መስርሕ ዕቚባ

ኣብ ኔዘርላንድ ዑቕባ ንምርካብ ኣብ እተመልክተሉ እዋን፣ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ መሰል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክምርምር እዩ። ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባ፣ ናይ ምጽባይ ግዜን፣ ዘለካ መሰላትን ብዝምልከት ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

መርሓ ውጥን (3)

ሓበሬታ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ብኸምዚ ኢኻ ሕጋዊ ደገፍ ትረክብ

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብሒደት ገንዘብ ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ሕቶታት ክህልወካ ይኽእል፣ ወይ ድማ ኣብ ስራሕካ ወይ ብዛዕባ መንበሪ-ቤትካ ጸገማት ምስ ዘጋጥመካ ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል። ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

IND ብዛዕባ ዕድመኻ ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ፣ ናይ ዕድመ መርመራ ብኸምዚ ይሰርሕ

ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ፣ ናይ ዕድመ መርመራ ከካይድ ይኽእል እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ዝተፈልዩ መሰላት ኣለዉኻ። ነዞም መሰላት እትረኽቦም ግን IND ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ርግጸኛ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

ዓንቀጽ

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ

ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክትፋታሕ ይከኣል እዩ። ዋላ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይተመርዓኻ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን። ፍትሕ ኣብ ናትካን ናይ መጻምድትኻን መስርሕ ዑቕባ ሳዕቤናት ክህልዎ ግን ይኽእል እዩ።

ዓንቀጽ
ሓደ ሰብኣይ ብተሌፎኑ ናይ ቪድዮ ጻውዒት እናገበረ ናብ ተሌፎኑ ገጹ ኢዱ የወዛውዝ።

ምስ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ኔዘርላንድ (VWN) ዲጂታላዊ ናይ ምኽሪ መደብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ ምኽሪ ሰዓት እዚ፡ ንውልቃዊ ኩነታትካ ብዝምልከት 1-ምስ-1 ማሕበራዊን ሕጋዊን ደገፍ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ እዋን እዚ ቆጸራ፣ ሓደ ናይ VWN ኣባል ሰራሕተኛ ገለልተኛ ምኽሪ ክህበካ እዩ።

ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?

ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር