ብዛዕባ IND ብመንገዲ ተሌፎን ናይ ሓሶት መልእኽትታት ይዝርጋሕ ኣሎ ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)፣ ከምኡ እውን ካብ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ከም እትኽእል ዘምስል ናይ ሓሶት መልእኽትታት ብተሌፎናቶም ይቕበሉ ኣለዉ። እዚኦም መልእኽትታት ሓቂ ኣይኮኑን። ዜና 11 ሰነ 2024
ጽኑዓት ውጥናት ፖሊሲ ዑቕባ ኔዘርላንድ ዝሓቖፈ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስምምዕ 4 ፖለቲካውያን ሰልፊታት ንኔዘርላንድ ብኸመይ ከመሓድራ ከም ዝደልያ ብዝምልከት ሓፈሻዊ ስምምዓት ገይረን ኣለዋ። ድሕሪ ዳርጋ 6 ኣዋርሕ ዝወሰደ ምይይጥ ሕጂ ስምምዕ ገይረን ኣለዋ። ኣዝዩ ጽኑዕ ፖሊሲ ዑቕባ ኣብ ኔዘርላንድ 1 ካብቶም ኣገደስቲ ውጥናት እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 17 ግን 2024
ናይ ኤውሮጳ ሓደስቲ ሕግታት ዑቕባ ብወግዒ ጸዲቖም ሕብረት ኣውሮጳ (EU)፣ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኣውሮጳ ዝመጽኡ ሰባት ሒደት ከምዝኾኑ ንምርግጋጽ ውጥን ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ውጥን ሕጂ ብቤት-ምኽሪ ኤውሮጳ ብደምዳሚ ጸዲቚ ኣሎ። ዜና 15 ግን 2024
ኤውሮጳ ትመርጽ፡ ምርጫ ኤውሮጳ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ ምርጫ ኤውሮጳ ንኽካየድ ሓደ ወርሒ ተሪፍዎ ኣሎ። ኔዘርላንዳውያን ዕለት 6 ሰነ 2024 ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ንዝውክልዎም ሰባት ድምጾም ክህቡ እዮም። እቲ ዝምረጽ ባይቶ ድማ ኣብ መስርሕ ሕጊ ኤውሮጳ፣ ንኣብነት ንፍልሰትን ዑቕባን ብዛዕባ ዝምልከቱ ሕግታት ብዙሕ ጽልዋ ኣለዎ። ዜና 7 ግን 2024
ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ኤውሮጳ ክተኣታተዉ እዮም ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ብዛዕባ ሓደስቲ ሕግታት ዑቕባን ፍልሰትን ተሰማሚዐን ኣለዋ። እዚ ዓንቀጽ እዚ ኣየኖት ሕግታት ምዃኖምን፣ ንዓኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ዝገልጽ እዩ። ዜና 24 ጥሪ 2024
ኣብ ኔዘርላንድ ንዝሓሸ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ኔዘርላንድ መዕቆቢ ስደተኛታት ከማሓይሽ ዝግበኦ ሓድሽ ሕጊ ጸዲቚ ኣሎ። እዚ ሕጊ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከባ ምምሕዳር ከተማታት ንኹሎም ስደተኛታት ዘአንግዱ እኹላት መዕቆቢ ቦታታት ክፈጥር ኣለዎ። እቲ ሕጊ ካብ 1 ለካቲት 2024 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ። ዜና 24 ጥሪ 2024
ኣብ ዩክሬን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነበረካ ምስ እትኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ግዝያዊ ሓለዋ ደው ይብል ኣብ ዩክሬን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነበረካ ምስ እትኸውን፣ ግዝያዊ ሓለዋ ኣብ ዕለት 4 መጋቢት 2024 ደው ንኽብል ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ንዓኻ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ዜና 17 ጥሪ 2024
ኣብ ተር ኣፐል ዘይእኹል መዕቆቢ ቦታታትን ዘይውሑስ ኩነታትን ኣብዚ እዋን ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ስደተኛታት ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። እኹል መዕቆቢ ቦታታት ስለዘየለ ድማ እቲ ኩነታት ሕማቕ እዩ። ስለዚ ምናልባት ናብ ካልእ ቦታ ንኽትከይድ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ኣንብብ። ዜና 14 ታሕ 2023