ሓበሬታ
ዝተሓትመሉ ኣብ 1 ነሓ 20231 ነሓ 2023
ብመንበሪ ፍቓድ ግምገማ ብቕዓት ዲፕሎማ ኣብ ኔዘርላንድ
ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዲኻ ዲፕሎማኻ ረኺብካ፣ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማኻ ዝሰማማዕ ሞያ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ትፈልጥ። 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ድማ ትኽእል ኢኻ።