ኔዘርላንድ ድምጺ ክትህብ እያ፡ ሃገራዊ ምርጫ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ ኔዘርላንድ ዕለት 22 ሕዳር 2023 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጺ ክትህብ እያ። እዚ ኣየኖት ሰልፊታት ሃገር ከም ዘመሓድራ ዝውስን ኣገዳሲ ምርጫ እዩ። እቲ ምርጫ ንከም በዓል ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን ዑቕባን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት እውን ይጸልዎ እዩ። ዜና 31 ጥቅ 2023
ኣብ ኔዘርላንድ ፍልስጤማዊ ስደተኛ እንተድኣ ኮይንካ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝግበር ኲናት ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ወይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ክትፈልጥ ትደልይ' ዲኻ? ወይ ስድራ-ቤትካ ንምሕጋዝ ናብ እስራኤል ወይ ግዝኣታት ፍልስጤም ክትከይድ ትደልይ ዲኻ? ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ። ዜና 23 ጥቅ 2023
ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር? ከመይ ከም ዝረኸብካዮ ሓብረና ብዙሓት ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት ንሕግታት ኤውሮጳ ዘየማልኡ ምዃኖም ብመጽናዕቲ ተጋሂዱ። ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር? ከምኡ ምስ ዝኸውን ንተወሳኺ መጽናዕቲ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ተመኩሮታትካ ከተካፍል ትኽእል ኢኻ። ዜና 13 መስ 2023
ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ ብሰንኪ ንፖሊሲ ዑቕባ ዝምልከት ምይይጥ ተመቃቒሉ፣ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ ብዓርቢ 7 ሓምለ 2023 ድሕሪ ንፖሊሲ ፍልሰት ዝምልከት ምይይጥ ፈሩሱ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት መሰል ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዩ ነይሩ። ዜና 10 ሓም 2023
"ሕጂ ንኹሉ ሰብ ዝደለኻዮ ክትበጽሖ ከም እትኽእል ከርእይ ይኽእል እየ" ጋንታ ኔዘርላንድ ብ28 ሰነ ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ሓድነት ኤውሮጳ -EURO UNITY Cup- ዝበሃል ናይ ስደት ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ተጻወትቲ ዝዓለመ ዋንጫ ሻምፕዮና ኤውሮጳ ተሳቲፋ። "ማልያ ኦራንየ ለቢስካ ምጽዋት ደስ ዝብል እዩ። ድሕሪ ናይ ምምራጽን ልምምድን መዓልቲ ድማ ንኽንዕወት ድሉዋት ኢና!" ዜና 5 ሓም 2023
ናይ ምቕናስ ክራይ መሰል ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ተቖጻጸር ካብ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ናይ ክራይ ገዛ ምቕናስ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ዋላ ክራይ ገዛኻ ክውስኽ ምዃኑ ዝገልጽ ደብዳቤ ተቐቢልካ ዘለኻ ምስ እትኸውን እውን። ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ ነቶም ቅድመ-ኩነታትን፣ ከምኡ እውን ስጉምቲ ክትወስድ ዘለካ ምዃንካን ዘይምዃንካን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 1 ሰነ 2023
RefugeeHelp: ንዓኻ ዝኸውን ናይ ኢንተርነት መበገሲ ነቚጣ ናብ RefugeeHelp እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ኣብዚ ንኹሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝኸውን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። RefugeeHelp ንመርበብ-ሓበሬታ ForRefugees ዝትክእን፣ ብዛዕባ ኩነትካ ሓበሬታ እትረኽበሉን ናይ ኢንተርነት መድረኽ እዩ። ዜና 15 መጋ 2023
ሕክምናዊ ህጹጽነት ጥራይ እዩ ኣብ ዞባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ምስ ዝርከቡ ስድራ-ቤትካ ዳግማይ ምጥርናፍ ዘቀላጥፍ ኣብ ቱርኪን ሶርያን ኣብ ዞባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘለዉ ኣባላት ስድራ-ቤት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ምናልባት ናብ ኔዘርላንድ መጺኦም ክነብሩ ትደልይ ትኸውን ኢኻ። ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍ ዳርጋ ዝኾነ ተኽእሎ የለን። ብዛዕባኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 17 ለካ 2023