ኣፍራዪት ፊልም ማሪያ ፖኖማሮቫ፡ "ምጽናሕ' ዶ ምኻድ? ኣብ ግዜ ኲናት ነፍስወከፍ ሰብ ዝተፈላለየ ውሳኔታት እዩ ዝወስድ"
ኣፍራዪት ፊልም ማሪያ ፖኖማሮቫ፡ ኣብታ 'Nice Ladies' እትብል ሰነዳዊት ፊልማ፣ ብዕድመ ንዝደፍኣ ዩክሬናውያን ጉጅለ ቺር-ሊደርስ ትከታተል። ድሕሪ ወራር ሩስያ ብርክት ዝበላ ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ኔዘርላንድ ነቒለን፣ ካልኦት ድማ ኣብ ዩክሬን ተሪፈን። ማሪያ፡ "እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዩክሬን እንተጸኒሕካ ጥራይ ዲኻ ጅግና ክትከውን እትኽእል? ዝብል ሕቶ ኣልዒለን"