ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ኩሉ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከተንብቦ እትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መቐበሊ ቦታታት ክትጸንሕ ኢኻ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ንቡር መቐበሊ ቦታታት እኹል ቦታ የለን። በዚ ድማ ምናልባት ኣብ ሓደ ግዜያዊ መቐበሊ ንኽትጸንሕ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) መቐበሊ ቦታ ምስ ካልኦት ሰባት ብሓባር ኢኻ ትነብር። ኩሎም መቐበሊ ቦታታት ዝተፈላለዩ እዮም። ኣብቲ መቐበሊ ድማ መሰላትን ግዴታታትን ኣለካ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ኣብዚ ገጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ኣብ ነፍስወከፍ መቐበሊ ቦታ ተፈጻምነት ዘለዎም ሕጋጋት-ቤት ኣለዎ። እዞም ሕጋጋት-ቤት ብዛዕባ ኣብቲ መዕቆቢ ብሓባር ምንባርን ብዛዕባ ድሕነትን ዝምልከቱ እዮም። ብዛዕባ ሕጋጋት-ቤት ናይ COA ብዝምልከት ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።
ኣብ ግዝያዊ መቐበሊ ትቕመጥ ኣለኻ፣ ምኽንያቱ ድማ እቲ ንቡር መቐበሊ ስለ ዝመልአ እዩ። ኣብዚ ንኽንደይ ግዜ ክትጸንሕ ከም ዘለካ መብዛሕትኡ ግዜ ንጹር ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ብዙሓት መቐበሊ ቦታታት ንኽትግዕዝ ክትግደድ ኢኻ።
ብዛዕባ እቲ ትሓድረሉ ዘለኻ መዕቆቢ ኣይዓገብካን ዲኻ? ስለዚ ምስ COA ወይ ምስ ምምሕዳር ከተማ ክትዘራረብ፣ ጥርዓን ከተቕርብ ወይ ክትቃወም ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገይርካ ዲኻ? ስለዚ 'ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)' ዝበሃል ውልቃዊ ቁጽሪ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ጉዳያትካ ንምስላጥ እዚ ቁጽሪ የድልየካ። ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ቁጽሪ ከም እትረክብ ኣብዚ ኣንብብ።
ኣብ መዕቆቢ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) ኣዝዩ ሒደት ቦታ እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ድማ ንግዚኡ ምስ ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ንኽትቕንይ ምኻድ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።