ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ኩሉ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከተንብቦ እትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ክንክን የድልየካ ድዩ? ኣብ ኔዘርላንድ ኩሉ ግዜ መጀመርታ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ኢኻ ትኸይድ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ድማ ናብ ካልእ ክንክን ንውከሳ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ። ህጹጽ ክንክን ንምርካብ ጥራይ ኢኻ ብቕጽበት ናብ ናይ ህጹጽ ረድኤት ቁጽሪ ክትድውል ወይ ናብ ነቚጣ ሓካይም ክትከይድ እትኽእል። ክንክን ጥዕና ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ዝያዳ ኣብዚ ኣንብብ።
ኣብ ኔዘርላንድ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ገይርካ ዲኻ? ስለዚ 'ቁጽሪ ኣገልግሎት ዜጋ (BSN)' ዝበሃል ውልቃዊ ቁጽሪ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ጉዳያትካ ንምስላጥ እዚ ቁጽሪ የድልየካ። ብኸመይ ከምዚ ዝበለ ቁጽሪ ከም እትረክብ ኣብዚ ኣንብብ።
ትሑት ኣታዊ ድዩ ዘለካ? ንኣብነት ብማሕበራዊ ጥቕሚ ወይ ብድጎማ ትምህርቲ ክትነብር ስለዘለካ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ጥዕና ክትረክብ ትኽእል ትኸውን ኢኻ። እዚ ንመድሕን ጥዕናኻ መኽፈሊ ዝኸውን ካብ መንግስቲ ዝግበር ኣበርክቶ እዩ።
ንጾታዊነት ዝምልከት ክንክንን ሓበሬታን ትደልይ ዲኻ? ንኣብነት ብዛዕባ ውሑስ ጾታዊ ርክብ፣ ዘይተደልየ ጥንሲ ወይ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት። ብዛዕባ ክንክንን ሓበሬታን ኣብ መዳይ ጾታዊነት ኣብ ኔዘርላንድ ኣብዚ ኣንብብ።
ንስደት ዝሃደምካ ምስ እትኸውን ጸቕጢ፣ ድቃስ ምስኣን ወይ ሕማቕ ኣተኲሮ ክህልወካ ዘገርሙ መለለይታት ኣይኮኑን። እዞም መለለይታት ኣካል ናይ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ እዮም። እዚ ዓይነት ጥዕና ከመይ ከም ዝስምዓካ ዝምልከት እዩ። ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ዝሓሸ ንኽስምዓካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ኣብዚ ኣንብብ።
ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ውልቃዊ ጉዳያት ብኢንተርነት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ። ወይ ንመድሕን ጥዕናኻ ወይ ንጡረታኻ ብዝምልከት። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ። ኣብዚ ዓንቀጽ DigiD እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።