ሰባት ኣብ ሰደቓ ምምሕዳር ከተማ ኣብ መስርዕ ደው ኢሎም ተራኦም ክሳብ ዝበጽሕ ይጽበዩ
ዓንቀጽ

ዜጋ ኔዘርላንድ ንኽትከውን እተቕርቦ ሕቶ ኣብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ኢኻ እትገብሮ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 18/4/2025 11:28 ቅ.ቀ.

ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ‘ሕቶ ዜግነት’ ናብ ምምሕርዳር ከተማ ከተቕርብ ኣለካ፣ ነቲ ሕቶ ዝኽፈል ገንዘብ ድማ ትኸፍል።

ነቲ ሕቶ ናብ ምምሕዳር ከተማ ኢኻ እተቕርቦ

ዜጋ ኔዘርላንድ ንምዃን ንምምልካት ባዕልኻ ናብ ምምሕዳር ከተማ ክትከይድ ኣለካ። ኣብኡ ምስ ሓደ ሰራሕተኛ ክፍሊ ሲቪላዊ ጉዳያት ብሓባር፣ ዜጋ ኔዘርላንድ ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ ትመልእ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ምምሕዳር ከተማኻ ተወከስ፣ ወይ ድማ ናብ ምምሕዳር ከተማ ብምድዋል መጀመርታ ቆጸራ ክትሕዝ ዘድልየካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ሕተት።

ዜጋ ኔዘርላንድ ንምዃን ብኢንተርነት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። 

ደቅኻ እውን ኔዘርላንዳውያን ከምዝኾኑ ክትገብር እንተድኣ ደሊኻ፣ ኣስማቶም እውን ኣብቲ መመልከቲ ክኣቱው ኣለዎ። 12 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ቆልዑት እውን፣ ኣብቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዘለካ ቆጸራ ምሳኻ ክኸዱ ኣለዎም። 

ኔዘርላንዳዊ ንምዃን ገንዘብ ይሓትት እዩ 

ዜጋ ኔዘርላንድ ንምዃን ንምምልካት ክትከፍል ኣለካ። እቲ እትኸፍሎ ገንዘብ ‘leges’ ይበሃል። ነዚ ወጻኢታት እዚ ነቲ ሕቶ ኣብ እተቕርበሉ እዋን ኢኻ እትኸፍሎ። ክትከፍሎ ዘለካ መጠን ገንዘብ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ እዩ ዝውስኖ። ምምሕዳር ከተማ ምስ ከፈልካ ጥራይ እዩ ንሕቶኻ ዘመስርሖ። ሓደ መመልከቲ እዚ ዝስዕብ ወጻኢታት ይሓትት፡  

  • ብነፍስወከፍ ሰብ ዝቕርብ ሕቶ € 811,- ወጻኢ ይሓትት።  

  • ካባኻን መጻምድትኻን ንዝመጽእ ሕቶ € 1,114 ትኸፍል። ከም መጻምድቲ ሕቶ ንምቕራብ ግድን ዝተመርዓኹም ክትኮኑ ኣየድልየኩምን እዩ። እንተኾነ ግን ምስ ነንሓድሕድኩም ዝምድና ዘለኩምን ብሓባር እትነብሩን ክትኮኑ ኣለኩም።  

  • ምስ ወላዲኦም (ወለዶም) ብሓባር ኔዘርላንዳውያን ንዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት፣ € 161,- መጠን ገንዘብ ትኸፍል።  

'መግለጺ ተወፋይነት' ክትዛረብ ቃል ትኣቱው

ዜግነት ንምርካብ ናብ ምምሕዳር ከተማ ከተመልክት እንከለኻ፣ ኔዘርላንዳዊ ኣብ እትኾነሉ እዋን ‘መግለጺ ተወፋይነት’ ከም እትገብር ቃል ክትኣቱው ኣለካ። ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣብ እተመልክተሉ እዋን ድማ ነዚ ዝምልከት ወረቐት ክትፍርም ኣለካ። 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ትሕቲ ዕድመ እውን ዜጋታት ኔዘርላንድ ኣብ ዝኾንሉ እዋን ነዚ መግለጺ ክገብሩ ኣለዎም፣ ስለዚ ንሳቶም እውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ወረቐት ክፍርሙ ኣለዎም። 

ምምሕዳር ከተማ ምኽሪ ኣዳልዩ መመልከቲኻ ናብ IND ይልእኮ 

ምምሕዳር ከተማ ውልቃዊ ሓበሬታታትካ ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን፣ ከምኡ እውን ንኹሎም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይምርምር። ብድሕሪኡ እቲ ምምሕዳር ከተማ ምኽሪ የዳሉው። ኣብቲ ምኽሮም ድማ ኔዘርላንዳዊ ክትከውን ትኽእል ኢኻ ኢሎም ዝሓስቡ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ይጽሕፉ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ምኽሪ ምስ መመልከቲኻ ናብ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND)
ክሰዶ እዩ። ካብ IND ድማ እዚ ከምዝበጽሖም መረጋገጺ ክትቅበል ኢኻ። መስርሕ ምርካብ ዜግነት ብኸመይ ከም ዝሰርሕን፣ ካባኻ እንታይ ትጽቢት ከም ዝግበርን ድማ ኣብዚ ደብዳቤ ተጠቒሱ ክትረኽቦ ኢኻ። 


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር