ምንጪ፡ VluchtelingenWerk Nederland / Selma van der Bijl
ዓንቀጽ

ወጻኢታት መመልከቲ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ምስ ወለድኻ፣ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ወይ ልዕሊ-ዕድመ ደቅኻ

ናይ መወዳእታ ዝተሓደሰሉ: 12/8/2025 4:36 ድ.ቀ.

ንኣብነት ምስ ትሕቲ ዕድመ ኣሕዋትካ፣ ናባዪ ወላዲኻ ወይ ደቂ ደቅኻ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት ንምግባር ምምልካት ገንዘብ ይሓትት እዩ። እዚኦም ወጻኢታት 'ናይ መመልከቲ ክፍሊት' ይበሃሉ። ነዚኦም ወጻኢታት ናብ IND ትኸፍል። እዚ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ንምፍላጥ ኣብዚ ታሕቲ ኣንብብ።

መመልከቲ እዚ ወጻኢታት ይሓትት

እዚኦም ብመሰረት ዓንቀጽ 8 EVRM ንዝቐርብ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ዝምልከቱ

እዮም፡

  • ንሓደ ልዕሊ ዕድመ ኣባል ስድራ-ቤት ዝኸውን መመልከቲ = € 254,-

  • ንትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ዝኸውን መመልከቲ = € 85,-

መመልከቲኻ እንተድኣ ተነጺጉ፣ እቲ ናይ መመልከቲ ክፍሊታት ካብ

ኣይምለሰልካን እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ መመልከቲኻ ናብ IND ቅድሚ ምቕራብካ ምሉእ ምዃኑ ብጥንቃቐ ኣረጋግጽ።

ብመስረት ዓንቀጽ 8 EVRM ንዝቐርብ ናይ ምጥርናፍ ስድራ-ቤት መመልከቲ ዝግበር ደገፍ

ኣብ ገሊኦም ኩነታት ብዛዕባ መመልከቲኻ ካብ ጠበቓ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብሕጋዊ መዳይ ክሕግዘካ ድማ ይኽእል።  

  • ኣብ መዕቆቢ ቦታ ዲኻ ትነብር፣ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ድማ የድልየካ ድዩ? ኣብ ገሊኦም ኩነታት፣

    ናብ ጠበቓ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ። ምስ VWN ብኢንተርነት ዝካየድ ናይ ምኽሪ ሰዓት ንምግባር ኣብዚ ገጽ ቆጸራ ግበር።

  • ድሮ ገዛ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዲኻ ትነብር? ኣብ ገሊኦም ኩነታት፣ VWN እውን ናብ ጠበቓ ከመሓላልፈካ ይኽእል እዩ፣ ወይ ድማ ባዕልኻ መመልከቲኻ ንኸተቕርብ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኣብ ምምሕርዳር ከተማኻ ምስ ዝርከብ VWN ቆጸራ ግበር።


እዚ ሓበሬታ እዚ ሓጊዙካ' ዶ?


ኣብዚ መድረኽ እትረኽቦ ሓበሬታ ካብ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት VluchtelingenWerk Nederland ዝመጸ ኮይኑ፣ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር እዩ።
ምስ Contentful ብምትሕብባር