ኔዘርላንድ ሃገረ ምንሽርታት በረድ፡ ነዚ ሓጋይ ክትፈልጦ ዘለካ ኩሉ ምንሽርታት በረድ 1 ኣብ ኔዘርላንድ ካብ ዝካየዱ ህቡባት ናይ ሓጋይ ንጥፈታት እዩ። ነፍስወከፍ ዓመት ድማ ቀዝሒ ምስ ኮነ፣ ሰባት ኣብ በረድ ንኽንሸራተቱ ብዕስለ ይኸዱ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ብታህዋኽ ናብ ተፈጥሮኣዊ በረድ ይኸዱ፣ ስለ ዝስንጠቕ ድማ ንውሽጢ ይወድቁ። ስለዚ እቲ በረድ እኹል ተሪር ምዃኑ ክሳብ እተረጋገጽ ተጸበይ። ዜና 22 ሕዳ 2024
ተጠንቀቕ! ናይ ሓሶት ጠበቓታት ብዋትስኣፕ ወይ ብፌስቡክ ገንዘብ ክወስዱልካ ይፍትኑ እዮም VluchtelingenWerk Nederland (VWN)፣ ገበነኛታት ዑቕባ ንዝሓቱ ሰባት ብኢንተርነት ከታልሉ ይፍትኑ ከምዘለዉ የጠንቅቕ። እቶም ኣታለልቲ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ኮይኖም፣ ብመንገዲ ፌስቡክ ወይ ዋትስኣፕ ከም ጠበቓ መሲሎም እዮም ዝቐርቡኻ። ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ክሕግዙኻ ምዃኖም ቃል ይኣትዉልካ፣ እንተኾነ ግን ብዛዕባ እዚ ገንዘብ ይሓቱኻ። ገንዘብ ኣይትስደድ። ዜና 21 ሕዳ 2024
ኣብ ሽክለታኻ ተወጣሕ፣ ሽዕኡ ብሓንሳብ ኔዘርላንዳዊ ትኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ክትሳተፍ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብሽክለታ ክትዝውር ኣለካ፡ ይብል ኣፍጋኒስታናዊ ጋዜጠኛ ጉላሙላ ሓቢብ። ካብ ንእሽቶ ክሳብ ኣረጋውያን፣ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ፣ ሃብታም ይኹን ድኻ ብዘየገድስ ሰባት ኣብ ዝኾነ እዋን ናይ መዓልቲ ብሽክለታ ክዝውሩ ትርእይ። 2 ደቂ ሃገሩ ሰይድ ሳዳቓትን ጣይብ ኣፍጋንን እውን ነዚ ተዓዚቦም፡ "ዘገርም እዩ፣ ኣብዚ ግን ኩሉ ሰብ እዩ ብሽክለታ ዝዝውር።" ተመኩሮታት 11 ሕዳ 2024
ሲንተርክላስ፡ ሃገራዊ ጽምብል ንሕጻናት ኣብ ኔዘርላንድ ሲንተርክላስ ንሕጻናት ዓቢይ ጽምብል እዩ። ካብ 16 ሕዳር ክሳብ 5 ታሕሳስ፣ ሰባት ንዝተማህዘ ተምሳል ሲንተርክላስ ኣብታ ሃገር ከምዘሎ ኣምሲሎም የብዕሉ። ኣብዚ በዓል እዚ ሰባት ነንሓድሕዶም ህያባት ይለዋወጡ። ብዛዕባ ጽምብል ሲንተርክላስ ኩሉ ኣብዚ ኣንብብ! ዜና 8 ሕዳ 2024
ካብ ቅዱስ ማርቲን ክሳብ ካርኒቫል፡ ኣብ ኔዘርላንድ 11 ሕዳር መዓልቲ ጽምብል እዩ ኣብ ዕለት 11 ሕዳር፣ ኔዘርላንድ 2 ፍሉያት ልምድታት ተብዕል። ኣብ ሰሜንን ማእከልን ኔዘርላንድ፣ ሕጻናት ንመዓልቲ ቅዱስ ማርቲን ብፋኑስን መዝሙራትን የብዕሉ። ኣብ ደቡብን ምብራቕን እታ ሃገር ድማ ወቕቲ ካርኒቫል ካብ 11 ሕዳር ይጅምር፣ እዚ ድማ ሙዚቃን ምዝንጋዕን ዝመልኦ ሕብራዊ ጽምብል እዩ። እዞም በዓላት ብኸመይ ከም ዝጽምበሉ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ዜና 5 ሕዳ 2024
ኔዘርላንድ ገለ ክፋል ሶርያ ውሑስ ምዃኑ ክትእውጅ ትደልይ፣ ብሃውሪ ግን ኣይከኣልን እዩ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንውሑዳት ስደተኛታት ዑቕባ ክህብን፣ ብቕልጡፍ ናብ መበቆል ሃገሮም ክመልሶምን ይደልይ እዩ። መንግስቲ፣ ገሊኦም ከባቢታት ሶርያ ውሑሳት ምዃኖም ክእውጅ እውን ይደልይ ኣሎ፣ እዚ ድማ ካብቶም ከባቢታት ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ መወዳእታኡ ንኽምለሱ ምእንቲ እዩ። እዚ ግን ብሃውሪ ዝከኣል ኣይኮነን። ዜና 1 ሕዳ 2024
መንግስቲ "ቅልውላው ዑቕባ" ኣይኣወጀን፣ ኣዝዮም ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባ ንምትእትታው ግን ይሰርሕ ኣሎ ሚኒስተር ዑቕባ ማርዮላይን ፋበር፣ ብቕልጡፍ ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባ ንምትእትታው ዘኽእል "ቅልውላው ዑቕባ" ክትእውጅ ደልያ ነይራ። ሕጂ ግን መንግስቲ እኹል ደገፍ ስለዘይረኸበ፣ እዚ ከይገብር ወሲኑ ኣሎ። ይዂን እምበር ካልኦት ጽኑዓት ሕግታት ዑቕባ ተወጢኖም ከምዘለዉ ሓበሬታ ሊሑዅ ኣሎ። ዜና 24 ጥቅ 2024
BSN ንምርካብ ብሰንኪ ዘሎ ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ብዙሓት ሰባት ክሰርሑ ኣይከኣሉን ናይ ምስራሕ መሰል ኣለካ ድዩ፣ ግን ድማ ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN) ስለዘይብልካ ገና ስራሕ ክትረክብ ኣይከኣልካን ዲኻ? ስለዚ በይንኻ ኣይኮንካን። እዚ ብዙሕ ግዜ የጋጥም ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 18,000 ስደተኛታት BSN ንምርካብ ይጽበዩ ኣለው። ዜና 23 ጥቅ 2024