
ናይ ዑቕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት (ንዝተረፉ ኣባላት ስድራ-ቤት) ናብ IND ምምልካት
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣካፍል፡
ኣባላት ስድራ-ቤትካ ነቶም ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ቅድመ-ኩነታት የማልኡ ድዮም? ስለዚ ኣብ IND ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምምልካት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ኣብዚ ስጉምቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድካ ድሕሪ ምቕባልካ፣ መመልከቲኻ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ትጅምሮ
ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ መመልከቲኻ ብምጅማር፣ ነቲ መመልከቲ ከም 'ናይ ዑቕባ ዳግመ-ውህደት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት' ከተቕርቦ ከም እትኽእል ተረጋግጽ። 'ናይ ዑቕባ ዳግመ-ውህደት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት' ኣብ እተቕርበሉ እዋን ነቲ ዝኸበደ ጠለባት ከተማልእ ኣየድልየካን እዩ። ከምኡ እውን ብነጻ እዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ሰለሰተ ኣዋርሕ መመልከቲኻ ከተቕርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ንመመልከቲኻ ብዛዕባ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ብዙሕ ሰነዳት ከድልየካ እዩ። ዋላ እውን ገና ኩሉ ዘድልይ ሰነዳት ዘይብልካ ምስ እትኸውን ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ናብ
መመልከቲኻ ብኢንተርነት (ብመንገዲ መርበብ ሓበሬታ ናይ IND)፣ ወይ ብወረቐት ብፖስታ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ
ነዚ ንምግባር ድማ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻ ከድልየካ እዩ። ብኢንተርነት ኣብ እተመልክተሉ እዋን፣ ሰነዳትካን ትርጉማቶምን ክትጽንኖም ማለት ኣፕሎድ ክትገብሮም ኣለካ። ኩሉ ሕቶታት ምስ ወዳእካን ሰነዳትካ ምስ ጸዓንካን፣ ነቲ ቅጥዒ በቲ ለኣኽ ዝብል መጠወቒ ተጠቒምካ ለኣኮ። ብድሕሪኡ ናይቲ ብኢንተርነት ዘቕረብካዮ መመልከቲኻ ዲጂታላዊ ናይ ምቕባል መረጋገጺ ኣብ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኻ ክትቅበል ኢኻ።
ነቲ መመልከቲ ብፖስታ ከተቕርብ ምስ እትደልይ፣ ነቲ ናይ ዳግመ-ውህደት ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ቅጥዒ ካብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND
ነቶም ቅጥዕታት ብፖስታ እንተድኣ ኮይንካ ትሰዶም፣ መጀመርታ ብዲጂታል ክትመልኦምን ብድሕሪኡ ክትሓትሞምን ትኽእል ኢኻ
ንነፍስወከፍ ኣባል ስድራ-ቤት ሓደ መመልከቲ ቅጥዒ ክትመልእ ኣለካ፡
ናይ ስድራቤት ምጥርናፍ መመልከቲ ቅጥዒ ብቋንቋ ኔዘርላንድ ኣውርድ
ንጥርናፈ ስድራቤት ዝኸውን መመልከቲ ቅጥዒ ብእንግሊዝኛ ኣውርድ
ኩሎም ቅጥዕታት ብዲጂታል ምስ መላእካዮም፡ ኣሕቲምካ ነፍሲ ወከፎም ብፌርማኻ ፈርም። ድሕሪኡ፡ እቶም ዝተመልኡ ናይ መመልከቲ ቅጥዕታት፡ ምስ ቅዳሕ ናይ ኩሎም ዘድልዩኻ ሰነዳትን ትርጉማትን፡ ናብ IND ስደዶም። ምስቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ዝኾነ ኦርጅናል ሰነድ ኣይትልኣኽ፣ ቅዳሓት ጥራይ።
ኣስተውዕል፡ ነቲ መመልከቲን ንኹሉ ቅዳሓት ናይ ሰነዳትካን ብዝተመዝገበ ፖስታ ናብ IND ክትልእኮ ኣገዳሲ እዩ። ናይ IND ኣድራሻ ኣብቲ ቅጥዒ ተጠቒሱ ይርከብ። ብዝተመዝገበ ፖስታ ምልኣኽ ኣብ ጥቓኻ ኣብ ዝርከብ ናይ PostNL ነቚጣ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ኣስታት 12 ኤውሮ ገንዘብ ይሓትት።
ናይ ምቕባል መረጋገጺ
ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ብናይ ገዛኻ ናይ ፖስታ ኣድራሻ ብጽሑፍ ናይ ምቕባል መረጋገጺ ክመጽኣካ እዩ። እዚ ድማ IND ነቲ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲታትካ ከም ዝበጽሖ ዘረጋግጽ እዩ። መመልከቲኻ ብኢንተርነት ወይ ብፖስታ ዘቕረብካዮ ምዃንካ ፍልልይ የብሉን። ኣብቲ ናይ ምቕባል መረጋገጺ፣ IND ንነፍስወከፍ ኣባል ስድራ-ቤትካ ውልቃዊ
እቲ መረጋገጺ ምቕባል ብተወሳኺ ካብ IND ዝመጽእ መምርሒታት ብዛዕባ ምልኣኽ ኦርጅናል ሰነዳት ምስ ትርጉማት (እቲ ትርጉም ምስ ቅዳሕ ናይቲ ሰነድ ክተሓሓዝ ኣለዎ) ናብ Team Onderzoek en Expertise Documenten (TOED) የጠቓልል። እዚ ቤት ጽሕፈት IND ንሓቀኛነቶም ኦርጅናል ሰነዳትኩም ክምርምሮም እዩ። ኩሉ ግዜ ኦርጅናል ሰነዳትኩም ብዝተመዝገበ ፖስታ ናብ TOED ስደድ፣ እንተላይ እቲ ካብቲ መረጋገጺ ቅብሊት ዝተረኽበ ዝርዝር ሓበሬታኻ ዝሓዘ ሕዛል። TOED ነቶም ኣብ ፋይልካ ዘለዉ ሰነዳት በዚ ሕዛል ጥራይ እዩ ክምዝግቦ፣ ክምርምሮን ከሰላስሎን ዝኽእል። ድሕሪ ምምርማር እቶም ሰነዳት፡ TOED ናብ IND desk ክሰዶም እዩ፡ ስለዚ ክትረኽቦም ትኽእል።
መተሓሳሰቢ፡ ኦርጅናል መለለዪ መንነት ብፖስታ ፈጺምካ ኣይትስደድ። ንስኻን ኣባላት ስድራቤትካን መንነትካ ንኽፈልጡ ከድልዩኻ እዮም።
ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ኣብ እተመልክትሉ እዋን ካብ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ዝግበር ደገፍ
ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ 2025 ጀሚሩ
ሕጂ ውን ብዛዕባ ኣገባብ ጥርናፈ ስድራቤት ሕቶታት ከምዘለኻ ርዱእ እዩ። ምናልባት ምድንጓይ ክትሓትት ከድልየካ ይኽእል እዩ፣ ወይ ድማ ብሰንኪ ናይ ጉዕዞ ጉዳያት ዝተፈላለየ ኤምባሲ ክትገልጽ ከድልየካ ይኽእል እዩ። ኣባላት ስድራቤትካ እውን ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት የጋጥሞም ክኸውን ይኽእል እዩ። ሕቶታት ምስ ዝህልወካ ወይ ዝኾነ ለውጢ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ምስ IND (ኢሚግሬሽንን ናቹራላይዜሽንን ኣገልግሎት) ተወከስ። ካብ 1 ታሕሳስ 2025 ጀሚሩ "ናይ ስድራ ቤት ጥርናፈ ዑቕባ ቁጽሪ ተሌፎን" ክትድውል ትኽእል ኢኻ፡ 088 - 043 04 00. እቲ ቁጽሪ ኣብ ገጽ "
ኣስተውዕል፡ ቅድሚ 1 ታሕሳስ 2025 ዲኻ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ናብ IND ኣቕሪብካ? ከምኡ እውን ካብ IND ብዛዕባ ዝተቐበልካዮ ደብዳቤ ወይ ካልእ መልሲ ንምሃብ ደገፍ የድልየካ ድዩ? ኣብ ከምኡ ኩነታት VWN ገና ግዝያዊ ደገፍ ክህብ ይኽእል እዩ (ክሳብ ሰነ 2026)። ምስ
ድሮ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ገዛ ኣለካ ድዩ? ኣብ ከምኡ ኩነታት፣ VWN ወይ ናይ ካልእ ውድብ ማሕበራዊ ኣማኻሪኻ ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክድግፈካ ይኽእል እዩ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ VWN ዝርከብ ኮንታክትፐርሶንካ እዚ ዝስዕብ ክገብረልካ ይኽእል፡
ብዛዕባ መስርሕ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ሓበሬታ ይህብ።
ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ኣብ ምምላእ ይሕግዘካ።
ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብስምካ ምስ IND ርክብ ይገብር።
ካብ IND ብዛዕባ ስድራ-ቤታዊ ዝምድናኻ ብዝምልከት ንዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ይሕግዘካ።
ሓደ ሓደ ግዜ VWN፣ ካብ
ብዝርከብ ኣበርክቶ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ስለዚ ሽዕኡ ኣባላት ስድራ-ቤትካ ዝገብርዎ ገለ ክፋል ወጻኢታት መጎዓዝያ ክከሓስ እዩ።ማዕከን ስደተኛታትኣባላት ስድራ-ቤትካ ኣብ ኔዘርላንድ ምስ በጽሑን፣ ኣብ ምምሕርዳር ከተማ ንዓኹም ዝኸውን መንበሪ ገዛ ምስ ዝህሉን፣ ንግብራዊ ጉዳያት ብዝምልከት ይድግፈካ። ንኣብነት ማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፋት ከምኡ እውን
ኣብ ምሕታት። ወይ ድማ ውዕል መድሕን ጥዕና ኣብ ምግባርን፣ ከምኡ እውን ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪም፣ ሓኪም-ስኒን ቤት-ትምህርትን ንምምዝጋብን።ኣበላትንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ብዝምልከት ዘቕረብካዮ ሕቶ እንተድኣ ተነጺጉን፣ ይግባይ ክትብል እንተደሊኻን፣ VWN ጠበቓ ንምርካብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።