
ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝግበር ወግዓዊ ኣኼባ ኔዘርላንዳዊ ትኸውን
IND ኣወንታዊ ውሳኔ እንተድኣ ሂቡ፣ ኔዘርላንዳዊ ንምዃን ኣብ ወግዓዊ ኣኼባ ንኽትሳተፍ ካብ ምምሕርዳር ከተማ ዕድመ ክትቕበል ኢኻ። ኣብ እዋን እዚ ኣኼባ ‘መግለጺ ተወፋይነት’ ክትገብር ኢኻ። እዚ ድማ ኔዘርላንዳዊ ንምዃን ዘድልይ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ እዩ።
ከንቲባ ብደብዳቤ ናብ ኣኼባ ንኽትመጽእ ይዕድመካ
ናይቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ከንቲባ፣ ናብ ወግዓዊ ኣኼባ ንኽትመጽእ ክዕድመካ እዩ፣ ኣብኡ ድማ ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ኢኻ። እዚ ኣኼባ እዚ ‘ወግዒ ዜግነት’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኣኼባ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ እዩ ዝካየድ። ጽንብላዊ ኣኼባ እዩ። ኣብኡ ድማ ልክዕ ከማኻ ኔዘርላንዳውያን ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ኣብቲ ወግዒ ዜግነት ንኽትሳተፍ ግዴታ ኣለካ
ኣብቲ ‘ወግዒ ዜግነት’ ምስ እትሳተፍ ጥራይ ኢኻ ኔዘርላንዳዊ ትኸውን። ስለዚ ምምሕዳር ከተማ እንተድኣ ዓዲሙካ፣ ኩሉ ግዜ ኣብቲ ናይ ዜግነት ወግዒ ክትሳተፍ ኣለካ። ምምሕዳራት ከተማታት እየን ነዞም ወግዓዊ ጽንብላዊ ኣኼባታት ዝውድባ። ምምሕዳር ከተማ ድማ ኔዘርላንዳዊ ትኸውን ምህላውካ ምሳኻ ብሓባር የብዕል።
እቲ ናይ ዜግነት ሕቶ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ውላድካ ዕድሚኡ 16 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ድዩ ነይሩ? ስለዚ ውላድካ እውን ኣብዚ ኣኼባ ንኽሳተፍ ግዴታ ኣለዎ። ውላድካ ሽዕኡ ትሕቲ 16 ዓመት ድዩ? ስለዚ ውላድካ ኣብቲ ወግዒ ክሳተፍ ኣየድልዮን እዩ፣ እንተኾነ ግን ክመጽእ ይኽእል እዩ።
ወግዓዊ መግለጺ ትህብ
ኣብቲ ኣኼባ ‘መግለጺ ተወፋይነት’ ከተንብብ ኣለካ። ከምኡ ብምግባር ድማ ወግዓዊ ኔዘርላንዳዊ ዜጋ ምስ ምዃን ንዝመጽእ ናጽነታትን መሰላትን ከም እተኽብር ቃል ትኣቱው። ምስኡ ዝመጽእ ግዴታታት እውን ከም እተኽብር ቃል ትኣቱው። ከም ዓይኒ ሓቂ ከምኡ ብምግባር ሕጂ ሕግታት ኔዘርላንድ ንዓኻ እውን ከም ዝምልከቱ ይፈልጥ እየ ትብል ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ ማለት ግን ንኹሎም ሕግታት ክትፈልጥ ኣለካ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ከም እትቕበሎምን ከም እተኽብሮምን እዩ። ምስ ወላዲ ሓባራዊ ዜግነት ዝረኽቡ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ቆልዑት እውን ነዚ መግለጺ ክገብሩ ኣለዎም። ነቲ መግለጺ ምስ ገበርካ፣ ካብ ከንቲባ ‘ውሳኔ ርዕመት ዜግነት’ ክትቅበል ኢኻ፣ እዚ ድማ ኔዘርላንዳዊ ምዃንካ ዘረጋግጽ መርትዖ እዩ። ከንቲባ ነዚ ‘ውሳኔ ርዕመት ዜግነት’ ምስ ዝህበካ ጥራይ ኢኻ ኔዘርላንዳዊ ትኸውን። ካብቲ ኔዘርላንዳዊ ንምዃን ብዛዕባ ዘቕረብካዮ መመልከቲ ውሳኔ ዝተዋህበሉ ዕለት ጀሚርካ ድማ ኔዘርላንዳዊ ኢኻ። ስለዚ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነትካ ኣብቲ 'ውሳኔ ርዕመት ዜግነት' ተጠቒሱ ካብ ዝርከብ ዕለት እዩ ዝጅምር። ብዘይካ እቲ ወግዓዊ ክፋል፣ ባህታ ዝመልኦን ጽምብላውን ወግዒ ዜግነት ኣሎ።
ሕጂ ብወግዒ ኔዘርላንዳዊ ኮይንካ ኣለኻ፣ ፓስፖርት ክትሓትት ድማ ትኽእል ኢኻ
እቲ ኣብቲ ጽንብላዊ ኣኼባ ዝተቐበልካዮ ናይ ዜግነት መረጋገጺ ወረቐት፣ ኔዘርላንዳዊ ምዃንካ ወግዓዊ መርትዖ እዩ። ነዚ ተጠቒምካ ድማ ናይ ኔዘርላንድ ፓስፖርት ወይ መንነት ወረቐት ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።