ኔዘርላንድ ድምጺ ክትህብ እያ፡ ሃገራዊ ምርጫ ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ ኔዘርላንድ ዕለት 22 ሕዳር 2023 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድምጺ ክትህብ እያ። እዚ ኣየኖት ሰልፊታት ሃገር ከም ዘመሓድራ ዝውስን ኣገዳሲ ምርጫ እዩ። እቲ ምርጫ ንከም በዓል ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን ዑቕባን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት እውን ይጸልዎ እዩ። ዜና 31 ጥቅ 2023
ኣብ ኔዘርላንድ ፍልስጤማዊ ስደተኛ እንተድኣ ኮይንካ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝግበር ኲናት ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ወይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትካ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ክትፈልጥ ትደልይ' ዲኻ? ወይ ስድራ-ቤትካ ንምሕጋዝ ናብ እስራኤል ወይ ግዝኣታት ፍልስጤም ክትከይድ ትደልይ ዲኻ? ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ። ዜና 23 ጥቅ 2023
ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር? ከመይ ከም ዝረኸብካዮ ሓብረና ብዙሓት ግዝያዊ መዕቆቢ ቦታታት ንሕግታት ኤውሮጳ ዘየማልኡ ምዃኖም ብመጽናዕቲ ተጋሂዱ። ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዲኻ ትነብር? ከምኡ ምስ ዝኸውን ንተወሳኺ መጽናዕቲ VluchtelingenWerk Nederland (VWN) ተመኩሮታትካ ከተካፍል ትኽእል ኢኻ። ዜና 13 መስ 2023
ናይ ዩክሬን ዜግነት ዘይብልካ ክነስኻ ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ ናይ ዩክሬን ዜግነት ስለዘይብልካ ግዝያዊ ሓለዋኻ ኣብ 4 መስከረም ከቋርጽ ነይሩዎ ድዩ? ስለዚ ሓለዋኻ ኣየቋረጸን ኣሎ። ኣብቲ መዕቆቢ ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ ዘለዉ ኩሎም ሳዕቤናት ኣብዚ ኣንብብ። ዜና 31 ነሓ 2023
ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ ብሰንኪ ንፖሊሲ ዑቕባ ዝምልከት ምይይጥ ተመቃቒሉ፣ ነዚ ክትፈልጥ ኣለካ ካቢነ ሚኒስተራት ኔዘርላንድ ብዓርቢ 7 ሓምለ 2023 ድሕሪ ንፖሊሲ ፍልሰት ዝምልከት ምይይጥ ፈሩሱ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት መሰል ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲ እዩ ነይሩ። ዜና 10 ሓም 2023
ኔዘርላንድ ኣብዚ እዋን ናብ ጣልያን ክትመልሰካ ኣይፍቀደላን እዩ ኔዘርላንድ፣ ብመንገዲ ጣልያን ኣቢሎም ናብ ኔዘርላንድ ንዝሃደሙ ሰባት ናብ ጣልያን ንኽትመልሶም ንግዚኡ ኣይፍቀደላን እዩ። ዋላ ድሮ ኣቀዲሞም ኣብ ጣልያን ተመዝጊቦም ዘለዉ እንተኾኑ እውን ኣይፍቀደላን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ጣልያን መዕቆቢ ቦታታት ስለዘየለ እዩ። ዜና 4 ግን 2023
ሕጂ ብ W-document ብዘይ ገደብ ክትሰርሕ ብዳኛ ይፍቀደልካ እዩ ዳኛ ካብ ሕጂ ንደሓር ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ እናተጸበኻ እንከለኻ ዝያዳ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ወሲኑ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኔዘርላንድ 6 ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዓመት 24 ሳምንታት ጥራይ ኢኻ ንኽትሰርሕ ዝፍቀደልካ ነይሩ። እዚ ድማ ናይ 24 ሳምንታት ጠለብ ይበሃል። ሕጂ ቤት-ፍርዲ ነዚ ጠለብ ሰሪዝዎ ኣሎ። ዜና 20 ሚያ 2023
RefugeeHelp: ንዓኻ ዝኸውን ናይ ኢንተርነት መበገሲ ነቚጣ ናብ RefugeeHelp እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! ኣብዚ ንኹሎም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝኸውን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ። RefugeeHelp ንመርበብ-ሓበሬታ ForRefugees ዝትክእን፣ ብዛዕባ ኩነትካ ሓበሬታ እትረኽበሉን ናይ ኢንተርነት መድረኽ እዩ። ዜና 15 መጋ 2023