መስርሕ ዕቚባ
መርሓ ውጥን (3)
ሓፈሻዊ መስርሕ ዑቕባ
መስርሕ ዶብ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ወይ ወደብ ምስ በጻሕካ ዑቕባ ምሕታት ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
መስርሕ ዱብሊን፡ ኣቐዲምካ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ዑቕባ ሓቲትካ እንተኾንካ መስርሕ ዑቕባ ብኸምዚ እዩ ዝፍጸም
ሓበሬታ

ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ
IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ንምምስራሕ ዝያዳ ግዜ የድልዮ ድዩ? ከምኡ ምስ ዝኸውን ናብ ዝተናውሐ መስርሕ ዑቕባ (VA) ትኸይድ። ድሕሪ 2ይ ቃለ-መሕትት ድማ IND ናብ VA ክትከይድ ምዃንካን ዘይምዃንካን ክውስን እዩ። እቲ VA ንገለ ኣዋርሕ ወይ ልዕሊኡ ክጸንሕ ድማ ይኽእል እዩ።

IND ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ምስ ዝነጽጎ እዚ ክትገብር ትኽእል
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ንዘመልከትካዮ ዑቕባ ነጺጉ። ስለዚ ካብ IND ደብዳቤ ክትቕበል ኢኻ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዝኸውንን፣ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

IND ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ኣብ ምውሳን እንተድኣ ደንጒዩ ከምዚ ክትገብር ትኽእል
IND ብዛዕባ ዘመልከትካዮ ዑቕባ ኣብ ግዚኡ ውሳኔ ክወስድ ኣለዎ። IND ኣብ ግዚኡ እንተድኣ ዘይወሰነ፣ IND ኣብ ውሽጢ 2 ሳምንታት ውሳኔ ንኽወስድ ብወግዒ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። እዚ "ምሃብ ምልክታ ጥሕሰት-ግዴታ" ይበሃል።

ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ክትፈልጦ ዘለካ
ኣብ ኔዘርላንድ ብዘይ ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ንምጥርናፍ ስድራ-ቤት ከተመልክት ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ ልዑል ዕድል ምስ ዝህልወካ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲኻ ድሮ ከተዳሉው ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ኔዘርላንድ BSN የድልየካ
ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገይርካ ዲኻ? ስለዚ 'ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)' ዝበሃል ውልቃዊ ቁጽሪ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ጉዳያትካ ንምስላጥ እዚ ቁጽሪ የድልየካ። ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ቁጽሪ ከም እትረክብ ኣብዚ ኣንብብ።

ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ብኸምዚ ኢኻ ሕጋዊ ደገፍ ትረክብ
ኣብ ኔዘርላንድ ብነጻ ወይ ብሒደት ገንዘብ ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ብዛዕባ መስርሕ ዑቕባኻ ሕቶታት ክህልወካ ይኽእል፣ ወይ ድማ ኣብ ስራሕካ ወይ ብዛዕባ መንበሪ-ቤትካ ጸገማት ምስ ዘጋጥመካ ሓገዝ ከድልየካ ይኽእል። ሕጋዊ ሓገዝ ንምርካብ ኣበይ ክትከይድ ከም እትኽእል ኣብዚ ኣንብብ።

IND ብዛዕባ ዕድመኻ ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ፣ ናይ ዕድመ መርመራ ብኸምዚ ይሰርሕ
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ጥርጣረ ምስ ዝህልዎ፣ ናይ ዕድመ መርመራ ከካይድ ይኽእል እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት እንተድኣ ኮይንካ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ዝተፈልዩ መሰላት ኣለዉኻ። ነዞም መሰላት እትረኽቦም ግን IND ትሕቲ 18 ዓመት ምዃንካ ርግጸኛ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ።

ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ፍትሕ ኣብ ኔዘርላንድ
ካብ መጻምድትኻ ክትፋታሕ ትደልይ ዲኻ? ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕባ ክትፋታሕ ይከኣል እዩ። ዋላ ኣብ ኔዘርላንድ ዘይተመርዓኻ ወይ ናይ ኔዘርላንድ ዜግነት ዘይብልካ ምስ እትኸውን እውን። ፍትሕ ኣብ ናትካን ናይ መጻምድትኻን መስርሕ ዑቕባ ሳዕቤናት ክህልዎ ግን ይኽእል እዩ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።

