ኣብ ኔዘርላንድ ንዝሓሸ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ኔዘርላንድ መዕቆቢ ስደተኛታት ከማሓይሽ ዝግበኦ ሓድሽ ሕጊ ጸዲቚ ኣሎ። እዚ ሕጊ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ዝርከባ ምምሕዳር ከተማታት ንኹሎም ስደተኛታት ዘአንግዱ እኹላት መዕቆቢ ቦታታት ክፈጥር ኣለዎ። እቲ ሕጊ ካብ 1 ለካቲት 2024 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል እዩ። ዜና 24 ጥሪ 2024
ንዑቕባን ፍልሰትን ዝምልከቱ ሓደስቲ ሕግታት ኤውሮጳ ክተኣታተዉ እዮም ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ (EU) ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2023 ብዛዕባ ሓደስቲ ሕግታት ዑቕባን ፍልሰትን ተሰማሚዐን ኣለዋ። እዚ ዓንቀጽ እዚ ኣየኖት ሕግታት ምዃኖምን፣ ንዓኻ እንታይ ሳዕቤናት ከምዘለዎን ዝገልጽ እዩ። ዜና 24 ጥሪ 2024
ኣብ ዩክሬን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነበረካ ምስ እትኸውን ኣብ ኔዘርላንድ ግዝያዊ ሓለዋ ደው ይብል ኣብ ዩክሬን ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነበረካ ምስ እትኸውን፣ ግዝያዊ ሓለዋ ኣብ ዕለት 4 መጋቢት 2024 ደው ንኽብል ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድ ወሲኑ ኣሎ። እዚ ንዓኻ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብዚ ዓንቀጽ ኣንብብ። ዜና 17 ጥሪ 2024
ዑቕባ ዝሓተትካ ምስ እትኸውን ሕጂ ምስ እትፈልጦም ሰባት ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ ኣብ መዕቆቢ ናይ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ (COA) እኹል ቦታ የለን። ስለዚ ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ቤተሰብ ወይ ፈተውቲ ንግዚኡ ክትቕንይ ትኽእል ኢኻ። ንኽትቕንይ ምኻድ ድማ ኣብ መስርሕ ዑቕባኻ ዝኾነ ጽልዋ የብሉን። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ። ዜና 11 ጥሪ 2024
ኣብ ተር ኣፐል ዘይእኹል መዕቆቢ ቦታታትን ዘይውሑስ ኩነታትን ኣብዚ እዋን ኣብ ተር ኣፐል ኣብ ዝርከብ ማእከል ምዝገባ ስደተኛታት ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። እኹል መዕቆቢ ቦታታት ስለዘየለ ድማ እቲ ኩነታት ሕማቕ እዩ። ስለዚ ምናልባት ናብ ካልእ ቦታ ንኽትከይድ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ከም ዝካየድ ኣብዚ ኣንብብ። ዜና 14 ታሕ 2023
ሕጂ IND ብዛዕባ ናይ ተር ኣፐል ቆጸራኻ መልእኽትታት SMS እውን ክሰደልካ ይኽእል እዩ ምስ IND ኣብ ተር ኣፐል ቃለ-መሕትትካ ንምግባር ዕድመ ትጽበይ ዲኻ ዘለኻ? ካብ 20 ሕዳር ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን (IND) ብመልእኽቲ ተሌፎን (sms) ክዕድመካ እዩ። ዜና 29 ሕዳ 2023
ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ ይፍቀደልካ እዩ ካብ ሕጂ ንደሓር ብ W-document፣ ኣብ ዓመት ልዕሊ 24 ሳምንታት ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። እዚ ብላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኔዘርላንድ ተወሲኑ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓመት 24 ሳምንታት ጥራይ ክትሰርሕ እዩ ዝፍቀደልካ ነይሩ። ሕጂ ዳኛ ነዚ ሕጊ ሰሪዝዎ ኣሎ። ዜና 29 ሕዳ 2023
ሳዕቤናት ምርጫ ኔዘርላንድ እዚኦም እዮም ውጽኢት ሃገራዊ ምርጫ ኔዘርላንድ ተፈሊጡ ኣሎ። የማናዊ ሰልፊ PVV እቲ ዝዓበየ ሰልፊ ኮይኑ ተመሪጹ ኣሎ። ብድሕሪኡ ድማ ሰልፊታት GroenLinks፣ VVDን NSCን ይስዕቡ። እቲ ምርጫ ኣባኻ ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን ኣብዚ ኣንብብ። ዜና 24 ሕዳ 2023