ገንዘብ
መርሓ ውጥን (1)
ኣብ ኔዘርላንድ ብናይ ዑቕባ መንበሪ ፍቓድ መመልከቲ ግብሪ ምቕራብ
ሓበሬታ

ኣበላት ቆልዑት ምስ ዝህልዉኻ
ትሑት ኣታዊ፣ ከምኡ እውን 1 ወይ ልዕሊኡ ቆልዑት ዘለካ ዲኻ? ስለዚ ፍሉያት ኣበላት ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። ኣበል፣ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ መንግስቲ ክትረኽቦ እትኽእል ተወሳኺ ኣታዊ እዩ።

መድሕን ጥዕናኻ ንምኽፋል ዘኽእል ኣበል ጥዕና
ትሑት ኣታዊ ድዩ ዘለካ? ንኣብነት ብማሕበራዊ ጥቕሚ ወይ ብድጎማ ትምህርቲ ክትነብር ስለዘለካ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ጥዕና ክትረክብ ትኽእል ትኸውን ኢኻ። እዚ ንመድሕን ጥዕናኻ መኽፈሊ ዝኸውን ካብ መንግስቲ ዝግበር ኣበርክቶ እዩ።

ንመኽፈሊ ክራይ-ገዛኻ ዝኸውን ኣበል ክራይ-ገዛ ብኸምዚ ኢኻ እተመልክት
ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ክራይ ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ መንግስቲ ክትረኽቦ እትኽእል ተወሳኺ ኣታዊ እዩ። ንኣብነት ብማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ጥራይ ክትነብር ዘለካ ምስ እትኸውን፣ ወይ ድጎማ ትምህርቲ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ።

ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሕናት
ኣብ ኔዘርላንድ ንነብስኻን ንብረትካን ንምክልኻል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ውዕል መድሕናት ክትኣቱው ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም መድሕናት ግዴታ እዮም። ካልኦት ድማ ክህልዉኻ ጠቐምቲ እዮም። ኣብዚ ገጽ ኣየኖት ዓይነታት ውዕል መድሕናት ከምዘለዉ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ህይወትካ ዝህልዉ ለውጢታት ፋይናንሳዊ ሳዕቤናት ክህልዎም ይኽእል እዩ
ኣብ ህይወትካ ሓደ ነገር እንተድኣ ተቐይሩ ኣብ ኣታዊታትካን ወጻኢታትካን ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ዓንቀጽ መዓስ ገለ ነገር ከተዋድድ ከም ዘድልየካ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ወይ ሒደት እንተድኣ ኮይንካ ክትሰርሕ ብፋይናንስ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ
ዝያዳ ወይ ሒደት ዲኻ ክትሰርሕ? ወይ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ደው ከተብል ዲኻ? ስለዚ ክዋደዱ ዝግባእ ሒደት ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ። ኩነታት ስራሕካ ምስ ዝቕየር እንታይ ከተዋድድ ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ንስኻ ወይ ውላድካ 18 ዓመት ምስ እትመልኡ ብገንዘባዊ መዳይ ነዚ ከተዋድዱ ኣለኩም
ንስኻ ወይ ውላድካ 18 ዓመት ምስ መላእኩም፣ ብገንዘባዊ መዳይ ከተዋድድዎም ዘለኩም ሒደት ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ። ኣብዚ ዓንቀጽ እንታይ ከተዋድዱን ብኸመይ ክትገብርዎን ከም ዘለኩም ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ምትላል ኣብ ኔዘርላንድ
ኣብ ኔዘርላንድ ገንዘብ ወይ ውልቃዊ ሓበሬታ ንምርካብ ንኻልኦት ከታልሉ ዝፍትኑ ሰባት ኣለዉ። እዚ ድማ ምትላል ይበሃል። ዝኾነ ሰብ ግዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ሓድሽ ናብ ኔዘርላንድ ዝመጽአ ሰብ እውን። ስለዚ ምትላል ብኸመይ ከም ዝሰርሕ፣ እንታይ ዓይነት ምትላላት ከምዘለዉን፣ እንተድኣ ኣጋጢሙካ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

መብርሂ ብዛዕባ ናይ ጸዓት ሕሳብካ
እዛ ቪድዮ፣ ወርሓዊ እትኸፍሎ ናይ ጸዓት መጠን ሕሳብ ብኸመይ ከም ዝግመት እትገልጽ እያ። ድሒርካ ንጸዓትካ ብዙሕ መመላእታ ክትከፍል ንኸይትግደድ ባዕልኻ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል እውን ተገሊጹ ይርከብ።

ኣብ ህይወትካ ዝህልዉ ለውጢታት ንኣታዊኻ ክጸልውዎ ይኽእሉ እዮም
ኣብዛ ቪድዮ፣ ኣብ ህይወትካ ዝህልዉ ለውጢታት ነቲ እትረኽቦን እተውጽኦን ገንዘብ ብኸመይ ክጸልውዎ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ ይርከብ።
ነዚ መርበብ-ሓበሬታ ዝኸውን ምኽሪ ኣለካ ድዩ?
ምኽርታትካ RefugeeHelp ነቲ መርበብ-ሓበሬታ ንኸመሓይሾ ይሕግዝዎ እዮም። ገና እንታይ ከም ዝጎደለካ ወይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣልካ ሓብረና። ኣስተውዕል፡ እዚ ቅጥዒ ንውልቃዊ ሕቶታት ዝዓለመ ኣይኮነን። መልሲ ኣይክትረክብን ኢኻ።