሳብ ካርኒቫል፡ ኣብ ኔዘርላንድ 11 ሕዳር መዓልቲ ጽምብል እዩ ኣብ ዕለት 11 ሕዳር፣ ኔዘርላንድ 2 ፍሉያት ልምድታት ተብዕል። ኣብ ሰሜንን ማእከልን ኔዘርላንድ፣ ሕጻናት ንመዓልቲ ቅዱስ ማርቲን ብፋኑስን መዝሙራትን የብዕሉ። ኣብ ደቡብን ምብራቕን እታ ሃገር ድማ ወቕቲ ካርኒቫል ካብ 11 ሕዳር ይጅምር፣ እዚ ድማ ሙዚቃን ምዝንጋዕን ዝመልኦ ሕብራዊ ጽምብል እዩ። እዞም በዓላት ብኸመይ ከም ዝጽምበሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 5 ሕዳ 2024
ኔዘርላንድ ገለ ክፋል ሶርያ ውሑስ ምዃኑ ክትእውጅ ትደልይ፣ ብሃውሪ ግን ኣይከኣልን እዩ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንውሑዳት ስደተኛታት ዑቕባ ክህብን፣ ብቕልጡፍ ናብ መበቆል ሃገሮም ክመልሶምን ይደልይ እዩ። መንግስቲ፣ ገሊኦም ከባቢታት ሶርያ ውሑሳት ምዃኖም ክእውጅ እውን ይደልይ ኣሎ፣ እዚ ድማ ካብቶም ከባቢታት ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታኡ ንኽምለሱ ምእንቲ እዩ። እዚ ግን ብሃውሪ ዝከኣል ኣይኮነን። ዜና 1 ሕዳ 2024
መንግስቲ "ቅልውላው ዑቕባ" ኣይኣወጀን፣ ኣዝዮም ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባ ንምትእትታው ግን ይሰርሕ ኣሎ ሚኒስተር ዑቕባ ማርዮላይን ፋበር፣ ብቕልጡፍ ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባ ንምትእትታው ዘኽእል "ቅልውላው ዑቕባ" ክትእውጅ ደልያ ነይራ። ሕጂ ግን መንግስቲ እኹል ደገፍ ስለዘይረኸበ፣ እዚ ከይገብር ወሲኑ ኣሎ። ይዂን እምበር ካልኦት ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባ ተወጢኖም ከምዘለዉ ሓበሬታ ሊሑዅ ኣሎ። ዜና 24 ጥቅ 2024
BSN ንምርካብ ብሰንኪ ዘሎ ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ብዙሓት ሰባት ክሰርሑ ኣይከኣሉን ናይ ምስራሕ መሰል ኣለካ ድዩ፣ ግን ድማ ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN) ስለዘይብልካ ገና ስራሕ ክትረክብ ኣይከኣልካን ዲኻ? ስለዚ በይንኻ ኣይኮንካን። እዚ ብዙሕ ግዜ የጋጥም ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 18,000 ስደተኛታት BSN ንምርካብ ይጽበዩ ኣለው። ዜና 23 ጥቅ 2024
ሰዓትካ ንድሕሪት ምለሳ፣ ብሰንኪ ናይ ሓጋይ ግዜ ድማ 1 ሰዓት ተወሳኺ ድቃስ ኣስተማቕር ናይ ሓጋይ ግዜ ካብ ቀዳም 26 ናብ ሰንበት 27 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ክጅምር እዩ። ሽዕኡ ኣብ ኔዘርላንድ ግዜ 1 ሰዓት ንድሕሪት ክምለስ እዩ። ብሰንኪ እዚ ኣብታ ቀዳመ-ሰንበት ተወሳኺ ክትድቅስ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ናይ ሓጋይ ግዜ ክትፈልጦ ዘለካ ኹሉ ድማ ኣብዚ ዓንቀጽ ክትረኽቦ ኢኻ። ዜና 21 ጥቅ 2024
ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ክጅምር ቀሪቡ ኣሎ፣ ኣብያተ-ትምህርቲ ን1 ሰሙን ዕጹዋት እየን ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ክጅምር ቀሪቡ ኣሎ። ሽዕኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ን1 ሰሙን ዕጹዋት እየን። ኣብ ኔዘርላንድ ድማ ብዙሓት ሰባት ንኽዛነዩን ደስ ዝብሉ ነገራት ንኽገብሩን፣ ካብ ስራሕ ዕረፍቲ ይውስዱ። ናይ ቀውዒ ዕረፍቲ ብዝምልከት ኹሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ዜና 16 ጥቅ 2024
መህራን፡ "እምነተይ ኣብ ልበይ እዩ ዝርከብ፡ ብኸመይ እየ ነዚ ብመርትዖ ንIND ዘረጋግጸሎም?" 10 ዓመት ኣብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምቕማጡ፣ ካብ ኢራን ዝመጽአ መህራን ኣብዚ ህይወት ሃኒጹ ይርከብ። ምሉእ ግዜ እዩ ዝሰርሕ፣ ናይ ኔዘርላንድ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣለዎ፣ ደቁ ኣብዚ እዮም ተወሊዶምን ናብ ቤት-ትምህርቲ ዝኸዱን። ብናጽነት ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር እውን ይኽእል እዩ። "ገና ጎዲሉኒ ዘሎ መንበሪ ፍቓድን ንስድራ-ቤተይ ዝኸውን ገዛን ጥራይ እዩ።" ተመኩሮታት 8 ጥቅ 2024
'ሰሙን መጽሓፍቲ ሕጻናት Kinderboekenweek' ክጅምር ቀሪቡ ኣሎ፡ ዓመታዊ ጽምብል መጽሓፍቲ ሕጻናት 'ሰሙን መጽሓፍቲ ሕጻናት' ኣብ ኔዘርላንድ ዓመታዊ ብዛዕባ መጽሓፍቲ ሕጻናት ዝጽምበል በዓል እዩ። ኣብታ ሰሙን ኣብ ኔዘርላንድ ሕጻናት መጽሓፍቲ ንኸንብቡ ህንጡያት ከምዝኾኑ ዝገብሩ ብዙሓት ንጥፈታት ይካየዱ። ኣብዚ ዓመት 'ሰሙን መጽሓፍቲ ሕጻናት' ካብ 2 ጥቅምቲ ክሳብ 13 ጥቅምቲ 2024 ክካየድ እዩ። ቅድሚን ኣብ እዋንን 'ሰሙን መጽሓፍቲ ሕጻናት' ንሕጻናት እንታይ ከም ዝውደብ ኣብዚ ኣንብብ። ዜና 24 መስ 2024