ገንዘብ

ኣብ ኔዘርላንድ ምስ እትሰርሕ፣ ገንዘብ ክትረክብ ትጅምር። ስራሕ ክሳብ እትረክብ ድማ ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ ደገፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ገጽ ብዛዕባ ኣታዊኻ ዝምልከት ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።


መርሓ ውጥን (1)

ሓበሬታ

ናብ መርበባት-ሓበሬታ ናይ መንግስቲ ኔዘርላንድ ንምእታው DigiD ኣመልክት

ኣብ ኔዘርላንድ ብዙሕ ውልቃዊ ጉዳያት ብኢንተርነት ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ምስ መንግስቲ ኔዘርላንድ። ወይ ንመድሕን ጥዕናኻ ወይ ንጡረታኻ ብዝምልከት። ነዚ ንምግባር ድማ DigiD የድልየካ። ኣብዚ ዓንቀጽ DigiD እንታይ ምዃኑን፣ ነዚ ንምርካብ ብኸመይ ከም እተመልክትን ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብ ኔዘርላንድ ንጡረታኻ ምውህላል ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ

ኣብ ኔዘርላንድ ትነብር እንተድኣ ኮይንካ መሰረታዊ ጡረታ ክትረክብ መሰል ኣለካ። ተወሳኺ ጡረታ እውን ከተዋህልል ትኽእል ኢኻ። እዚ ገንዘብ፣ ስራሕ ምስ ኣቋረጽካ ካብ ዝተወሰነ ዕድመ ንደሓር ክትረኽቦ እትኽእል ገንዘብ እዩ። ኣብ ኔዘርላንድ ምውህላል ጡረታ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ኣብዚ ኣንብብ።

ዓንቀጽ

ንመኽፈሊ ክራይ-ገዛኻ ዝኸውን ኣበል ክራይ-ገዛ ብኸምዚ ኢኻ እተመልክት

ገዛ ተኻሪኻ ዲኻ? ስለዚ ምናልባት ኣበል ክራይ ናይ ምርካብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ። እዚ ትሑት ኣታዊ ምስ ዝህልወካ ካብ መንግስቲ ክትረኽቦ እትኽእል ተወሳኺ ኣታዊ እዩ። ንኣብነት ብማሕበራዊ ገንዘባዊ ደገፍ ጥራይ ክትነብር ዘለካ ምስ እትኸውን፣ ወይ ድጎማ ትምህርቲ ትቕበል እንተድኣ ኮይንካ።

ዓንቀጽ

ዝያዳ ወይ ሒደት እንተድኣ ኮይንካ ክትሰርሕ ብፋይናንስ ነዚ ከተዋድድ ኣለካ

ዝያዳ ወይ ሒደት ዲኻ ክትሰርሕ? ወይ ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕ ደው ከተብል ዲኻ? ስለዚ ክዋደዱ ዝግባእ ሒደት ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ። ኩነታት ስራሕካ ምስ ዝቕየር እንታይ ከተዋድድ ከም እትኽእል ኣብዚ ዓንቀጽ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ዓንቀጽ

ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር