መንግስቲ ኔዘርላንድ ብዛዕባ ጽኑዓት ውጥናት ዑቕባ ኣብ 'መዓልቲ ልዑል' ዝያዳ መብርሂ ሂቡ
መንግስቲ ኔዘርላንድ ብዓርቢ 13 መስከረም 2024 ንዑቕባ ዝምልከቱ ውጥናቱ ዝያዳ ብልክዕ ኣቕሪቡ፣ ኣብ 'መዓልቲ ልዑል' ድማ ናይ ውጥናቱ ዝያዳ መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ቅድሚ 4 ኣዋርሕ ኣብ ዝተገብረ ስምምዕ ድሮ ሓፈሻዊ ውጥናት ብዝምልከት ኣካፊሉ ነይሩ እዩ። መንግስቲ ሕጂ ኣየኖት ዝያዳ ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባን ፍልሰትን ከተኣታቱው ከም ዝደልይ ዝያዳ ብልክዕ ገሊጹ ኣሎ።