ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ኩሉ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከተንብቦ እትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ኣባላት ስድራ-ቤትካ ናብ ኔዘርላንድ ይመጹኡ ኣለዉ ድዮም፣ ከምኡ እውን ብሓባር ክትነብሩሉ ዘይትኽእሉ ንእሽቶ ገዛ ድዩ ዘለካ? ስለዚ ምምሕዳር ከተማ ካልእ ገዛ ከዳልወልኩም እዩ። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ኣባል ስድራ-ቤትካ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ስለ ዘመልከተልካ ዲኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ? ስለዚ ናይ ገዛእ-ርእስኻ መንበሪ ፍቓድ ዘይኮነስ፣ ምስ ናይ ኣባል ስድራ-ቤትካ ዝተኣሳሰር መንበሪ ፍቓድ ኢኻ እትረክብ። ናይ ገዛእ-ርእስኻ ፍቓድ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ብዛዕብኡ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ክትፋታሕ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ብኸመይ ከምዝካየድ ግን ኣብ ውልቃዊ ኩነትካ እዩ ዝምርኮስ። ንኣብነት ፍትሕ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ፍቓድካን፣ ኣብ ኔዘርላንድ ምቕማጥካን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ፍትሕ ብኸመይ ከምካየድ ኣብዚ ኣንብብ።
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብዛዕባ መመልከቲኻ ኣብ እዋኑ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። እዚ እንተድኣ ዘይገበረ፣ IND ሕጂ እውን ገና ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽወስድ ብወግዒ ክትሓት ትኽእል ኢኻ። እዚ "ምሃብ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ" ይበሃል።