ስራሕ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ኔዘርላንድ ክትሰርሕ የኽእለካ። ኣብዚ ገጽ እዚ፡ ብዛዕባ ስራሕ ምርካብን ባህሊ ስራሕ ኔዘርላንድን ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።


መርሓ ውጥን (3)

ሓበሬታ

ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ምምልካት

ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ሽቕለት ኣልቦ እንተድኣ ኮይንካ፣ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ ንምርካብ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ እዚ ናይ ሽቕለት ኣልቦነት ደገፍ 'WW-uitkering' ይበሃል። ኣብ መንጎ ናይ ቀደም ስራሕካን ሓድሽ ስራሕካን ንዝጠፍእ ኣታዊ ንምኽሓስ ዝዓለመ ግዝያዊ ደገፍ እዩ።

ዓንቀጽ

ብመንበሪ ፍቓድ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ኔዘርላንድ

ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዲኻ ዲፕሎማኻ ረኺብካ፣ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማኻ ዝሰማማዕ ሞያ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ትፈልጥ። 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ድማ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ውልቃዊ ጉዳያት ብኢንተርነት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ። ወይ ንመድሕን ጥዕናኻ ወይ ንጡረታኻ ብዝምልከት። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ። ኣብዚ ዓንቀጽ DigiD እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ኣገባብ መመልከቲ ከመይ ይሰርሕ?

ኣብ ኔዘርላንድ ስራሕ ንምምልካት መብዛሕትኡ ግዜ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት የጠቓልል፡ ክፍቲ ቦታ ምድላይ፡ ሪዝዩምን ሽፋን ደብዳቤን ምቕራብ፡ ከምኡ’ውን ቃለ መሕትት ምክያድ። እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካን ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድን ኣበይ ሓገዝ ክትረክብ ከም እትኽእልን ትገልጽ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ንጡረታኻ ምውህላል ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ መሰረታዊ ጡረታ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ተወሳኺ ጡረታ እውን ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ፣ ስራሕ ምስ ኣቋረጽካ ካብ ዝተወሰነ ዕድመ ንደሓር ክትረኽቦ እትኽእል ገንዘብ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ምውህላል ጡረታ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

እዚ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ ብውሕስነት ምስራሕ ክትፈልጦ ዘለካ እዩ

ሓደ ሓደ ግዜ ሓደ ኣስራሒ ብሕማቕ ይሕዘካ። ንኣብነት ዝኾነ ገንዘብ ምስ ዘይከፍለካ ወይ ብዙሕ ክትሰርሕ ምስ እትግደድ። እዚ ምዝመዛ ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ብሕጊ ዘቕጽዕ እዩ። ዘይፍቀድ ኮይኑ እናሃለወ ትሰርሕ ዲኻ? ከምኡ ምስ ዝኸውን እውን መሰላት ዕዮ ኣለዉኻ፣ ከምኡ እውን ምዝመዛ ከምዘጋጠመካ ክትጠርዕ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር