ኣብዚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይ ኩሉ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ከተንብቦ እትኽእል ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ገና ቋንቋ ኔዘርላንድ ዘይዛረቡ ቆልዑት ኣለዉኻ ድዮም? ስለዚ ኣብያተ-ትምህርቲ ውላድካ ቋንቋ ኔዘርላንድ ምእንቲ ክመሃርን ትምህርቲ ኔዘርላንድ ንኽከታተልን ሓገዝ የቕርባ እየን።
ኣብ ኔዘርላንድ ናብ ቤት-ትምህርቲ ትኸይድ ምስ እትኸውን፣ ንስኻ ባዕልኻ ወይ ውላድካ ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክትረኽቡ ከም እትደልዩ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ ዓንቀጽ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ዝያዳ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ካብ 4 ክሳብ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ናብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ 8 ጉጅለታት ኣለዎ። ቆልዑት ካብ 4 ዓመት ዕድሚኦም ጀሚሮም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም። ኣብዚ ገጽ ኩሉ ብዛዕባ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ዝምልከት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ድሕሪ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ቆልዑት ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ይኸዱ። ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ደረጃታትን ዓመታትን ዝሓቖፈ እዩ። ክሳብ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፣ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸዱ ግዴታ ኣለዎም። ኣብዚ ገጽ ኩሉ ብዛዕባ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ድሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ፣ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ክትመሃር ትኽእል ኢኻ። እትከታተሎ ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ዲፕሎማኻ እዩ ዝምርኮስ። ኣብዚ ዓንቀጽ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትጅምር ምስ እትኸውን ብዛዕባ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።
ቋንቋ ኔዘርላንድ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ቋንቋ ኔዘርላንድ ንምምሃር ሓገዝ ምስ እትደልይ፣ ሓገዝ ብኸመይን ኣበይን ክትረክብ ከም እትኽእል ኣብዚ ገጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽብ ትኽእል ኢኻ።
ካብ ኔዘርላንድ ወጻኢ ዲኻ ዲፕሎማኻ ረኺብካ፣ ከምኡ እውን ምስ ዲፕሎማኻ ዝሰማማዕ ሞያ ክትሰርሕ ወይ ክትመሃር ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ብቕዓት ዲፕሎማኻ ከም ዝግምገም ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ብኸምዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ ኣየናይ ደረጃ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ከም እትኽእል ትፈልጥ። 1 ዲፕሎማ ብነጻ ከተገምግም ድማ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ኔዘርላንድ ኣብ mbo፣ hbo ወይ wo ክትመሃር ዲኻ? ትምህርትኻ ንምኽፋል ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለዉ። ንኣብነት ብሓገዝ ካብ ፈጻሚ ኣገልግሎት ትምህርቲ (DUO) ዝርከብ ድጎማ ትምህርቲ። ኣየኖት ኣማራጺታት ከምዘለዉ ኣብዚ ኣንብብ።